'እቶም ካብ ርሑቕ ዓዲ ዝመጹ ፕሮፈሰር'

ፕሮፌሰር ያዕቆብ

ምንጪ ስእሊ, DM

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንባህርን መንነትን ፕሮፈሰር ያዕቆብ በየነ ዝፈልጥ ሰብ ብብዙሕ ሸነኾም ጸብለልታ ዝነበሮም ሰብ ምንባሮም እዩ ዝምስክር፤ ብፍልጠቶም፡ ደግነቶም፡ ብቍምነገሮም ኰነ ጽንዓቶም፡ ረዚንን ሕፉርን ሰብ ነበሩ።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ሓደ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናፖሊ ተቘጺሮም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ዓሌተኛ ጣልያዊ ሓላፊ መንገዲ፡ "ኣብ ዓድና እንታይ ክትገብር መጻእካ?" ብዘስምዕ ደፋር ዘረባ፡ ከምኡ'ውን ንሕብሪ ቆርበቶም ብዘናሹ ቋንቋ ዘለፎም።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ግን ኣይተሰናበዱን፡ ኣይተቘጥዑን፣ "ኣነ ኣብዚ ክምህር'የ መጺአ... እወ ደግነት ዓድና ንኸምዚ ከማኻ ምእንቲ ክምህር፡" ብምባል መለስሉ።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ካብ ዘመን ሃጸይ ሃይለስላሰ ጀሚሮም ዳርጋ ምሉእ ህይወቶም ኣብ ዓዲ ጣልያን'ዮም ነቢሮም። ብዘመን ደርግ ይዅን ድሕሪኡ'ውን ኣብኡ ይነብሩ ነበሩ። ሓሓሊፎም ግን ንቤተሰቦም ክበጽሑ ንዓዲ ክመላለሱ ዕድል ረኺቦም'ዮም።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ናይ ስራሕ ዕድሚኦም ብምልኡ ኣብ ከተማ ናፖሊ ኣሕሊፎምዎ።

ናፖሊ፡ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ እትርከብ ድምቕቲ ወደብ ኰይና፡ ብዙሓት ሩሕ ባህሊ ጣልያን ከም ዝዀነት ይምስክሩላ። ናፖሊ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኣ ደኣ ትዅን'ምበር ታሪኻዊትን ሃብታምን፡ ጥንታዊ ሱራት ግሪኽን ሮማን ዘለዋን፡ ብዘደንቑ ስሉማት ኣባይትን ዕሙራት ዕዳጋታትን ዝመልአት፡ ዉዕዉዕን ጥጡሕን ሃዋህው ዘለዋ ከተማ'ያ።

ጕዕዞ ትምህርትን ዕዮን ፕሮፈሰር ያዕቆብ ምስ እንርኢ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ኣብ ናፖሊ ድሕሪ ምርካቦም ኣብኡ ትምህርቶም ቀጸሉ፣ ቀስ-ብቐስ ከኣ ኣብ ኣካድምያዊ መሳልል ምምህርና ክድይቡ ጀመሩ።

ብመጀመርታ ከም ተሓጋጋዚ፡ ጸኒሖም ከኣ ምሉእ ፕሮፈሰር ናይ ቋንቋታትን ስነጽሑፋትን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃን ንሞያኦም ተታሓሓዞዎ - ኣብ " Istituto Universitario Orientale" ዝበሃል ዩኒቨርሲቲ ቀዋሚ መምህር ብምዃን ክሳዕ ዕድመ ጥሮታኦም ኣገልገሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ኣብ መምርሕያ ቦታኦም፡ እቲ 'ክፍሊ ሰሚናር መጽናዕቲ ኢትዮጵያ' ዝጽዋዕ ዝነበረ - ድሒሩ ናብ 'ክፍሊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ዓረብን' ዝተቐየረ ክፍሊ - ውፉይ፡ እሙን፡ ጽኑዕ ኣባል ማሕበረሰብ ኦርየንታሊስት ናፖሊ ኰይኖም ዘገልገሉ ርጡብ መምህር ነበሩ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኦም - ኦሬንታለ ዩኒቨርሲቲ - ንነዊሕ እዋን ዝኸደ ናይ ምምህርናን ምርምርን ዕድሚኦም በቲ ፍሉይ ባህርያቶም - ቍጡብ (ሃንደራእ ዘይብሉ) ግን ኣስተውዒሎም ብቐጥታ ዝዛረቡ፡ ከምኡ'ውን ብቕጭን ኣከዳድኖኦምን እዮም ዝዝከሩ።

ካብታ ካብ ናፖሊ ንደቡብ ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቓ እትርከብ ካፓቺዮ ስካሎ እትበሃል ንእሽቶ ከባቢ መዓልታዊ ይመላለሱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከየብኰሩ ንግሆ-ንግሆ ኣብታ ኣብ ፒያሳ 'ሳን ዶሜኒኮ ማጅዮረ' እትርከብ ቤትጽሕፈቶም ጠበቕ ይብሉ ነበሩ፣ ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ይሰርሑ ነበሩ።

መብዝሕትኦም መምህራን ኣብ ከባቢ ናፖሊ ውጽእ ኢሎም ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ብተዓጻጻፊ-ሰዓታት ይሰርሑ ነበሩ፣ ፕሮፈሰር ያዕቆብ በየነ ግን ንተማሃርኦምን መሳርሕቶምን ወትሩ ድሉውን ኣብ-ቀረባን ነበሩ፣ ብፍላይ ንመንእሰያት ተመራመርትን ንናይ ዶክቶርነት ተምሃሮን እኹል-ትሩፍ ግዝየን ሓገዛትን ይውፍዩ ነበሩ፣ ኰይኑ ድማ መተካእታ ዘይነበሮም፡ ኣብ ስርሖም ድማ ብጸብለልትኦም ምእኩልን ፍሉይን ቦታ ክሕዙ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

እዞም ብ8 ግንቦት 2025 ኣብ ናፖሊ ዝዓረፉ ዓቢይ ሰብ፡ ብ8 ጥሪ 1936 ኣብ ከባቢ ዓዲግራት እትርከብ ማይበራዝዮ ኣብ እትበሃል ቍሸት - ጥቓ ዶብ ኤርትራ - እዮም ተወሊዶም።

እወ ካብ ብእምነቶም ጽኑዓት ዝነበሩ ካቶሊክ ስድራቤት - መበቆሎም ከኣ ትግርኛን ሳሆን - እዮም ተወሊዶም። ኣደኦም ካብ ኢሮብ'የን፣ ኣቦኦም ከኣ ምስ ተመርዓዉ'ዮም ጸኒሖም ዝኰትለኹ።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ብካቶሊካዊ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ በቶም ናይቲ ከባቢኦም ባህልታትን ልምድታትን ተዀስኲሶም ዓበዩ፣ ምስኡ ከኣ ምጡን ፍልጠት ቋንቋ ሳሆ ከጥርዩ ከኣሉ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ዕላሎም በቲ ዘዕበዮም ሃይማኖት ክዛረቡ እንከለዉ፡ ነቲ ብጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስ ዝተኣታትወ እምነት ይጠቕሱ ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

ከም ዝብልዎ፡ ደ-ጃኮቢስ ከምቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ብዙሓት ምስዮናውያን ዘይኰኑስ፡ ናይ ላቲን (ምዕራባውያን) ልምድታት ከጽንዑ ኣይፈተኑን፣ ኣብ ክንድኡ ግን ግእዝን ኣምሓርኛን ዝኣመሰሉ ናይ ከባቢ ቋንቋታት ተማሂሮም ናይ ኢትዮጵያ ስርዓተ ኣምልኾ ልምድታት ዝተቐበሉ፡ ከም ናይቲ ከባቢ ኣቕሽሽቲ ልብስታት ተኸዲኖም ይቕድሱ ከም ዝነበሩ'ዮም ዝዝንተወሎም።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮሌጅ (ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ገዳማውያን ተምሃሮ ዝዅስኵስ ቤት ትምህርቲ) ንኽምሃሩ ብሕርያ ቤተ-ክርስትያኖም ንሮማ ተጓዓዙ።

ይዅን እምበር፡ ካብቲ ዝተመደበሎም ትምህርቲ ገዳም ወጺኦም ናብ ዓለማዊ መንገዲ ንኽሰግሩ ስለ ዝመረጹ፡ ካብ ሮማ ወጺኦም ናብ ናፖሊ ብምኻድ፡ ከም ተሓጋጋዚ ሓላፊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሓድሽ ሞያን ሓድሽ ህይወትን ጀመሩ። እታ ዕድል'ቲኣ ብምርካቦም ከኣ እቲ ኣብ ህይወቶም ድሒሩ ዝተኸሰተ ዓቢ ጸጋ (ምምህርናን ምርምርን) ክረኽቡ ከኣሉ።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ኣብቲ ዝተመደብዎ ፋካልቲ (ሊበራል ኣርትስ) ስነጽሑፍ፡ ቋንቋታት፡ ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ክፍሊ እስያን ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘጠቓልል ክፍሊ ኰይኑ - ብቐጻሊ መጽናዕትን ምምሃርን ኣብ ዘካየድሉ ነዊሕ እዋን (ሓምሳ ዓመታት ዝወሰደ ጻዕሪ)፡ ብቛንቋታት ኢትዮጵያ፡ ስነጽሑፋት፡ ከምኡ'ውን ሃይማኖታት ኢትዮጵያ፡ ማለት ብኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ከምኡ'ውን ግእዝ ሓያሎ ገበታታት-ትምህርቲ ከቕርቡ - እኳ ደኣ ብዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት - በቒዖም'ዮም።

ፕሮፈሰር ያዕቆብ ምስ ብዓልቲ ቤቶም

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ፕሮፈሰር ያዕቆብ ምስ ብዓልቲ ቤቶም

እቲ ኣዝዮም ዝግደስሉ ዝነበሩ ዓውደ-ትምህርቲ ካብ ፊሎሎጂ (ብዛዕባ ኣመዓባብላ ቋንቋታት ዝፍትሽ ስነፍልጠት) ክሳብ ሃይማኖትን ጽልዋታቱን ዝዝርጋሕ መጽናዕቲ ነበረ። ብስነቓላት ትግርኛ ድማ ኣዝዮም ግዱስ ምንባሮም መዘነታቶም ይምስክሩሎም።

እቲ ዝበለጸ ዘበርከትዎን ብሰፊሑ ድማ ኣድናቖት ዝረኸበን እቲ ብጊዮርጊስ ሳግላዊ - እቶም ፍርዙን ኢትዮጵያዊ ጸሓፊ ዘቕረቡዎም ሃይማኖት-ጠቀስ ጽሑፍ (ብ'መጽሓፈ-ምስጢር' ዝፍለጥ ብግእዝ ዝቐረበ ጽሑፍ ማለት'ዩ) ናብ ቋንቋ ጣልያን ብምትርጓሞም እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣርባዕተ ጥራዛት ዘጠቓልል እዩ። ከምኡ'ውን ናይቲ ብደብተራ ፍሰሓ ጊዮርጊስ ዓቢየ-እግዚኦ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብምትርጓሞም ፍናን ረኺቦም'ዮም።

ደብተራ ፍስሓ ጊዮርጊስ ብ1868 ኣብ ዓድዋ ዝተወልዱ ጸሓፊ፡ ተመራማሪ ታሪኽ፡ ስነሃይማኖተኛ - ባህላዊ ትምህርቲ ሃይማኖት ምስ ምዕራባዊ ትምህርቲ ኣወሃሂዶም ዝመሃሩ ፍሉጥ ደብተራ ነበሩ። ንሶም ዝበዝሐ ዓመታት ህይወቶም ኣብ ኤርትራ እዮም ኣሕሊፎምዎ - ኣብ ዓዲ ዘኑ - ሰራየ ከኣ ብ1931 ዓረፉ።

ፕሮፈሰር ኣለሳንድሮ ባውዚ ዝተባህሉ ተመራማሪ መጽናዕትታት-ኢትዮጵያ ከም ዝብልዎ፡ ፕሮፈሰር ያዕቆብ ካብ 1972 ክሳዕ 2012 ንምርምር ዝበቕዑ ማዕረ 40 ጽሑፋትን መጻሕፍትን ከም ዘፍረዩ ብዝርዝር ኣቕሪቦሞ ኣሎዉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መዓርግ ፕሮፈሰርነት ምስ በጽሑ፡ ከም ኣቦ መንበር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካዳምያዊ ጽፍሕታት (ዳይረክተር ክፍሊ፡ ፕረዚደንት ፕሮግራም ዲግሪ ከምኡ'ውን ካልኦት ሓላፍነታት ዝኣመሰሉ) ከም ዝመርሑ ፕሮፈሰር ባውዚ ይምስክሩሎም።

ፕሮፈሶር ያዕቆብ በየነ ምስ ዓረፉ ኣብ ካፓችዮ-ፓአስታ ዝሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ - ኣብቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ዓዲ ምዃኑ'ዩ - "እቶም ካብ ርሑቕ ዓዲ ዝመጹ መምህር ዓሪፎም" ዘርእስቱ ግሩም ሓተታ ጸሓፈ።

እቲ ሓተታ ስእሎምን ናይ ኢጣልያዊት ብዓልቲ ቤቶምን - ፓውላ ራአሊ - ዝሓዘ ሓተታ ነበረ። እዘን ክልተ ኣወዳት ዝወለዳሎም ፓውላ ረኣሊ ብዛዕባ ብዓልቤተን ኣብ ዝሓተትናየን፡ ኣዝየን ከም ዝናፍቖኦም ገሊጸን።

እታ ሰሙናዊት ጋዜጣ፡ "እቶም ርእሶም ኣቕኒዖም ምስ ኵሎም ደቂ ዓዲ ተሳንዮም ዝነብሩ ዝነበሩ ሕጉስን ኣብነታውን መምህር፡ ኣብቶም ጽርግያታት ካፓችዮ ዘወር ክብሉ መዓልታዊ ንርእዮም ዝነበርና ደጊምሲ ኣይክንርእዮምን ኢና፡" እናበለት ናይ ሓዘን መልእኽታ ኣስፈረት።