እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ካብ ዘልዓሎም ነጥቢታት
ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እታ ሃገር ብሓፈሻ ድማ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ስጕምቲ እዩ።
ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ክምዝዝ እንከሎ ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት እንታይ እዮም?
ዞባዊ ኵነታት
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ "ማዕበል ለውጢ" ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ "[ወሳኒ] ሃገር ናይ ምዃን ተራ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።
ውሽጣዊን ግዳማውን ተለኣኣኽቲን "ብሓባር ከምዝተላዕሉ" እንተኾነ "ኣዝዮም ጽዒሮም፣ ተጓይዮም" ንኢትዮጵያ ከድክሙ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።
"ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ምግባር ጥራይ'ዩ" እውን ኢሉ።
ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮምሽን ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈደራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር እዩ። ካብዞም ለበዋታት መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ሕገ መንግስቲ ፈደራል ምምሕያሻት ከምዝግበር እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣኣንፊቱ ኣሎ።
ብተወሳኺ ነቲ ንዓመታት ጸቒጡ ክዛረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክቕጽሎ ምዃኑን፡ ኣብ ዝቕጽል ናይ ስልጣን ዘመኑ "ኢትዮጵያ ናብ ደገ ዓለም ኣፍደገ ክህልዋ" ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕን ቃል ኣትዩ።
ምምሕያሽ ቅዋም መንግስቲ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ምምሕያሽ ቅዋም መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝካየድ እውን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮምሽን ኢትዮጵያ ዝመጹ ኣጀንዳ ነጥብታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈደራል መንግስቲ፡ ክልላዊ መንግስታት ከምዝቐረቡ ይዝከር።
ኣብይ፡ ኣብ ዝቕጽል እብረ ከካይዶም ካብ ዝሓሰቡ ንጥፈታት፡ ምስ ተቐናቐንቲ ውድባት ብሓባር ምስራሕ ይርከብዎም።
ኣብቲ መረጻ ብንጥፈት ምስ ዝተሳተፋ ተቐናቐንቲ ውድባት ንምስራሕ "መንግስቲ ድሉው እዩ" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ሃዋህው ሚድያ "ሕጊ፡ ሃገራዊ ክብርታትን ረብሓታትን ብዘኽብር መንገዲ ክሰርሕ ክረጋገጽ'ዩ" ኢሉ።
ኢትዮጵያን ዞባዊ ኵነታትን
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ትማሊ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕ "ማዕበል ለውጢ" ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ከም "[ወሳኒ] ሃገር ምዃና ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።
በዚ ምኽንያት ኢትዮጵያ ብዘላቶ ለውጢ ሕጕሳት ዘይኮኑ ሰባት ዕንቅፋታት ይፈጥሩ ከምዘለዉ፡ "ተኣምራታዊ ጕዕዞ" እታ ሃገር ግን ይቕጽል ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ጻውዒት ሰላም
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብተዘዋዋሪ መንገዲ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ምሕዝነት ዕጡቓት ብምንቃፍ፡ "ጸላእትና ተኸፋፊሎም ከጥቅዑና ኣብ ዝኸበደሉ እዋን፡ ንኽፍኣት ተጠርኒፎም" ክብል ገሊጹ።
እንተኾነ መንግስቲ ንሰላም ኢዱ ከምዝተዘርገሐ ብምጥቃስ "ኣብ ጫካ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ናብ መንገዲ ሰላም ክመጹ" እውን ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገለ ሃገራት እቲ ዞባ ንዕጡቓት ይድግፋ ኣለዋ ክብል ከሲሱ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ምስ ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ተሸሚሙ ይርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ኤርትራ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኰይና ብዓመጽቲ ንዝቘመ ኪዳን ትድግፍ ኣላ" ብዝብል ክሲ፡ ምስታ ሃገር ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣቋሪጹ እዩ።
ሰለስቲአን ሃገራት ግን ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጋ ጸኒሐን እየን።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ምእዛዛ ስዒቡ፡ ኤርትራ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ምፍላጣ ይዝከር።