ቡን ኣበይ’ዩ ተረኺቡ? ኣብ ኢትዮጵያ ወይስ ኣብ የመን?

ቡን ኣበይ ከም ዝተረኽበ ዝገልጹ ብዙሕ ዛንታታት ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, ቡን ኣበይ ከም ዝተረኽበ ዝገልጹ ብዙሕ ዛንታታት ኣለዉ

ኣብ መላእ ዓለም ዝውሕዝን ኣብ ቁጠባ ሃገራት እወታዊ ጽልዋን ዘለዎ ጸሊም ፈሳሲ ኰይኑ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዝሽየጥ'ዩ።

ይኹን’ምበር፡ ሓያል ጠለብ ስለዘለዎ፡ ሓደ መዓልቲ ምንጪ እዚ ፈሳሲ ክነቅጽ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ብዛዕባ ነዳዲ ኣይኰነን ንዛረብ ዘለና፡ ብዛዕባ ቡን’ምበር።

ኣብ መላእ ዓለም መዓልታዊ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ኩባንያ ቡን ከምዝስተ ይንገር። ብዙሓት ድማ ብዘይ ቡን ስራሖም ክሰርሑ ከምዘይኽእሉ ይስምዖም።

ዘይከምዚ እቲ ሕዚ ዘለዎ ተፈታውነት፡ ኣብ ሓደ እዋን ቡን ምስታይ ዝኸልከላ ሃገራት ከምዝነበራ ሃገራዊ ማሕበር ቡን ይጠቅስ።

ኣብ 1511 ኣብ መካ ቡን ምስታይ ተኣጊዱ ነይሩ፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ ሱር በተኻዊ ኣተሓሳስባ የነቓቕሕን ብኽነት ግዜን የስዕብን እዩ ተባሂሉ ይእመን ስለዝነበረ እዩ።

ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ቡን ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ቡን ክእገድን ሰይጣናዊ ዝብል ስያመ ክወሃቦን ጸቕጢ ገይሮም ነይሮም።

ይኹን’ምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀሌምንጦስ ሻውዓይ፡ ነቲ መስተ ድሕሪ ምጥዓሞም ጽቡቕ ምዃኑ ኣዊጆም። ብሓይሊ በረኸት እዞም ጳጳስ ድማ ቡን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተዘርጊሑ።

ኣብ ጥንታዊት ኮንስታንቲኖፕል እውን ዘገርም መቕጻዕቲ ተኣዊጁ ነይሩ። ሙራድ ራብዓይ ብ1623 ንዝፋን ኦቶማን ምስ ተቖጻጸረ፡ ብኡ ንብኡ ቡን ከልኪሉ፡ ቡን ንዝሰትዩ ዝቐጽዕ ስርዓት እውን ኣተኣታትዩ። ንመጀመርታ ግዜ ቡን ሒዙ ዝተረኸበ ሰብ መቕጻዕቱ፡ መግረፍቲ እዩ ነይሩ። ንካልኣይ ግዜ እንተተታሒዙ ግን ኣብ ውሽጢ ናይ ቆርበት ቦርሳ ተሰፊዩ ናብ ማያት ቦስፖሩስ ይድርበ።

ሽወደን ድማ ኣብ 1746 ናይ ቡን ናውቲ ከይተረፈ ኣጊዳ ነይራ። ኣብ ፕሩስያ እውን ኣብ 1777 ፍረደሪክ ዓቢ ቢራ ካብ ቡን ከም ዝበልጽ ብምግላጽ ቡን ኣብ ንግዲ ቢራ ጣልቃ ከምዝኣቱ ተማጒቱ።

ኣበይ ተረኺቡ ብዘየገድስ ቡን ኣብ ዓለም ቡን ኣካል ዕለታዊ ህይወት ሚልዮናት ሰባት እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣበይ ተረኺቡ ብዘየገድስ ቡን ኣብ ዓለም ቡን ኣካል ዕለታዊ ህይወት ሚልዮናት ሰባት እዩ

እዚ ዅሉ ታሪኽ ዝሓለፈ ቡን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዝዩ ተፈታዊ መስተ ኰይኑ ይርከብ። ዓመት መጸ ድማ 1 ጥቅምቲ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ቡን ተባሂሉ ይኽበር ኣሎ።

ኰይኑ ግን ሕዚ’ውን ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

ንምዃኑ ቡን ከመይ ኢሉ እዩ ክንድዚ ዝኣክል ንጥፈታት ደቂ ሰባት ንምቁጽጻር ሓይሊ ረኺቡ? ብኸመይ’ከ ተፈሊጡ? እንታይ እወታዊን ኣሉታውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ኣለዎ?

ታሪኽ ቡን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቡን ብኸመይ ወይ መዓስ ከምዝተረኽበ ብልክዕ ዝፈልጥ የለን፤ ብዛዕባ መበቆሉ ዝገልጹ ብዙሓት ኣፈ-ታሪኻት ግን ኣለዉ።

ገለ ካብዚኦም፡ መበቆል ቡን ኣብ የመን ከምዝዀነ ዝገልጹ ዛንታ እዮም።

ሓደ ዛንታ፡ ንመጀመርታ ግዜ ውጽኢት ናይቲ ፍረታት ዝረኸበ ሞሮካዊ ሱፊ እዩ ይብል። ንሱ፡ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ እናተጓዕዘ ከሎ፡ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ተኽሊ ቡን ተመጊበን ዘይተለምደ ባህሪ ከርእያ ኣስተብሂሉ። ህንጥይና ስለዝሓደሮ ነቶም ፍረታት ምስ ፈተኖም ንሱ’ውን ተመሳሳሊ ጸዓት ከምዝፈጠሩሉ ይንገር።

ካልእ ዛንታ ድማ ምስታ "ሞቻ" ዝተበሃለት ኣብታ ዓባይ ማእከል ንግዲ የመን ዝተኣሳሰር እዩ።

ዶክተር-ካህንን ዝዀነ ሸኽ ዑመር ብጸሎቱ ንዝሓመሙ ሰባት ናይ ምፍዋስ ክእለት ከምዝነበሮ ጥንታዊ ዛንታታት ይሕብሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ መካ ተሰጒጉ ኣብ በዓቲ በረኻ ክነብር ጀሚሩ።

ከም ባሕታዊ፡ ብዛዕባ ዝበልዖ ነገር ብዙሕ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ዑመር ካብ ገለ ቁጥቋጥ ገለ ፍረታት ረኺቡ ፈቲኑ፤ ግን ኣዝዮም ስለዝመርሩ ንኽልስልሱ ከምዘፍልሖምን ከም ውጽኢቱ ድማ ፍጹም ሰሓቢ ቡናዊ ፈሳሲ ክሰትይ ከምዝጀመረን እቶም ዛንታታት ይገልጹ።

‘ተኣምራዊ ርኽበቱ’ ዓቢ ኣድናቖት ስለ ዝረኸበ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተፈቒዱሉ። ቅድስና’ውን ተዋሂብዎ። ቡን ድማ ኣብ መላእ ዓረባዊ ዓለም ዓረብ እናተዘርገሐ ከይዱ ይብሉ።

ካልእ ብዙሕ ዘይፍለጥ ጽውጽዋይ ድማ ንቡን ከም 'ህያብ ሰማይ' ዝገልጽ እስላማዊ ኣፈ-ታሪኽ እዩ። ብመሰረት እዚ ታሪኽ ነቢይ መሓመድ፡ ኣብ ጽንኩር ድኻም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መልኣኽ ገብርኤል ይጉብንዮም። ገብርኤል ኣብ ዝገበሮ መለኮታዊ ምትእትታው ነቶም ነብይ ጸሊም መስተ ኣቕሪቡሎም። እዚ መስተ እዚ ቡን እዩ ነይሩ፣ እቶም ነቢይ እውን ሓይልን ጽንዓትን ከምዝረኸቡ ይእመን።

ቡን ምስጢራዊ ባህርያት ከምዘለዎን ብተኣምር ከምዝተረኽበን ዝገልጹ ገለ ዛንታታት ከይተረፉ ኣለዉ።

ይኹን’ምበር እቲ ብብዙሓት ዝእመን፡ ቡን ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ዝገልጽ እዩ።

ቡን ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቡን ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ይግለጽ

ብመሰረት’ዚ ታሪኽ፡ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ካልዲ ዝተበሃለ ጓሳ፡ ኣጣሉ ካብ ገረብ ገለ ፍረታት ድሕሪ ምብላዕ ብርቱዕ ስምዒት ከርእያ ተዓዚቡ።

ሓደ መዓልቲ ካልዲ ፍሉይ ነገር ኣስተብሂሉ። ፍረታት ንኣሽቱ ተኽልታት ዝበልዓ፡ ኣጣልኡ ዘይተለምደ ጸዓት ከርእያ ተዓዚቡ። ከምቲ ልሙድ ምሸት ኣብ ክንዲ ዝዓርፋ፡ ሓይሊ ረኺበን ንየው ነጀው እናተዘዋወራ ንቑሓት ኰይነን ከምዝጸንሓ ኣስተብሂሉ።

በዚ ዝተገረመ ካልዲ፡ ካብቶም ምስጢራዊ ፍረታት ቅምሶ ወሲዱ ክሓይኮም እንከሎ፡ ምስቲ ኣብ ኣጣልኡ ዝረኣዮ ዝመሳሰል ሃንደበታዊ ሓይሊ ኣብ ውሽጡ ክውሕዝ ተሰሚዕዎ።

ብድሕሪኡ ዝተወሰኑ ፍረታት ኣኪቡ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ገዳም ወሲዱ። እቶም መነኮሳት ኣብ መጀመርታ ተጠራጠርቲ እኳ እንተነበሩ፡ ደሓር ግን እሺ ኢሎም ፈቲኖምዎም።

ብድሕሪኡ ካልዲ ብዛዕባ እዚ ንኣበምኔት ናይቲ ከባቢ ገዳም ይነግሮም እሞ እቶም ኣበምኔት ድማ ነቶም ፍረታት ብምንቃጽን ብምፍላሕን መስተ ክስራሕ ይኽእል’ዩ ሓሳብ ኣምጺኦም።

ነዚ ስዒቡ ቡን እናተለመደ ከምዝኸደን ክሳብ የመን ከምዝበጽሐን ይንገር።

ቡን ጭቡጥ መበቈሉ ኣበይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ እቲ ዘነቓቕሕ ጽልዋኡ እዝዩ ህቡብ ከምዝገበሮ ኣየጠራጥርን።

እቲ ዘገርም ነገር ሰበስልጣን እስልምና፡ እቲ መስተ ዘስክርን ስለዚ ድማ ብቁርኣን ክልኩል ምዃኑን እኳ እንተገለጽዎ፡ ብዙሓት ኣስላም ግን ነቲ መስተ ከም መተካእታ ናይቲ ብብቁርኣን ዝተኸልከለ ኣልኮላዊ መስተ ይወስድዎ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።

ዋላ’ኳ ከቢድ ስግኣት መቕጻዕቲ እንተነበረ፡ ምስታይ ቡን ግን ኣብ ዓረብን ጎረባብቲ ሃገራትን ብቕልጡፍ ተዘርጊሑ።

ቡን ኣብ መላእ መበል 16ን 17ን ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ተኣታትዩ። ኣብ መወዳእታ መበል 17 ክፍለ ዘመን ድማ፡ ኣብ መላእ ብሪጣንያን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ መግዛእቲ እንግሊዝን ኣህጉር ኤውሮጳን እንዳ ቡን ብብዝሒ ክረኣያ ጀሚረን።

ንመጀመርያ ግዜ ዘነቓቕሕ ሳዕቤን ቡን ዘስተብሃሉ ኣብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝዀኑ ይግመት
መግለጺ ስእሊ, ንመጀመርያ ግዜ ዘነቓቕሕ ሳዕቤን ቡን ዘስተብሃሉ ኣብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝዀኑ ይግመት

ጽልዋ ቡን

ከምቲ ብዙሓት ዝኣምንዎ ዛንታ ቡን ኣብ ለምለም ከበሳታት ኢትዮጵያ’ዩ ዝጅምር።

ዘነቓቕሕ ሳዕቤን ቡን ንመጀመርያ ግዜ ዘስተብሃሉ ኣብቶም ከባቢታት ዝነብሩ ህዝቢ ኦሮሞ ምዃኖም ይግመት። ክሳዕ ሕዚ ድማ ኣገዳሲ ባእታ ናይቲ ባህላዊ መግቦም ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

“ቡን ዘይስተየሉ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ኣይነበረን” ትብል ጸሓፊት መግቢን ተመራማሪት ባህላዊ ስነ-ሰብን ክላውድያ ሮደን።

እቲ ዘነቓቕሕ ባእታኡ ክሳዕ ምሸት ልምድታቶም ንኽቕጽሉ ይሕግዞም ነይሩ።

እንዳ ቡን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ግዝኣት ኦቶማንን ተዘርጊሑ፡ ኣብኡ ድማ ኣቓልቦ ምዕራባውያን ነጋዶ ስሒቡ ረኺቡ። ሮደን፡ ኣብ 1657 ኣብ ዝነበረ ሓደ ናይ ጋዜጣ መወዓውዒ፡ ቡን “ብዙሕ ብሉጻት ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎ፡ ኣፍደገ ከርሲ ዝዓጽዎ፡ ካብ ውሽጢ ንልቢ ዘደልድል፡ ኣብ ምሕቃቕ መግቢ ዝሕግዝ፡ መንፈስ ዘቀላጥፍ...” ከምዝብል ትጠቅስ።

ቡን ፍሉይ ነገር እዩ - የነቓቕሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሉጽ ጣዕሚን ዘለዎም ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ዝሕግዝን እዩ። ልዑል ‘ኣንቲኦክሲዳንት’ ስለዘለዎ፡ ምስ ስሚዒት ምምሕያሽን ምስ ጥዑይ ልቢን ምትእስሳር ኣለዎ።

እቲ ዘገርም መጽናዕትታት ከይተረፈ ሓደ ወይ ክልተ ኩባያ ንብቕዓት ምንቅስቓስ ኣካላትን፡ ጽንዓት ከዕብዮን ኣብ እዋን ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝያዳ ካሎሪ ንምቅጻልን ክሕግዝ ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲታት፡ ቡን ካብ ዝተወሰኑ ልሙዳት ሕማማት ገለ መከላኸሊ ክህብ ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ኣብ ካሮሊንስካ ኢንስቲትዩት ሽወደን ብሱዛና ላርሰን ዝተገብረ መርመራ መርትዖታት፡ ኣብ መዓልቲ ዝስተ ነፍሲ ወከፍ ኩባያ ቡን ምስ 6 ሚእታዊት ምንካይ ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ከምዝተኣሳሰር የረጋግጽ።

ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዋገኒንገን መጽናዕቲ ዘካየደት ላውራ ቫን ዶንገን ብወገና፡ ስሩዕ ቡን ዝሰትዩ ሰባት፡ ብሕማም ልቢ ናይ ምሟት ተኽእሎኦም እንተወሓደ ብ20 ሚእታዊት ከምዝንኪ ትገልጽ።

ሓደ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዘሳተፈ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ዓቢ መጽናዕቲ ጥዕና፡ ክሳብ ሰለስተ ኩባያ ቡን ምስታይ ምስ ዝሓሸ ጥዕና ሓንጎልን ልብን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ቡን ንቁጠባ ብዙሓት ሃገራት’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እንዳ ቡን ህቡባት መአከቢ ቦታታት ብምኸወነን፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ልዑል ጽልዋ ኣለዎ።

ጥንቃቐ

እንተዀነ ግን ቡን ንሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ስለ ዝጸልው ጥንቃቐ ከምዘድልዮ ክኢላታት ይገልጹ።

ነፍሰጾራት ወይ’ውን ብፍላይ ንሳዕቤናቱ ተሃዋሲ ዝዀኑ ሰባት ዝያዳ ክጥንቀቑ ይግባእ።

ብመሰረት ለበዋ ኣካዳሚ ሕክምና ህጻናት ኣሜሪካ፡ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ቀንዲ ንጡፍ ንጥረ ነገር ቡን ዝዀነ ካፈይን ከወግዱ ኣለዎም።

ብፍላይ ድማ ብዙሓት ከም ሻሂ፡ ሶዳ፡ ስፖርታዊ መስተታትን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ካፈይን ዝሕወሶም ፍርያት ስለ ዘለዉ ህጻናት ካብዚኦም ክቑጠቡ ከምዘለዎም ይምዕድ።

እዚኦም ኣብ ህጻናት ካፈይን ድቃስ ምስኣን፡ ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ፡ ረስኒ፡ ምውሳኽ ጸዓት ሓዊሱ ኣሉታዊ ጽልዋታት ክስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ መዓልቲ ሽዱሽተ ወይ ልዕሊኡ ኩባያ ምስታይ ዝኸፍአ ውጽኢት ጥዕና ከም ዘስዕብ ይሕብሩ።

ብሓፈሻ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኩባያ እውን እንተዀነ ጥንቃቕ የድልዮ’ዩ።

እቲ ቀንዲ ነገር ሰባት ንገዛእ ርእሶም ብዝበለጸ ዝሰርሓሎም ትኽክለኛ መጠንን ግዜን ንምርካብ ቁሩብ ፈተነ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ነቲ ቅኑዕ መጠን እንተረኺቦም ግን ቡን ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ - መንፈስ፣ ጭዋዳ፣ ሽኮር ደም፣ ምሕቓቕ መግቢን ኣካላዊ ብቕዓትን ዘመሓይሽ ጸሊም መስተ እዩ።