እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ እትህቦ ዘላ መጠንቀቕታ እንታይ እዩ?
ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መራኽብ፡ ብዘይ ፍቓድ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሰግራ እንተ ሃልየን፡ "ዒላማ ክዀናን ክዓንዋን እየን" ዝብል መጠንቀቕታ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከም ዝበጽሐን ትካል ደላሎ መራኽብ -SSY- ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣረጋጊጹ።
ብሰሉስ ምሸት ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝገበራ ድሕሪ ምግላጸን፡ በዚ ጸቢብ መስመር ማይ "ውሑስ ምሕላፍ" መራኽብ ክፍጠር ኣለዎ ብዝብል ቅድመ-ዅነት ከም ዝተሰማምዓ እዩ ዝግለጽ፤ ካብኡ ንደሓር ግን ውሑዳት መራኽብ ጥራይ እየን በዚ መጻብቦ ሓሊፈን።
ቴህራን፡ ነዚ ኣስታት ሓደ ሕምሲት ናይ ዓለምና ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ ንሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት መራኽብ ዓለምና ሓኒቓ ድሕሪ ምሓዛ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣገዳሲ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሰሙናት ዝተራእየ ምዝንባዕ፡ ኣብ መላእ ቍጠባ ዓለም ስንባደ ክፈጥር ከሎ፡ ዋጋታት ጸዓት ወሲኹን ኣህጉራውያን ሰንሰለታት ቀረብ ኣብቲ ኣስታት 33 ኪሎሜትር ጥራይ ስፍሓት ዘለዎ መጻብቦ ክሳብ ክንደይ ጽግዕተኛታት ምዃኖምን ኣቃሊዑ።
ካብ ቀረብ ጸዓት ብዝሰገረ፡ ወሽመጥ ዓረብ ከም ማይክሮቺፕ፡ መድሃኒትን ድዅዒን ዝኣመሰሉ ፍርያት ንምስራሕ ዘድልዩ ኬሚካላት ንምጕዕዓዝ'ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ዋጋ ነዳዲ፡ ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ስዒቡ ክጐድል እንከሎ፡ ተንተንቲ መራኽብ ግን ክንድ'ቲ ዝድለ መራኽብ ዘይክሓልፋ ይኽእላ እየን ብምባል የጠንቅቑ ኣለዉ።
ሰራሕተኛ ቬስፑቺ ማሪታይም ላርስ ጀንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መብዛሕትኦም መስመራት መራኽብ ብጭቡጥ ንመተሓላለፊ እንታይ ከም ዝሓትት ዝርዝርን መረጋገጺን ክረኽባ ይደልያ፡ እቶም ዝርዝራት ድማ የለዉን፡" ኢሉ።
ብመሰረት ምክትታል መረዳእታ መራኽብ ማሪንትራፊክ፡ እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ካብ ዝግበር ንደሓር ብ8 ሚያዝያ ሰለስተ መራኽብ ጥራይ - NJ Earth፡ Daytona Beachን Hai Long 1ን - በቲ መጻብቦ ሓሊፈን።
እዚ ምስቲ ቅድሚ እቲ ግጭት ብ28 ለካቲት ምጅማሩ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ 138 መራኽብ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
እተን ትማሊ ረቡዕ ዝሰገራ ሰለስተ መራኽብ ውጽኢት ናይቲ ተዅሲ ደው ምባል ድየን ወይስ ድሮ ነቲ ጕዕዞ ክገብራ መደብ ነይርወን ግን ብግልጺ ኣይንፈልጥን።
"እዚ ብተዅሲ ደው ምባል ዝምራሕ ሰፊሕ ዳግመ ምኽፋት ዘንጸባርቕ ድዩ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ዝጸደቐ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ፡" ትብል ክኢላ ተንታኒ መራኽብ ኩባንያ ክሊር ዝዀነት ኣና ሱባሲች።
"ክሳብ ሕጂ ብሓቂ ዝተቐየረ ነገር የሎን፡" ክብል ጀንሰን ወሲኹ።
ሰራሕተኛታት መራኽብ ብሰላም ንምስጋር እኹል ርእሰ ተኣማንነት ቅድሚ ምሕዳሮም ግዜ ክወስድ'ዩ ይብል።
ዋና ኣሰናዳኢ ሎይድስ ሊስት ሪቻርድ ሚድ እውን በዚ ርእይቶ ይሰማማዕ፤ ነቶም ክሳብ ሕጂ ዓቢይ ዘይርጉጽነት ዘጋጥሞም ወነንቲ መራኽብ "ኣዝዩ ሓደገኛ" እዋን ከም ዝዀነ ይዛረብ።
"ኢራን ብመሰረቱ ገና ነቲ መጻብቦ ከም እትቈጻጸሮ ንፈልጥ ኢና፡ እቲ ግምት ድማ ወነንቲ መራኽብ ገና ካብ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ፍቓድ ምሕታት ከድልዮም እዩ ዝብል'ዩ... እዚ ድማ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።"
ቢቢሲ ቨሪፋይ ብዛዕባ እተን ሰለስተ መራኽብ ዝኽተልኦ መንገድታት መሰረት ብምግባር፡ ብሰሜናዊ መንገዲ በቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝቐረበ መጻብቦ ኣቢለን ናብ ግዝኣታዊ ማያታ ከም ዝኣትዋ ክርዳእ ክኢሉ እዩ።
ቅድሚ እቲ ግጭት፡ መራኽብ መብዛሕትኡ ግዜ ብማእከል እቲ መስመር ማይ ኣቢለን ዝያዳ ደቡባዊ መስመር ይኽተላ ነይረን።
'ኣስታት 800 መራኽብ ደው ኢለን'
በቲ መጸብቦ መራኽብ ክሓልፋ እንተ ጀሚረን፡ ምሉእ ብምሉእ ጽዕነት ዝጸዓና ተዓጽየን ዝጸንሓ መራኽብ ኣቐዲመን ክሓልፋ ትጽቢት ይግበር።
"ኣብኡ ንሓያሎ ሰሙናት ኣስታት 800 መራኽብ ተዓጽየን ኣለዋ። መብዛሕትአን ጽዕነት ሒዘን ስለ ዘለዋ፡ እቲ ቀዳምነት ምውጻእ'ዩ ክኸውን።"
ንውሓት ግዜ እቲ ተዅሲ ደው ምባል - ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ ተሓሲቡ ዘሎ - ንመራኽብ እውን ዘይርጉጽነት ከም ዘምጽእ ካብ ቢምኮ ተንታኒ መራኽብ ኒልስ ራስሙሰን ይዛረብ።
"ዓቢይ ዋሕዚ መራኽብ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ክህሉ ምዃኑ እጠራጠር... ምኽንያቱ እቲ ናይ ክልተ ሰሙን መስኮት ምስ ተዓጽወ ኣብ ሓደጋ ክወድቃ ስለ ዘይደልያ።"
ካልእ ዘይርጉጽነት ድማ ተኽእሎ ነተጉቲ ባሕሪ ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ቤትምኽሪ መራኽብ ቶማስ ካዛኮስ ይዛረብ።
ንሱ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ድሕነት ምጕዓዝ መራኽብን ባሕረኛታትን ኣብ ስምምዕ ይብጻሕ ከም ዘሎ ንጹር መረጋገጺ ከም ዘለና ከነረጋግጽ ኣለና፡" ኢሉ።
ኣብ ርእሲ እዚ ስክፍታታት፡ መራኽብ ብውሑስ መንገዲ ምሕላፈን ንምርግጋጽ ንኢራን ክኸፍላ ክግደዳ ይኽእላ እየን ዝብል ካልእ ዘይርጉጽነት ድማ ኣሎ - እዚ ድማ ክፍሊት ኣካል ናይቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ ዝስዓበ'ዩ።
"እቲ ናይ ኢራን ናይ ድርድር መርገጺ፡ በቲ መጻብቦ ንምሕላፍ ክፍሊት ክትከፍል ኣለካ ዝብል ይመስል፣ መስመራት መራኽብ'ውን ነቲ ክፍሊት ዝፍጽምሉ መንገዲ ካብ ምውሳድ ድሕር ክብሉ'ዮም፡" ይብል ጀንሰን።
ገለ ሃገራት - ህንዲ፡ ማሌዥያን ፊሊፒንስን ሓዊሱ - ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት መራኽበን ብውሑስ መንገዲ ንኽሓልፋ ተዛትየን ኣለዋ።
ክፍሊት ምኽፋል ግን ንኻልኦት ሃገራትን ኩባንያታት መራኽብን ተወሳኺ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ክፍሊት፡ "ብሓቂ ንገለ ካብቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳታት ዝጥሕስ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ መስመራት መራኽብ ካልእ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ፡" ክብል ጀንሰን የብርህ።
እገዳታት፡ ንውልቀሰባት፡ ኩባንያታትን ትካላትን ዝግበር ክፍሊት ከም ገበን ከም ዝውሰድ ከም ዝድንግጉ ጠበቓ መራኽብ ጀምስ ተርነር ይገልጽ።
ንሱ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምጥሓስ እገዳ ዝፍጸም ንዝዀነ ኣብቲ ዝርዝር ዘሎ ሰብ ክፍሊት ምስ ዝፍጸም'ዩ፤ ስለዚ ኣመሪካ ፍሉይ ግምት እንተ ዘይገይራ ንዓኣቶም ክፍሊት ምኽፋል ጥሕሰት ክኸውን እዩ ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ምሕላፍ መራኽብ'ኳ እንተ ዘይተራእየ፡ ድሕሪ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት ዕዳጋታት እወታዊ ምላሽ ኣርእዮም እዮም።
መዐቀኒ ነዳዲ ብሬንት ንሓደ በርሚል ብኣስታት 13% ወሪዱ ናብ 94.80 ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ነዳዲ ድማ ልዕሊ 15% ወሪዱ 95.75 ዶላር በጺሑ። ይዅን እምበር፡ ትጽቢታት ገና ክሕለል ከም ዘለዎ ሚድ ይዛረብ።
"ዋጋ ነዳዲ ለውጢ ኣርእዩ፤ ምኽንያቱ እወታዊ ስጕምቲ ስለ ዝዀነ። ይዅን'ምበር ኣብ ቀረባ እዋን ብዝዀነ ይዅን መንገዲ 20% ዓለማዊ ጸዓት ብንቡር ደረጃ ክኸይድ ክንርኢ ኢና ዝብል ግምት የብለይን።"