እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ውግእ ትግራይ ስለምንታይ ስቕታ መሪጹ?
ኣብ ደቡባውን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ወግእ ካብ ዝለዓል እነሆ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣቝፂሩ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን መንግስቲ ፌደራልን መሓዙት ሓይልታትን፡ ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተቖፃፂሮም ይርከቡ።
ትማሊ ረቡዕ 27 መስከረም 2019 ዓ.ም [ግ] ድማ ብዝሒ ዘለዎም ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።
ዓለምለኻውያን ትካላትን ሓያላት ሃገራትን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተልዒሉ ግጭት ዳግማይ ምልዓሉ፣ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ስክፍታኦም ዘመልክቱ መግለፂታት ኣውፂኦም ኣለው።
እንተኾነ፡ ንካልኣይ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክቕፅል ዝተመዘዘ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብቱ ናይ ሰኑይ መደረኡ "ውሽጣውን ግዳማውን ውክልናታት ተኣኻኺቦም" ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ብዛዕባ እቲ ጎንጺ ብዝርዝር ኣይገለጸን፣።
ቢቢሲ፡ ንኣርባዕተ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብዛዕባ እዝይን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ብዝምልከት ርእይቶኦም ሓቲቱ።
መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ብዓይኒ ፓርቲታት
ምክትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ራሄል ባፌ (ፒኤችዲ) ንቀዳማይ ሚኒስተር "ኣብዚ እዋን'ዚ ተኣፋፊ ዝኾኑ" ጉዳያት ብዘይምልዓሉ ብምንቃፍ፡ "እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ዝተልዓሉ ኣይመስለንን።" ትብል።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን መንግስቱን፡ "ጸገማት ሰላምን ጸጥታን ሃገርን ህዝብን፡ ከምኡ'ውን ግጭት ዝፍተሓሉ ኣገባብ ንፁር መርገጺ" ብዘይምግላጹ ነቒፋ።
ራሄል፡ እዞም ጉዳያት ቅልጡፍ ምላሽ ከምዘድልዮም ብምግንዛብ፡ ምቛም መንግስቲ ምስተዛዘመ፡ ነቶም ኣዝዮም ተኣፋፍቲ ጉዳያት "መፍትሒ ኣንፈት ክዳሎ ኣለዎ" ኢላ ትኣምን።
"ሕጊ እንተዝኽበር ነይሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጎንጽታት ኣይምተላዕለን ዝብል እምነት ኣለኒ" ዝበለት እታ ፖለቲከኛ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ "ልዕሊ ሕጊ" ከምዝኾኑን፡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ድማ "ናጻ ከምዘይኮኑን" ከምኡ'ውን እቶም ጎንጽታት ንምፍታሕ ዝዀነ ፃዕሪ ከምዘየለ ኣብሪሃ።
ፖለቲካዊ ሕቶታት፡ ካብ መንግስቲ ዘእምንን ቅኑዕን ምላሽ እንተረኺቦም፡ ዕጥቃዊ ግጭታት ከምዘብቅዕ ትኣምን። መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ከድህብ ከምዝነበሮ ድማ ጠቒሳ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋን ምቛም ሓድሽ መንግስቲ፡ "ኣብ ጫካ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ መንገዲ ሰላም" ክመጹ እንተፀወዐ'ኳ፡ ዶክተር ራሄል ግን "መንግስቲ ካብዚ ንላዕሊ ብምኻድ ብቆራጽነትን ብቕንዕናን ንምዝርራብ ሓቀኛ ድልውነት ከርኢ ኣለዎ" ኢላ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ነባሪ ፍታሕ ከምዘየምፅእ፣ መንግስቲ ምትእምማን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ቀዳምነት ክህብ ከምዘለዋ እምነታ ገሊፃ።
ዋና ጸሓፊት ህዝባዊ ኣብዮታዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ [ኣኢህኣፓ] ሚስጢረ ታምራት፡ ንመደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብዝያዳ ሓያል ቃላት ነቚፋ።
"ከምቲ ልሙድ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ ኣይኮነን። ምናልባት'ውን ብዛዕባ ህይወት ዜጋታት ብዙሕ ከምዘይግደሰሉ ዘርኢ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢላ።
"ህይወት ንጹሃትን ሰላም ሃገርን" ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ዝገለፀት ምስጢረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፋ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዘስምዓኦ መደረ "ንቐፃሊ ድሕንነት ዜጋታት ኣወንታዊ ትኹረት ከምዘይወሃቦ ዘመልክት እዩ" ኢላ።
ምክትል ኣቦመንበር፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ኣቶ ንጋቱ ወልዴ ብወገኑ ዝተፈለየ መርገፂ ኣለዎ።
ኣቶ ንጋቱ፡ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር "ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ኩነታት ጸጥታ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት" ኢትዮጵያ ብዕምቆት ዝዳህሰሰ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ኣብሪሁ።
"ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ኣልዒሉ" ዝበለ እቲ ፖለቲከኛ፡ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ተግባር እንተዝትርጎም፡ "እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝኾነ፡ ብፍላይ ድማ ስትራተጂካዊ፡ ጉዳይ ወደብ ባሕሪ ንምዕዋት ዘኽእለና ማዕቀፍ ምፍጣር ኣዝዩ ዘነቓቕሕ" ከምዝዀነ ተዛሪቡ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣቶ ብርሃነ ኣፅብሃ'ውን፡ መንግስቲ ብዛዕባ ኲናት ስቕታ ምምራፁ ሓሳቡ እንተካፈለ'ኳ፡ ብዛዕባ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ንትግራይ ዘየጠቓልል መረፃ ኣብ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣመልኪቱ፡ ርእይቶ ክህብ ሕጉስ ኣይኰነን።
ብርሃነ፡ ውድቡ ንመሰረታውን ሕገ-መንግስታዊን መሰላት ህዝቢ ትግራይ ይቃለስ ከምዘሎን፡ "ኣብ ክልል ትግራይ ዘሊ ህዝቢ ድምፁ እንተዝህብ፡ ሕጋዊ ውክልና ምሃለዎን ኣብቲ መስርሕ ምተሳተፈን ነይሩ" ኢሉ።
መንግስቲ ሰለምንታይ ስቕታ መሪፁ ?
ገለ ሰበስልጣን መንግስትን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ሰባትን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ብፅሑፍን ብቓልን ርኢቶ ይህቡ ኣለው።
መንግስቲ ድማ፡ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ንኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ብጽሑፍ ሓበሬታ ይህብ ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ኣረጋጊጹ።
ይኹን እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ይኹን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ፡ ብዛዕባ እቲ ውግእ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ናብ ዝተፈላለዩ ውድባት ደብዳበ ፅሒፉ ነይሩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሳ.ወ.ት ኣቶ ብርሃነ፡ መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብግልጺ መግለፂ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ግን፡ "ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ብዙሕ ስለ ዝዛረቡ፡ እቲ ኲናት ካብ ዓለም ዝተሰወረ ኣይኮነን" ይብል፡ ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እንተኾነ እዚ ስቕታ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ይገልጽ።
መንግስቲ ስቕታ ዝመረፀ ፡ "ማሕበረሰብ ዓለም ድምጺ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ስለዘይደሊ'ዩ" ኢሉ ድማ ይኣምን።
ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ብሰንኪ ዘሎ ኲናት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ግጭት ትኹረት ከምዘይብሉ ይኣምን።
"መንግስቲ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን ኲናትን ብግልጺ እንተዝእውጅ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብውሑድ ይብዛሕ ጸቕጢ ምግባሩ ዘይተርፍ'ዩ፤ ስለዚ ስቕ ኢሉ ኲናት ናይ ምክያድ ስትራተጂ ዝኽተል ዘሎ ይመስለኒ" ኢሉ።
ብኻሊእ ገፅ ድማ ምስ ህወሓት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝነበሮም መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ሕዚ ምስ መንግስቲ ይሰርሑ ምህላዎም ንዲፕሎማስያዊ ተኣማንነት ህወሓት ፅልዋ ከምዘሕደረ ይዛረብ።
"ህወሓት፡ ንኹሉ ብሓይሊ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ'ውን ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ተኣማንነቱ ክወድቕ ገይሩዎ እዩ" ይብል።
"ሓይልታት ወፃኢ ጐቲቱ ብምእታው፡ ነቲ ዞባ ናብ ኲናት ይደፍኦ ኣሎ" ክብል'ውን ነቚፉ።
እዚ ምስቲ ኣብ'ቲ ክልል ዘሎ ከቢድ ድርቂ ተደሚሩ፡ እቲ ኲናት "ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ" ክብል ወሲኹ።
ብምዃኑ'ውን፡ ዓለም ነቲ ኩነታት ኣቓልቦ ክትህቦን ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ናብ መኣዲ ጠረጴዛ ክመፅኡ ክደፍኦምን ተላብዩ።
ምክትል ኣደ መንበር ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ ራሄል በፌ (ፒኤችዲ) ብወገና፡ "ንዓይ ስቕታ እኹል ኣይኮነን" ኢላ።
"መንግስቲ ከም መንግስታዊ ትካል መጠን፡ ብዛዕባ ኩነታት እታ ሃገር ንህዝቢ ክሕብር ይግባእ" ትብል።
ራሄል፡ እንተኾነ ግን "እቲ ኣብ ፍርሒ ተሸሚሙ ዘሎ ህዝቢ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወቱ ይጭነቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሕቶታት ክሓትት'ውን ይጽገም'ዩ" ኢላ።
"ህዝቢ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን ተገፊፉ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ብህይወት ምህላው ከም ፀጋ ምርኣይ ኣብ ዝቖጽረሉ እዋን ከምዝርከብ ኣስተብሂለ ኣለኹ" ክትብል ኣብሪሃ።
ሓዱሽ መንግስቲ እዚ ኩነታት ፖለቲካዊ፣ ስነ-ልቦናውን ቁጠባውን ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው መፍትሒ ከናዲ እውን ለበዋ ተቕርብ።
ዋና ፀሓፊት ኢህኣፓ ሚስጢረ ስላሴ ታምራት፡ ቀዳማይ ሚኒስትርን መንግስቱን ብዛዕባ እቲ ኩናት ዘይምዝራቡ፡ "ስቕታ ኣይመስለንን" ኢላ፡።
እንታይ ደኣ "እቲ ዝጠፍአ ህይወትን ዝዓነወ ንብረትን ብዝምልከት ፀብፃብ ከይወሃብ" እዩ ኢላ ትኣምን።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ 'ነቲ ኲናት ከጋድዶ ዝኽእል መልእኽቲ ይልእኹ' ኢላ ከሲሳ።
"ኲናት ንምውላዕን ሓድሽ ኲናት ንምፍጣርን፡ ሓደ ሓዊ ብካልእ ሓዊ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ርሕቀት፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ክንጽበ ኣይገብረናን" ኢላ።
ይኹን እምበር ምክትል መራሒ ኢዜማ፡ ኣቶ ንጋቱ ወልደ፡ ዝተፈለየ ርእይቶ ኣለዎ።
መንግስቲ ካብቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኲናት ዝረኸቦ ተመኩሮ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስቕታ ከም ዝመረፀ ይግምት።
መንግስቲ "ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዝነበረ ኩነታት ርክብ ገምጊሙ ሕጂ ድማ እርማት ይወስድ ዘሎ ይመስለኒ" ኢሉ።
ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መስርሕ ርክብ ህዝቢ: ዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ ኲናት "ኣሉታዊ ግብረ መልሲ" ክህቡ ከምዝገበረ ዝገለጸ ንጋቱ፣ ብፍላይ ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ "እቲ ግብረ መልሲ ኣወንታዊ" ከመዘይነበረ ኣዘኻኺሩ።
ምናልባት መንግስቲ ብኣንጻር እቲ ዝሓለፈ ስቕ ክብል ዝመረጸሉ ምኽንያት "ካብኡ ዝወስዶ ትምህርቲ" ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምን።
እቲ ኲናት ብ13 መስከረም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ፡ ነቲ "መንግስቲ ብዙሕ ከይተዛረበ፡ ስርሑ ምስርሑ" ከም ዝድግፍ ገሊፁ ኣሎ።
ስለዚ መንግስቲ "ስርሑ ክሳብ ዝሰርሐ፣ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ክገልጽ እዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ።
ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ኢሉ ዝነበረ ብቐንዱ ንትግራይ ዘማእከለ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ናይ ሕዚ ኣሰላልፋ ተኣሳሲሩ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልየ ሳዕቤን ከይህልዎ ብዙሓት ስክፍታኦም ይገልጹ።
ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናትን ናብ ሰላማዊ ድርድር ክኣትዉ ዝጽውዑ መግለጺታት እኳ እንተሃለወ፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዝኾነ ልዝብ ከምዝተጀመረ ዝገልፅ ነገር የለን።