እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ኣብ ሕሱም 'ኲናት ሓድሕድ' ተጸሚዶም
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ጕጅለ ቺምፓንዚታት ኣዕቝቡ ኣብ ዘሎ መኻን ዝርከቡ ቺምፓንዚታት፡ ኣብ ክልተ ተመቓቒሎም ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ዘስካሕክሕ "ኲናት ሓድሕድ" ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ተመራመርቲ ገሊጾም።
ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ቺባለ - ኡጓንዳ - ዝርከብን ኣዝዩ ጥሙር ዝነበረን ማሕበረሰብ ቺምፓንዚ ንጎጎ፡ ስለ ምንታይ ኣብ ከቢድ ምስሕሓብ ከም ዝኣተወ ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኽኣለን።
እንተዀነ፡ እቶም ተመራመርቲ ካብ 2018 ጀሚሮም 17 ዋጭላት ዝርከቡዎም 24 ቅትለታት መዝጊቦም ኣለዉ። ቀንዲ ጸሓፊ ናይቲ መጽናዕቲ ኣሮን ሳንደል፡ "እዚኦም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ቺምፓንዚታት እዮም፤ ሕጂ ግን ሓድሕዶም ክበላልዑ ይደልዩ ኣለዉ፡" ኢሉ።
እቲ ኣብ መጽሔት 'Science' ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ብዝሕን ንውሓት ግዜን ናይቲ ግጭት፡ ጥንታዊ ቍርቍስ ደቂ-ሰብ ብኸመይ ከም ዝጀመረ መረዳእታ ክህብ ይኽእል እዩ።
ኣንትሮፖለጂስ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ሳንደል፡ ቺምፓንዚታት "ዝቘጻጸሩዎ ዶባት" ዘለዎም ኰይኖም፡ ምስ ጓኖት ጕጅለታት ናይ ጽልኢ ርክብ ከም ዘርእዩ ይገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ እቶም ዳርጋ 200 ዝዀኑ ቺምፓንዚታት ንጎጎ፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ብሰላም ይነብሩ ምንባሮም ወሲኹ የብርህ።
እቶም ምርምር ዘካይዱ ስነፍልጠተኛታት፡ ነቶም ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተመቓቒሎም ዝነብሩ ዝነበሩ፡ "ምዕራባውያንን ማዕከላውያንን፡" ኢሎም ይጽውዑዎም።
እንተዀነ፡ ክልተኦም ብሓፈሻ ከም ሓደ ጥሙር ስድራቤት እዮም ዝነብሩ ነይሮም።
ሳንደል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምክፍፋል ንፈለማ እዋን ዝተራእየ ኣብ ሰነ 2015 ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቶም ምዕራባውያን ቺምፓንዚታት ክሃድሙ ከለዉ፡ እቶም ማእከላውያን ድማ ይሃድኑዎም ነይሮም።
ቺምፓንዚታት ሓድሕዶም ድሕሪ ምክርኻሮም፡ "ብምውጫጭን ምጕያይን፡ ዝተጋነነ ድራማ ምክያድ፡" ልምዶም ምዃኑ ዝገለጸ ሳንደል፡ ጸኒሖም ግን ከም ዝተሓጋገዙ የብርህ።
ድሕሪ እቲ ናይ 2015 ግጭት ግን እዞም ክልተ ጕጅለታት ንሽዱሽተ ሰሙናት ኣይተቐራረቡን። ካብኡ ንደሓር ዝነበሮም ርክብ እናወሓደ ክኸይድ ከሎ፡ ምስ ዝራኸቡ ድማ ዝያዳ ተጻባእነትን ዓመጽን ይርኣየሎም ነይሩ።
ኣብ 2018 እቶም ክልተ ጕጅለታት ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምፍልላዮም፡ ኣባላት ናይቲ ምዕራባዊ ጕጅለ ነቶም ማእከላውያን ቺምፓንዚታት ዒላማ ብምግባር ከጥቅዕዎም ጀሚሮም።
ካብቲ ግዜ'ቲ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ደይመደያዊ 24 መጥቃዕትታት፡ እንተ ወሓደ ሸውዓተ ዓበይቲ ተባዕትዮን 17 ዋጭላትን ተቐቲሎም ኣለዉ።
ተመራመርቲ ነዚ ምክፍፋል ሰለስተ ቀንዲ መበገሲታት ከም ዘለዎ ይሕብሩ፤
ቀዳማይ፤ ኣብ 2014 ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ሞት ሽዱሽተ ዓበይቲ ቺምፓንዚታት ተራእዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ንኡሳን ጕጅለታት ዝነበረ ማሕበራዊ ጥርናፈ ኣዳኺሙዎ፣
ካልኣይ፤ ኣብ ዝሰዓበ ዓመት፡ ናይቲ ንጕዕ መራሒ (alpha male) ለውጢ ተራእዩ። እዚ ድማ ምስቲ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ናይ ምፍልላይ ግዜ ተገጣጢሙ፣
ሳልሳይ፤ ኣብ 2017፡ ማለት ሓደ ዓመት ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ምክፍፋል፡ ብሰንኪ ሕማም ምስትንፋስ 25 ቺምፓንዚታት ሞይቶም። ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ዓበይቲ ተባዕትዮ፡ ነቶም ጕጅለታት ዘራኽብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ኣባል እዩ ነይሩ።
ሳንደልን መሳርሕቱን ከም ዝገለጹዎ፡ እዚ ርኽበቶም፡ ሰባት ብዛዕባ ሰብኣዊ ግጭታት ዘለዎም ኣረኣእያ ዳግም ክምርምሩ ይድርዀም እዩ።
"ንዓመታት ብሓባር ዝነበሩን ዝደጋገፉንን ቺምፓንዚታት፡ ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ኣባልነት ጕጅለኦም ጥራሕ ዒላማታት ቅትለት ኰይኖም ኣለዉ፡" ብምባል ድማ ጽሒፎም።
ከም ሃይማኖት፡ ብሄር ወይ ፖለቲካዊ እምነት ዝኣመሰሉ ሰብ-ሰርሖ ኣምራት ከይሃለዎም፡ እዞም ንደቂ-ሰብ ዝቐረቡ ፍጡራት ከምዚ ክገብሩ እንተ ክኢሎም፡ ሰባት ኣብ ዘካይዱዎ ግጭታት እውን እቲ ናይ ርክብ ዳይናሚክስ ካብቲ ዝግመት ንላዕሊ ዓቢ ግደ ክህሉዎ ይኽእል እዩ።
ኣብ ጀርመን ዝርከብ ተመራማሪ ጄምስ ብሩክስ፡ ምክፍፋል ጕጅለታት ኣብ ሕብረተሰብ ደቂ-ሰብ ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋ መዘኻኸሪ ምዃኑ ገሊጹ.
"ደቂ-ሰብ ካብ ባህሪ ካልኦት ዓሌታት ክመሃሩ ኣለዎም፣ ይዅን እምበር፡ እቲ ዝሓለፈ ናይ ስነህይወታዊ ዕብየቶም ንመጻኢኦም ከም ዘይውስኖ ድማ ክዝክሩ ይግባእ፡" ኢሉ ርእይቶኡ ዛዚሙ።