ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍት ጸርፊ ኣሰንዩ የፈራርሕ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንዅለን መራኽብ ክትከፍት ንዝሃቦ ገደብ ግዜ እንተ ዘይተሰማሚዓ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ድልድላትን ኢራን ከም ዘዕኑ፡ ኣፈራሪሑ።
ነቲ ኣቐዲሙ "ሲኦል" ከም ዘውርደሎም ተሓንዩዎ ዝነበረ እኳ እንተ ደገሞ፡ ምስ ቴህራን ስምምዕ ንምብጻሕ ግን "ጽቡቕ ዕድል" ከም ዘሎ ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጹ።
ኢራን ነቲ መጠንቀቕታኡ፡ "ሓልፋይ ዘይብሉ፡ ርቡሽን በሃምን፡" ክትብል ነጺጋቶ።
ትራምፕ ሓድሽ ቅድመ-ዅነት ዘቕረበ፡ ኣባል ናይታ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ብዓወት ምዝዛሙ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝወረደ ወተሃደር ኣመሪካ ንምሓዝ ተቐዳዲመን፣ እቲ ኣብራሪ ኤፍ-15 ብዓርቢ ነፋሪቱ ምስ ተሃርመት ቍሩብ ጸኒሑ እዩ ተረኺቡ።
ኢራን ነዚ ንልዕሊ ወርሒ ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲታት ኣመሪካን እስራኤልን፡ መሻርኽተን ንዝበለተን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምጥቃዕ እያ ምላሽ ትህብ ዘላ።
ኢራን ኣብቲ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ እውን ብዓቢዩ ዕጽዋ ኣካይዳ፣ ብሰንኩ ድማ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉን ዋጋታት ንብረት ወሲኹን።
እዚ ቅልውላው፡ ትራምፕ ኣብ መጋቢት፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ክትከፍት ደጋጊሙ ገደብ ግዜ ከውጽእ ምኽንያት ኰይኑ። ብሰንበት'ውን ቅድመ-ዅነት ብምቕራብ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መጠንቀቕታ ሂቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸርፊ ዝተሓወሶ መጠንቀቕታ ትራምፕ
"ሰሉስ፡ መዓልቲ ናይ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ድልድላትን ክትከውን እያ። ኵሉ ብሓደ ክፍጸም እዩ - ኣብ ኢራን። ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ድማ ክኸውን እዩ፡" ክብል ድሕሪ ምሕንሓን፡ 'ፋኪን' ዝብል ቃል ብምጥቃም፡ "ኣቱም ዕቡዳት ደቂሓራም ነቲ መጻብቦ ክፈቱዎ። እንተዘየሎ፡ ኣብ ሲኦል ክትነብሩ ኢኹም - ምስጋና ንኣምላኽ ይዅን እንታይ ከም ዝስዕብ ክትርእዩ ኢኹም፡" ኢሉ።
ብድሕሪኡ፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ስምምዕ ክብጻዕ "ጽቡቕ ዕድል፡" ከም ዘሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ ብቕልጡፍ እንተ ዘይተሳኺዑ፡ "ንዅሉ ብምዕናው" ከምኡ'ውን "ነዳዲ ንምውሳድ" ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ጸኒሑ፡ ን6 ሚያዝያ ኣቐሚጡዎ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ገደብ ግዜ ኣናዊሑዎ።
ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ዘቐመጦ ገደብ ግዜ ከናውሕን ከወንዝፍን ብዙሕ ግዜ ተራእዩ እዩ።
ትራምፕ ብ21 መጋቢት ኣብ መጀመርታ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት "ምሉእ ብምሉእ ክፉት" እንተ ዘይኰይኑ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክድምስሶ" ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።
ወሃቢ-ቓል ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኢራን ማህዲ ታባታባይ፡ ብሰንኪ ኲናት ንዝወረዶም ዕንወት ንገለ ክፋሉ ንምክሕሓስ እቲ መጻብቦ ክኽፈት ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኢራን በቲ መጻብቦ ንዝሓልፋ መራኽብ ከተኽፍል መደብ ከም ዘለዋ ኣመልኪታ።
እንተዀነ፡ ነተን ምስ ኣመሪካን እስራኤል ርክብ ዘይብለን ሃገራት ደኣ'ምበር ንዅለን መራኽብ ኣይኰነን።
ጀነራል ዓሊ ዓብደላሂ ዓልያባዲ ካብ ማእከላይ ወተሃደራዊ እዚ ኢራን፡ ምፍርራሕ ትራምፕ፡ "ሓልፋይ ዘይብሉ፡ ርቡሽ፡ ሚዛናዊ ዘይኰነን ዕሽነት ዝመልኦን ስጕምቲ፡" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሶም'ውን ንመራሕቲ ኣመሪካ "ኣፋፌት ስኦል ክራሓው እዩ፡" ክብል ተሓንዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ስቪላዊ መሰረተ-ልምዓታት ኢራን መጥቃዕቲ ፈጺማ።
ብሰንበት ኣብ መሳለጥያታት ፔትሮኬሚካልን ደብዲባ።
ተወሰኽቲ መሳለጥያታት ጸዓት ንምውቃዕ ድማ ፍቓድ ኣመሪካ ትጽበ ከም ዝነበረት ሰበስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣመሪካን እስራኤልን ብሰንበት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ንዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቃስም ሶሌማኒ'ውን ኣጥቂዐን።
ኢራን'ውን ብወገና፡ መሓዙት እስራኤልን ኣመሪካን ንዝበለተን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ ሃገራት ድሮናትን ሚሳይላትን ምትኳስ ቀጺላ ኣላ።
ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ እስራኤል ከተማ ሓይፋ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ብባሊስቲክ ሚሳይል ተሃሪሙን ኣርባዕተ ሰባት ቈሲሎምን።
ሰብመዚ ኣቡዳቢ፡ ኢራን ሚሳይል ድሕሪ ምውንጫፋ ስኴጆታት ንመሳለጥያ ፔትሮኬሚካል (ኣብ ቦሩጅ ዝርከብ) ሃሪሙ ባርዕ ስለ ዝተፈጥረ ንምጥፋኡ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ኩዌት መጥቃዕቲ ድሮን ኢራን ንመሳለጥያታት ነዳድን ፔትሮኬሚካልን ኣዝዩ ከም ዝሃሰዮ ገሊጻ። ኣብ ባሕሬን እውን ናይ ኢንዱስትሪን ነዳዲን ትካላት ዒላማ ተገይሮም እዮም።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


