ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ን47 ዓመታት ዝማዕበለ ቅርሕንቲ ንምፍታሕ 21 ሰዓታት እኹል ኣይነበረን።

እቲ ንልዕሊ ወርሒ ድሕሪ ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝተፈጥረ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ እስላማባድ ዝተኻየደ ላዕለዋይ ደረጃ ዘተ፡ ካብ ፈለማኡ ብኻልእ መንገዲ ክዛዘም ትጽቢት ኣይተገብረሉን።

ንነዊሕ ሰዓታት ዝተኻየደ ዘተ ከም ፍሹል ገይርካ ምርኣይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንዝጸንሐ ዓሚቝ ጋግ ንምጽባብ ንዝህሉዎ ግደ ዋጋ ዘይምሃብ እዩ።

እቲ ሓድሕድ ዘይምስምማዕ፡ ነዊሕ ካብ ዝጸንሐ ምምዕባል ንዩክለር ኢራን ክሳዕ ንህሉው ውግእ ዝወለዱ ሓደስቲ ብድሆታት ዝዝርጋሕ እዩ።

ካብ ኵሉ ዝዓበየ ድማ ኢራን ንስትራተጅያዊ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ቍጽጽር ኰይኑ፡ ምዕጻው ናይቲ መስመር ኣብ መላእ ዓለም ቍጠባዊ ነውጺ ይፈጥር ኣሎ።

ኣብ ስምምዕ ምእንቲ ክበጽሑ፡ ነቲ ዝጸንሖም ዓሚቝ ናይ ዘይምትእምማን ጋግ ምስጋር የድልዮም ነይሩ።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ርክቦም፡ ክልተኦም ወገናት ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተኣኪቦም ክዛተዩ ይኽእሉ እንተዀይኖም ርግጸኛ ንምዃን ይከኣል ኣይነበረን።

በዚ ድማ እቲ ንነዊሕ እዋን ከም ፖለቲካዊ ነውሪ ክርአ ዝጸንሐ ተሰይሩ ኣሎ።

ሕጂ ዝስዕብ እዋናዊ ሕቶ፡ "ዝስዕብ እንታይ ክኸውን እዩ?" ዝብል እዩ።

እቲ ንዓለም፡ ትራምፕ ንምሉእ "ስልጣነ" ኢራን ከጥፍእ ምዃኑ ካብ ዝተሓነዮ ዘገላገላ ናይ ክልተ ሰሙን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲኸ እንታይ ክኸውን እዩ?

ኣብ እስላማባድ፡ ኣብቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል፡ ክሳዕ ለይቲ ኣብ ዝቐጸለ ዘተ ብድሕሪ እቲ ዝተሸጐረ ማዕጾታት እንታይ ከም ዝተፈጸመ እኹል ሓበሬታ የሎን።

ብዛዕባ እቲ ብሓገዝ ፓኪስታናውያን ኣሸማገልቲ ዝተገብረ ክርክራትን ዘተታትን ዝተሰምዐ ዝርዝር ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ከም መግለጺ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ እንተዀይኑ፡ ካብ-ናብ ክኢላታትን ኣማኸርትን ከምኡ'ውን ናብ ትራምፕ ከይተረፈ"ብዓሰርተታት" ዝቝጸሩ ስልኪ ተደዊሎም እዮም።

ንሱ ኣብ ወጋሕታ ኣብ ዝሃቦ ሕጽር ዝበለ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ "ቀንዲ ዕላማ" ኣመሪካ ዝበሎ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኢራን ኑክሌር ንምጥራይ ከም ዘይትጽዕር፣ ከምኡ'ውን ቅልጡፍ ዓቕሚ ኑክሌር ንምውናን ዘኽእሉ መሳርሒታት ንምርካብ ከም ዘይትሰርሕ ዘረጋግጽ ንጹር ቃል ክንርኢ ንደሊ ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።

ዳግማይ ኲናት ቅድሚ ምውልዑ፡ ኣብ ለካቲት ኣብ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ዙር ዘተ፡ ኢራን ነቲ ክሳብ 60 ምኢታዊት ዝበጽሐ 440 ኪሎ ግራም ዝማዕበለ ዩራኒየም ክትቅንስ ሓድሽ ሕድገታት ኣቕሪባ ነይራ።

ይዅን እምበር፡ ክሳዕ ሕጂ ዩራኒየም ናይ ምምዕባል "መሰል" ከም ዘለዋ እያ ትምጕት ዘላ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሩ ዘሎ መደበር ዩራንየም'ውን ክትሓድጎ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

ብተወሳኺ፡ ብዘይሓድሽ ስምምዕ ንወሳኒ መስመር ንግዲ ነዳድን ጋዝን ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍቶ ንዝቐረበላ ተደጋጋሚ ጠለባት ነጺጋቶ ኣላ።

ክልቲኦም ወገናት ናብ እስላማባድ ክጓዓዙ ከለዉ፡ ኣብዚ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ 'ንሕና ኢና ተዓወትቲ' ዝብል እምነት ነይሩዎም።

እቲ ዘተ እንተ ፈሺሉ፡ ንህዝቦምን ንዓለምን ዋላ ዝኸፍአ ስቓይ ይምጻእ'ምበር ውግእ ናይ ምቕጻል ምርጫ ከም ዘለዎም እናፈለጡ እዮም ኣትዮምዎ።

ዶክተር ሳናም ቫኪል ከም ዝገለጸቶ ኣብ መንጎ ክልቲኦም፡ "እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ ምርዳእ ስነልቦናዊ ውስንነት ምንባሩን ኣብ ሓቀኛ ስምምዕ ንምብጻሕ እንታይ ዓይነት ሕድገታት ከም ዘድሊ ብዘይምፍላጥን" ዝተጸገሙ ይመስሉ።

ቫንስ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ዜና ክዛረብ ከሎ፡ "ሓያሎ ኣገደስቲ ዘተታት ገይርና ኢና" ክብል'ዩ ገሊጹ።

ኣብ "ስምምዕ ኣይበጻሕናን" ብምባል ድማ፡ "[እዚ] ካብ ንኣመሪካ ንላዕሊ ንኢራን ሕማቕ ዜና" ምዃኑ ኣነጺሩ።

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቓኢ ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ፡ "ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ጠለባትን ዘይሕጋዊ ሕቶታትን፡" ነቒፉ።

ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ባቐር ጋሊባፍ እውን፡ "እቲ ተጻራሪ ወገን፡ ኣብዚ ዙር ዘተ'ዚ፡ ንእምነት ልኡኻት ኢራን ክረክብ ኣይከኣለን፡" ክብል ገሊጹ።

ኢራን ዘተ ንምቕጻል ድልውቲ ምዃና ተመልክት ኣላ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኢሻቕ ዳር ድማ ኵሎም ወገናት ነቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከኽብሩ ተማሕጺኑ።

ታሪኽ ከም ዘመልክቶ፡ ኢራን ኣብ 2015 ናብ ስምምዕ ክትበጽሕ 18 ኣዋርሕ ወሲዱላ ነይሩ።

ትራምፕ ግን ኣብ ነዊሕ ዘተ ክጽመድ ከም ዘይደሊ ኣነጺሩ ኣሎ።

ቫንስ እውን ቴህራን፡ "ክትጻወተልና" እንተ ፈቲና ተቐባልነት ኣይክህልዎም ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ካምራን ዩሱፍ እዚ ዙር ዘተ፡ "ዓቢ ዓወት ዘይተራእየሉ፡ ግናኸ ምሉእ ብምሉእ ዘይፈሸለ፡" ክብል ገሊጹዎ።

ሕጂ ዓለም ናይ መወዳእታ ውሳነ ካብ ትራምፕ ትጽበ ኣላ።

ትራምፕ፡ ድሕሪ ምፍሻል ስምምዕ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣትዋ ይዅና ካብኡ ዝወጽኣ፡ "ኵለን መራኽብ ንምዕጋት" ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ገሊጹሎ።

ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ነዊሕ ጽሑፍ፡ "እቲ ዘተ ጽቡቕ ነይሩ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ነጥብታት እውን ስምምዕ ተበጺሑ እዩ። እንተዀነ ግን እቲ እንኮ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ ጉዳይ ኒዩክለር ስምምዕ ኣይተገብረሉን፡" ክብል ሓቢሩ።

ትራምፕ ወሲኹ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ንናጻ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝብጻሕ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኢራን ግን "ኣብ ገለ ቦታታት ማንም ዘይፈልጦ፡ ንሳቶም ጥራይ ዝፈልጡዎ ነታጒ ክህሉ ይኽእል እዩ" ብምባል ጥራይ እቲ ስምምዕ ከይፍጸም ከም ዝገበረት ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብቲ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ንኢራን ግብሪ ዝኸፈለት ዝዀነት ትዅን መርከብ ንምድላይን ንምዕጋትን ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኢራናውያን ኣብቲ መጻብቦ ዘጻወዱዎ ነተጕቲ "ምብርዓን" ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

"ዘይሕጋዊ ግብሪ ዝኸፍል ዝዀነ ወገን ኣብ ክፉት ባሕሪ ሰላማዊ ጕዕዞ ኣይክህልዎን እዩ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ኣብ ልዕሌና ይዅን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን መራኽብ ተዅሲ ዝኸፍት ዝዀነ ኢራናዊ ድማ ናብ ሲኦል ክስደድ እዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ "እቲ ዕጽዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክጅምር እዩ" ኢሉ ኣሎ።