እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ 'ወሪራትኒ' ክትብል ናብ ባይቶ ጸጥታ ዘቕረበቶ ስምዕታ
ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኣ ወራር ከምዝፈጸመት ብምግላጽ ብዘይካ ንነብሳ ምክልኻል ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብላ ብደብዳብ ንሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጣ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ፡ ንህሉው ኵነታት ኣመልኪቱ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምእታዉ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ክልተ ሰሙን ኣብ ዝመልኣሉ ግዜ እያ ነቲ ደብዳበ ብረቡዕ 7 ጥቅምቲ 2026 ናብ ባይቶ ጸጥታ ልኢኻ ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከባቢ ዓዲግራት ምእታዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራ ግን ኢትዮጵያ ነቲ ክትከፍቶ እትደሊ ዘላ ወራር ምኽንያት እያ ትደሊ ዘላ ብምባል ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ኣብ ዝምልከት፡ ምኒስተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳብ "ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክትፈጽሞ ዝጸንሐት ምትዅታዅን ዶብ ሰጊርካ ናይ ምእታው ስጕምትን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሓደጋ ዘስዕብ" ምዃኑ ብምጥቃስ ኣተኵሮ ክውሃቦ ኣዘካኺሩ።
እቲ ምኒስተር ኣስዒቡ "ኤርትራ ወራሪት እያ፣ ኤርትራ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ተግባር ምጥቃዕ ፈጺማ፣ ኢትዮጵያ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ'ያ" ኢሉ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ኤርትራ ነቲ ናይ 'ምትዅታኽ ተግባራታ' ናብ ዝልዓለ ደረጃ ከምዘደየበቶ ብምጥቃስ "መካናይዝድ ኣሃዱታት ዝርከብዎም ወተሃደራታ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣእትያ ኣላ፤ እዚ ንሰለስተ ዞባታት ትግራይ ዝሽፍን ኰይኑ ካብ 30 ክሳብ 60 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ናብ ውሽጢ ሰራዊታ ኣእትያ ኣላ" ኢሉ።
ጌዲዮን፡ ተግባር ኤርትራ ኣብ ቻርተራት ሕቡራት ሃገራት ንዝሰፈሩ መሰረታውያን መትካለት ዝጥሕስ'ዩ ብምባል "እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ነብሳ ንምክልኻል ዘኽእላ ሕጋዊ መሰል ንክትጥቀም ዘገድዳ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ምኒስተር፡ ኣብቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ኤርትራ ዶብ ሰጊራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወት ንምሕባር ጥራይ ዘይኰነ ሃገሩ ኣብ እትወስዶ ናይ ምክልኻል ስጕምቲ'ውን ድጋፍ ክግበረላ ሓቲቱ'ዩ።
"ኣብዚ ኣሸጋሪ ህሞት ኢትዮጵያ ካብ ንነብሳ ምክልኻል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብላን" ብምባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኲናት ብምርዳእ ደገፍ ክገብረላን ኣብ ጐድና ደው ክብልን ሓቲቱ።
ምኒስተር ጌዲዮን ኣብ ደብዳበኡ ሃገሩ ነቲ ካብ ኤርትራ "ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ከጋጥማ ዝጸንሐ ምትዅታኽ" ብትዕግስትን ብነብሰ ግትኣትን ክትሓልፎ ምጽንሓ ብምግላጽ "ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ማዕረ ሚዛን ከተቐምጥ ምፍታን ንሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጠቅም ኣይኰነን፣ ኤርትራ ወራሪት'ያ፡ ኢትዮጵያ ከአ ግዳይ ወራር'ያ፡ ኤርትራ ንናይ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን'ያ ትጥሕስ ዘላ"ኢሉ።
ኣብቲ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ፈደራል ብምዃን ኣንጻር ህወሓት ምውጋኦም ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ኲናት ብውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ደው ምባሉ፡ ብወገን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ተደጋጋሚ ሕቶታት ክቐርብ ምስ ጀመረ'ዩ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክሕርፍፍ ጀሚሩ።
ኤርትራን ኢትዮጵያ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ እዋን'ውን ብምኽንያት ዶብ ከቢድ ኲናት ኣሕሊፈን'የን።
እታ መበገሲ እቲ ኲናት ዝነበረት ባድመ ብቤት ፍርዲ ናብ ኤርትራ'ኳ እንተተበሃለት፡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ባድመ ኣየውጽአተን፡ ክሳብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ከኣ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኵነተ ኣይሰላም ኣይ ኲናት ኣሕሊፈናኦ።
ኣብዚ እዋን፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ እትኸሰሉ ቀንዲ ዛዕባ ጉዳይ ሕቶ ዋንነት ባሕሪ ምልዓላን ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ብምዕጣቕን ክኸውን እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኤርትራ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብምዕጣቕ'ያ እትኸሳ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ህወሓትን ኣብቲ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘዋስን ከባቢታት ናብ ቅሉዕ ውግእ ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ናብ ዳግማይ ኲናት ከይኣትዋ ብዝያዳ ዘስግእ ዘሎ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ሓይልታት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ዞባ ትግራይ ከምዝኣተዉ ዝገለጹ ነበርቲ ብምጥቃስ ንዝቐረበ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኣካል ናይቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጐረቤታ ኲናት ንምክያድ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ'ዩ" ዝብል መልሲ'ዩ ሂብሉ።