ስለምንታይ'ዮም መድሃኒታት ምጕዳል ሰብነት ቅልጡፍ ፍታሕ ዘይኰኑ?

ሞንጃሮ ተባሂሉ ዝተጻሕፈሉ ዓይነት መድሓኒት 'ቲርዘፓታይድ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሚልዪናት ዝቝፀሩ ሰባት ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሓኒታት ምጉዳል ሰብነት ይጥቀሙ ኣለዉ
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ሳራ ለ ብሮክ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ዘምጽእ መድሃኒታት ምጕዳል ክብደት ሰብነት ቀጥታዊ ተመኵሮ እዩ ዘለዋ። ንመብዛሕትኡ ዕድመ ብጽሕናኣ ምስ ክራሸ ትነብርን ብዙሕ ዓይነት ኣመጋግባታት ክትፈታትን እያ ኣሕሊፋቶ።

"ዝዀነ ዝወጸ ነገር፡ 'እዚ ክሰርሓለይ ይኽእል ይኸውን እዩ' ኢለ እየ ዝሓስብ፡ እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ዝጐደለ ክብደት ደጋጊሙ ይምለስ" ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሳራ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት መድሃኒታት ድሕሪ ምውሳዳ፡ ዳርጋ 51ኪሎ ኣጕዲላ እያ።

"ሽዑ፡ ብዛዕባ መግቢ ዘይሓስብ ኰይነ" ትብል።

"በቃ ዝያዳ ጉልበት ረኺበ፣ ቅድሚ ሕጂ ክገብሮ ዘይክእል ዝነበርኩ ነገራት ይገብር ኣለኹ... ሓድሽ ናጽነት ህይወት ፈጢሩለይ፡" ክትብል ትገልጽ።

ከም በዓል ሳራ ዝኣመሰላ/ሉ ሚልዮናት ሰባት ተጠቀምቲ ናይቶም ብትካላዊ ኣስማቶም 'ኦዘምፒክን ሞንጃሮን' ዝፍለጡ፡ ከም 'ሰማግሉታይድ'ን 'ቲርዘፓታይድን' ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ኰይኖም ኣለዉ። እዞም መድሃኒታት ብመልክዕ ከኒናታት ከይተረፈ ንዕዳጋ ኣብ ዝቐርቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ተጠቀምቲ እናበዝሑ ክኸዱ ተኽእሎ ኣሎ።

ብርግጽ እዞም መድሃኒታት ኣብ ሕክምና ክራሸ ሓድሽ መዋእል ይኸፍቱ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኰነን። እቲ ኵነታት፡ ሕጂ "ክቐልል ዝኽእል" ጉዳይ ይኸውን ምህላዉ ዝገልጽ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ፕሮፌሰር ሕክምና ዴቪድ ካሚንግስ፡ ብቐረባ ዝረኣኹዎም "ተኣምራታውያን መድሃኒታት" ይብሎም።

ካልኦት ምሁራት ግን፡ ተጠቀምቲ፡ ነቲ መድሃኒት ምውሳድ ምስ ዘቋርጹ ብፍላይ፡ ክብደት ሰብነት ቀልጢፉ ክምለስ ስለ ዝኽእልን፡ ምስኡ ዝተኣሳሰር ናይ ባህሪ ለውጢን ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ።

እዚ እንተዀይኑ፡ መድሃኒታት ምጕዳል ክብደት ሰብነት ክጥቀም ዝሓሰበ ሰብ ኣቐዲሙ ኣብ ግምት ከ'እትዎም ዝግባእ ነገራት እንታይ እዮም?

ብኸመይ ይሰርሑ?

እቶም ፍሉጣት መድሃኒታት 'ግሉካጎን' ዝመስል 'ፐፕታይድ-1' ወይ GLP-1 ከምኡ'ውን ኣብ ግሉኮስ ዝምርኮስ 'ኢንሱሊኖትሮፒክ ፖሊፔፕታይድ' ወይ GIP ተባሂሎም ዝፍለጡ ኰይኖም፡ ንኣካላትና ከም ዝጸገበ ዝነግሩ ሆርሞናት ብምምሳል፡ ሸውሃትና ብምድራት እዮም ዝሰርሑ።

እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዋህዮታትና ምስ GLP-1ን GIP receptorsን ዝፍለጡ ፍሉያት ሞለኪዩላት ይተሓሓዙ'ሞ፡ ኣካላትና እኹል መግቢ ምስ ረኸበ ቅልጡፋት ሓበርቲ እዮም።

ነዞም መድሃኒታት ክጥቀም ዝጀመረ ሰብ፡ ከም ልሙድ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ሰሙናት ክብደቱ ክቕንስ ይጅምር። እቶም መድሃኒታት ነቶም ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ዘለዎም ከራሻት ሰባት ክጥቀሙሎም ዝጸደቍ'ኳ እንተዀኑ፡ ካብዚ ሕክምናዊ ምድብ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት እውን ብብዝሒ ክጥቀሙሎም ይርኣዩ ኣለዉ።

ኣዝዮም ውጽኢታውያን ስለዝዀኑ - ኣብ ውሽጢ 72 ሰሙን ካብ 14-20% ሚዛን ሰብነት ስለዘጕድሉ - ተቐባልነቶም እናወሰኸ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

ብተፈጥሮኦም ቅልጡፍ ግብረመልሲ ዘይህቡ ኣስታት 10-15% ካብ ተጠቀምቲ እቲ ዝድለ ውጽኢት ዘይህቡ ምህላዎም ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።

ክብደት ንምጉዳል ዝውሰዱ መድሓኒታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክብደት ንምጉዳል ዝውሰዱ መድሓኒታት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዞም መድሃኒታት፡ ሕሱርን ካሎሪታት ዝበዝሖ ኣመጋግባ ዘመናዊ እዋን ከም "ከሚካላዊ ዋልታ" ኰይኖም እዮም ዘገልግሉ፡ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ ፕሮፌሰር ሕክምና ናቪድ ሳታር።

እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ፡ "ኣብ ኵሉ ቦታ መግቢ ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ዝዀነ ሰብ "ተሌፎን ኣልዒሉ 10 ሽሕ ካሎሪ መግቢ ክእዝዝ ይኽእል" ይብል።

ሰባት ክብደቶም ንምጕዳል ዝሕግዙ መድሃኒታት ክወስዱ እንተጀሚሮም፡ ንናይ ነዊሕ እዋን ተጠቃምነት እቲ መድሃኒት ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዘለዎም ክኢላታት ይመኽሩ።

መድሃኒታት ምውሳድ ቅድሚ ምጅማሮም ዝሕተት፡ "ክሳብ ክንደይ ክውሰድዎ እዮም?" ዝብል እዩ።

ከም ልሙድ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ከም ዘቋርጽዎ ይዛረብ። ን ልዕሊ 9,000 ሰባት ዘሳተፈ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኸኣ፡ ማእከላይ ገምጋም ግዜ ሕክምና 39 ሰሙን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፣ ብሰንኪ ወጻኢታት ሕክምና ይዅን ብውልቂ ንነዊሕ እዋን መድሃኒት ክወስዱ ዘይደልዩ ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ተጠቀምቲ ነቲ መድሃኒት ምስ ኣቋርጽዎ ድማ፡ ክብደቶም ቀልጢፉ ክምለስ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ክብደት ሰብነት መድሃኒት ድሕሪ ምቍራጽ፡ ክሳብ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ብዝቐልጠፈ ከም ዘጋጥም ይሕብር።

ካልእ መጽናዕቲ ድማ፡ እቶም ክብደቶም ክቕንሱ መድሃኒታት ዝወስዱ ሰባት፡ ነቲ መድሃኒት ምስ ኣቋረጹ ድሕሪ ሸሞንተ ሰሙን 1.5 ኪሎ ግራም ከም ዝውስኹን፡ ምስ ግዜ ድማ ክብደቶም እናወሰኸ ከም ዝኸደን ይሕብር።

ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ካልኦት ጠንቅታት ጥዕና - ከም ልዑል ጸቕጢ ደም ከም ዝረኣዩ ኣረጋጊጹ።

ካልእ ሓድሽ መጽናዕቲ እውን፡ መድሃኒታት ክወስዱ ጸኒሖም ዘቋርጹ ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣስታት 60% ናይቲ ዝቐነስዎ ክብደት ከም ዝምለስ የረጋግጽ።

ክበደት ዘለዋ ሰበይቲ ቀልፃም ኢዳን ከብዳን ይረአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሆርሞናት እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ተራ ኣለዎም።

ሓደ ሰብ ክብደቱ ከጕድል ምስ ዝፍትን፡ ነቲ ዝቐነሶ ክብደት ክመልሶ ምዃኑ ንኣካልቱ ዝነግር ሓያል ሆርሞናዊ ግብረመልሲ የበግስ።

ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ሓንጎል ነቲ ምጕዳል ካሎሪ ከም ሕጽረት ጸዓት ይትርጕሞ፣ ስለዚ ክብደት ሰብነት ዝቕንስ መድሃኒታት ምስ ኣቋረጽካ፡ ሸውሃት መግቢ ዘነቓቕሑ ሆርሞናት ይውስዅ፣ ጸዓት እተቃጽለሉ ፍጥነት ድማ ይንኪ።

"እዞም ስነህይወታዊ መከላኸሊታት ኣመና ሓያላት እንተዀይኖም፡ ንውጽኢታዊነት እቲ መድሃኒት ከዳኽሙ ይኽእሉ" ይብል እቲ መጽናዕቲ።

ለውጢ ኣነባብራ

ሳታር፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ኣነባብራ ለውጢ ዝገብሩ ሰባት ብምትኳር፡ ነቲ መጠን መድሃኒት ምንካይ ወይ ነቲ መድሃኒት እናዕረፍካ ምጥቃም ከም ዝከኣል ተዓዚቡ። ገሊኦም "ኣብ ኣመጋግባኦም መሰረታዊ ለውጢ" ይገብሩ እዮም ድማ ይብል።

"ካልኦት ድማ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝወስድዎ ዝነበሩ ዝወሓደ መጠን ከድልዮም ይኽእል'ዩ። መብዛሕትኦም ግን ገለ መጠን ናይቲ መድሃኒት ከድልዮም'ዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ኣመጋግባ ብዙሕ ስለዘይቅየር።"

ሰባት ኣብ ኣገባብ ኣነባብራ ለውጢ ክንዲ ምግባር፡ መድሃኒት ክብደት ምጉዳል ይወስዱ ከምዘለዉ እውን ስክፍታ ዝፈጥር እዩ።

መርትዖታት ከም ዘመልክትዎ ግን፡ ማዕረ-ማዕረ መድሃኒታት ምጕዳል ክብደት ኣብ ኣነባብራ ምምሕያሽ እንተተገይሩ ኣድማዒ ውጽኢት ክህልዎ ከም ዝኽእል እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሳይንሳዊ ምኽሪታት፡ ነቶም ክብደት ሰብነት ንምቕናስ መድሃኒታት ዝወስዱ ሰባት ናይ ባህርን ኣነባብራን መደገፍታ እንተዘይገይሮምሉ፡ እቶም ሰባት ንሕጽረት መኣዛታት ተቓላዕቲ ክገብሮም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።

"እዞም ሰባት እኹል ፕሮቲን ይዅን ኵሉ ዘድልዮም ቪታሚናትን ማዕድናትን ይረኽቡ ከምዘለዉ ከነረጋግጽ ኣለና" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ክኢላ ኣመጋግባን ባህርንን ማሪ ስፕረክሊ።

"ከም ድኻምን ምስናፍ ጭዋዳታትን ከስዕብ ካብ ዝኽእል ናይ ነዊሕ እዋን ዘይተሓሰበ ሳዕቤን ዝፈጥሮ ስክፍታታት ጥዕና ስክፍታ" ምስትብሃል ከምዘድልዮ ተዘኻኽር፡፤

እዞም መድሃኒታት፡ ብቐንዱ ሸውሃት ስለ ዝዓጽዉ፡ ተጠቀምቲ ብሓፈሻ ውሑድ መግቢ ክምገቡ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይሕብሩ። እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣመጋግባኦም ድኹም ኰይኑ እንተ ቐጺሉን "ዘይተደልየ ሳዕቤን" ክፈጥር ይኽእል።

ቅልጡፍ ፍታሕ የለን

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መድሃኒት ምውሳድ ጥራይ "ነቲ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ከጥፍኦ ከምዘይክእል" ይገልጽ። ብኣጋኡ፡ መርመራን ጥዑይ ሃዋህው ምፍጣርን እውን ከምዘድሊ እቲ ትካል ኣብ መምርሒ ኣጠቓቕማ መድሃኒታት GLP-1 ኣስፊሩ'ሎ።

እዚ ዝቐለለ ሰባት ገና ነቲ መድሃኒት ኣብ ዝወስዱሉ እዋን እዩ ይብል ሳታር። "ብዛዕባ ኣመጋግባኻ ክትሓስብ ዕድል ኣለካ።"

ናይ ባህሪ ለውጢ ግን ኣዝዩ በዳሂ እዩ ትብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሎውቦሮ ፕሮፌሰር ሕክምና ባህሪ ኣማንዳ ዳሊ። ንሳ፡ ምስ ተጠቀምቲ "መድሃኒት ምውሳድ ኣብ ዘቋርጹሉ፡ ክሳብ ክንደይ ክብደቶም ብቕጽበት ክምለስ ከም ዝኽእል ምዝርራብ ዝሓሸ ምዃኑ፡" ተዘኻኽር።

በርገር ዝበልዕ፤ መፀር ዝገበረ ስብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክበደት መቐነሲ መድሓኒት ዝወወስዱ ሰባት ሸውሃቶም ስለዝንኪ፡ ኣብ መፃኢ ሳዕቤን ከይህልዎ ይስጋእ

እዚ ፀገም፡ ብመድሃኒት ጥራይ "ክፍወስ" ከም ዘይክእል ትዛረብ።

ስለዚ ድማ እዩ ተወሳኺ ደገፍን "ሓፈሻዊ ክንክንን" ተጠቀምቲ ለውጢ ኣመጋግባ ከም ዝገብሩን ኣካላዊ ምንቅስቓሶም ድማ ወሳኒ ምዃኑን ተዘኻኽር።

ብሕታውያን ወሃብቲ ኣገልግሎት ግን ነዚ ወሳኒ ተወሳኺ ደገፍን ምኽሪን ምክትታል ይህቡ ድዮም ኣይህቡን ንጹር ኣይኮነን ብምባል፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ መድሃኒታት ብውልቂ ስለዝረኽብዎን ቀጻልነት ክንክን ንምክትታል ኣጸጋሚ ስለዝዀነን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ትዛረብ።

ናይ ባህሪ ለውጢ

ብድሆታት ባህሪያዊ ለውጢ ንምስዓር፡ ተመራመርቲ ስታንፎርድ ሓገዝቲ ዝዀኑ መምርሒታት ኣተኣታትዮም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ነቶም መድሃኒታት ዝወስዱ ሰባት ጥዑይ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምትብባዕ ክሕግዙ ዝኽእሉንኣሽቱ ስጕምትታት ፈቲኖም።

ብድሕሪኣ እትረኣ ረጓድ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ንኣሽቱ ዝመስሉ ለውጥታት፡ ኣብ ኣመጋግባ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ድቃስን ምሕደራ ጸቕጥን ዘዝተኣሳሰሩ እዮም። እቲ ወሳኒ ዛዕባ፡ እዞም ንኣሽቱ ስጕምትታት ከም ሽኮር ዘለዎ መስተ ብማይ ምቕያር፡ ድሕሪ ምሳሕ ቡን ዘይምስታይ፡ ጭንቀት ኣብ ዝስመዓካ እዋን ኣዕሚቝካ ምስትንፋስ ወይ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ንደገ ምውጻእ ዝኣመሰሉ ብቐሊሉ ክትመልኮም ዝከኣል እዮም።

እዚኦም ባህሪያዊ ለውጥታት ድማ ውጽኢታውያን ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ የረጋግጽ።

እዚኦም ድማ ንለውጢ ባህሪ ቀዳማይ ኣድለይቲ ስጕምታት ምዃኖም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሕክምና ህጻናት ማያ ኣዳም ትገልጽ።

"ዝበለጸ ጥዕናኻ ንምሕላው፡ ልዕሊ ፋርማኮቴራፒ - ፍወሳ ብመድሃኒት፡ ካልእ ብዙሕ ነገራት ዝሓትት'ዩ" ትብል።

እዞም ንኣሽቱ መዓልታዊ ለውጥታትን ልምድታትን ምስ ግዜ ናይ ብሓቂ ለውጢ ስለዘምጽኡ እዮም።

ጐድናዊ ሳዕቤን

እዚ ዓይነት ምትእትታዋት ንሰባት ነቲ ዘድሊ ለውጢ ንኽረኽቡ - ብፍላይ ድማ ነቲ ዝፍለጥ ጎናዊ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው - ዘድልዮም መሳርሒታት ንምርካብ ወሳኒ እዩ ይብል ዳሊ።

ኣብዚ መስርሕ፡ ተጠቃምነት መድሃኒታት ንምጕዳል ክብደት ሰብነት፡ ጸገማት ከስዐን መዓንጣን፡ ሕማም ሽኮርን ጸጸር ሓሞትን ከምዝተራእየ መጽናዕቲ የመልክት።

ብፍላይ ኣብቶም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይገብሩ ውልቀሰባት ጭዋዳታት ምድኻም ካልእ ስክፍታ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ምስ ኵነታት ዓጽምን መላግቦን እውን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ድማ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሓደ ዓቢ መጽናዕቲ፡ እቶም መድሃኒታት ምስ ዝሓሸ ጥዕና ልቢ፡ ውሑድ ረኽሲ፡ ትሑት ሓደጋ ተጠቃምነት ዕጸፋርስን ትሑት ተርእዮ ሕማም ረሲዕ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ይገልጽ።

መድሃኒታት GLP-1 ንሰባት ክብደቶም ንምጕዳል ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ናይ ሓያሎ ዓመታት መርትዖታት'ኳ እንተሃለወና፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ እንታይ ከም ዝኸውን ወይ'ውን ምስ ግዜ ሳዕቤናቶም ክጎድል ብዛዕባ ምዃኑ ግን ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ዝፍለጥ የለን።

ነፍሰጾራት ከይጥቀማሉ ስለዝምከር፡ እዞም መድሃኒታት ንጥንሲ ወይ ንመጻኢ ህጻናት ብኸመይ ክጸልዉ ከምዝኽእሉ እውን ዘሎ ሓበሬታ ውሑድ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ከም በዓል ሳታርን ካሚንግስን ዝኣመሰሉ ክኢላታት፡ ምስ ዝያዳ ስብሒ ንዝነብሩ ሰባት፡ እቲ ረብሓ ካብቲ ጐድናዊ ሳዕቤናቱ ኣዝዩ ዝዓበየ ምዃኑ ይዛረቡ።

እዚ ብፍላይ ነቶም ድሮ ምስ ክብደት ሰብነት ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ዝምልከት እዩ። ከም ሕማም ልቢ፡ መንሽሮን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ኵነታት ኣብ መላእ ዓለም ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኰይኖም፡ ኵሎም ድማ ምስ ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ዝቀያየር ዘሎ ኵነታት

ንጹር ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ፡ መድሃኒት ክብደት ሰብነት ብቕልጡፍ ይቕየሩ ምህላዎም እዩ።

እዞም መድሃኒታት፡ ንሰባት ክብደቶም ንኸጕድሉ ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ እውን ረብሓታት ኣለዎም።

ኣብ ክልተ ሚልዮን ሰባት ዝተገብረ ዓቢ መጽናዕቲ፡ ምስ ዝሓሸ ጥዕና ልቢ፡ ውሑድ ረኽሲ፡ ትሑት ሓደጋ ወልፊ ዕጸፋርስን ውሑድ ሰገማት ረሲዕን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ከም ምቍርራጽ ድቃስ፡ ስርዓተ ምስትንፋስ፡ ሕማም ኣርትራይተስን ምጥቃም ንጥረ ነገራትን ዝኣመሰሉ ኵነታት ከም ዝሕግዙ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ይዅን እምበር ከም በዓል ዳሊ ዝኣመሰሉ ክኢላታት፡ እዞም መድሃኒታት ሓደ ክፋል ፍወሳ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ጥራይ ምዃኖም ይዛረቡ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ፡ ሰባት ዋላ ብዘይ እዞም መድሃኒት፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጥዑይ ለውጢ ንኽገብሩ ምሕጋዝ እዩ። ብዙሓት ሰባት ልዑል ካሎሪ ዘለዎምን ኣዝዮም ዝተመስርሑን መግብታት ስለ ዝበልዑ፡ ክራሸ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ጥዕና ኮይኑ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ።

ዳሊ ወሲኹ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ንኵነታት መግቢ ምምሕያሽ፡ ንሰባት ዝሓሸ ምርጫታት ምሃብን ኣብ ፖሊሲታት መንግስቲ ምጽላውን ክኸውን ከም ዘለዎ ይዛረብ፤ በዚ ድማ መጻእቲ ወለዶታት እዞም መድሃኒታት ፈጺሞም ኣይከድልይዎምን እዮም።