ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ነምርሕ ዲና ዘለና?

ሕጃብ ዝተኸደነት ኢራናዊት ሰበይቲ ክልተ ኢዳ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢላ ናብ ሰማይ እናጠመተት እናጸለየት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘቝጸረሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ ስክፍታታት ኣሕዲሩ ኣሎ።

እቲ ኲናት ንኢራን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኢማራት ዓረብ፡ ዒራቕ፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዖማን፡ ኣዘርባጃን፡ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም፡ ቆጵሮስ፡ ሶርያ፡ ቐጠርን ሊባኖስን ዝርከብኦ ሓያሎ ሃገራት ጸልዩ ይርከብ።

ንሓያሎ ሰባት፡ እዚ ግጭት ክንዮ ዞባዊ ናብ ኵሉ ዘጠቓለለ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ዓለም ክሰጋገር ይኽእልዶ ዝብል ሕቶ ኣለዎም።

ሓደ ኲናት መዓስ እዩ ኲናት ዓለም ዝኸውን?

"ሰባት፡ ኲናት ብጥንቃቐ ዝተወጠነን እቶም ናብ ኲናት ዝወፍሩ ድማ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኣማእዝዮም ዝፈልጡን ገይሮም ይሓስቡዎ፡" ትብል ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ታሪኽ ማርጋሬት ማክሚላን።

"ብግደ ሓቂ፡ ዝሓለፉ ኲናታት እንተ ርኢኻዮም፡ ኣብ መወዳእታ ክትርእዮ ከለኻ ብኣጋጣሚ ዝተበገሱ እዮም። ሰባት ንመነሓንሕቶም ብጌጋ እዮም ዝመዝኑዎም፡" ትብል'ሞ፡ "ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝለዓል ባእሲ ገይርካ ሕሰቦ፡" ክትብል ተብርህ።

ብ1914 ቀዳማይ ኲናት ዘበገሰ፡ ቅትለት ወዲ ሓዉ ንሃጸይ ኦስትርያ-ሃንጋሪ ፍራንዝ ጆሴፍ ዝዀነ ዱክ ፍራንዝ ፈርዲናንድ ምዃኑ ማክሚላን ትዛረብ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጕጅለ ኪዳናት ኤውሮጳ ናብ ግጭት ተሳሒበን፤ ኣውስትርያን ሃንጋሪን ኣንጻር ሰርብያ ተንቀሳቒሰን፣ ጀርመን ንኦስትርያ ደጊፋ፣ ሩስያ ንሰርብያ ብምድጋፍ ተሰሊፋ፣ ፈረንሳ ንሩስያ ደጊፋ፣ እንግሊዝ ድማ ብስም ክብርን ስትራተጅን ናብቲ ኲናት ኣተወት።

እቲ ዝሰዓበ ድማ ዓለማዊ ዕንወት ምንባሩ ትዛረብ - እታ ፕሮፌሰር።

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ታሪኽ ዝዀነ ጆ ማይዮሎ፡ ንዂናት ዓለም፡ ኵለን ዓበይቲ ሓይልታት ዝሳተፍኦ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ክብል ይገልጾ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ እተን ሃጸያውያን ሓይልታት ኤውሮጳ ተዋሳእቲ ነይረን። ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድማ ኣመሪካ፡ ጃፓንን ቻይናን ዘጠቓለለ ነይሩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ብዓቢኡ ዞባዊ ክብሉ ይገልጹዎ'ኳ እንተ'ለዉ፡ ናብ ዝሰፍሐ ክዓርገሉ ዘኽእል ኵነታት ግን ኣሎ ድዩ?

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ለካቲት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሮ ንሳልሳይ ውግእ ዓለም ከም ዝጀመሮ ከም ዝኣምንን ሞስኮ ንድሕሪት ክትምለሰሉ ዘኽእል እንኮ መንገዲ ኣብ ልዕሊኣ ጽዑቕ ወተሃደራውን ቍጠባውን ጸቕጢ ምግባር ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ፑቲን ድሮ ጀሚርዎ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ሕቶ ክንደይ መሬት ክሕዝ ከም ዝኽእልን ብኸመይ ደው ክብል ይኽእልን'ዩ... ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዓለም ዝተፈልየ ኣነባብራ ከተስገድድን ሰባት ንዝመረጹዎ መንገዲ ህይወት ክትቅይርን እያ ትደሊ፡" ኢሉ።

ስለዚ፡ ኣብዚ እዋን ተደቂኑ ዘሎ ስግኣት ሳልሳይ ውግእ ዓለም እንታይ እዩ?

"እታ [ናብ ክብ ዝበለ ኵሉመዳያዊ ኲናት] ከተዕርጎ እትኽእል ኢራን፣ ከምኡ'ውን መሓዙታ ዝዀኑ ከም ሑቲ ዝኣመሰሉ ሓይልታት ይመስለኒ፡" ትብል ማክሚላን።

ኢራን ከም ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣመሰሉ ክትወስዶም እትኽእል ስጕምቲታት ኣቕርቦት ጸዓት ሃገራት ክዀልፍን ንዓበይቲ ሃገራት ናብቲ ግጭት ክጐተንን ከም ዝኽእል ማክሚላን ትዛረብ።

ተሳትፎ ኣመሪካ እውን ልዑል እጃም ኣለዎ። ካልኦት ሃገራት'ውን ዋላ'ኳ ብቐጥታ እንተ ዘይተሳተፋ ብስትራተጅያዊ ረብሓአን ኰነ ቍጠባ ከም ዝጽለዋ ተብህር።

ካልእ ሓደጋ እውን ኣሎ ትብል - ኣብ ሓደ ዞባ ዝፍጠር ግጭታት ኣብ ካልእ ቦታታት ዕድላት ክፈጥር ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ንኣብነት፡ ምዕራባውያን ኣብ ዝተጸምዳሉ ኵነታት ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ስጕምቲ ንምውሳድ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ። ከምኡ'ውን ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ከተሐይሎ ትኽእል እያ።

ፕሮፌሰር ማዮሎ እቲ ግጭት ዞባዊ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ይኣምን። ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ሃገራት ናይ ኪዳን ውሽመጥ ዓረብ ክምስርታ ይደፍአን ይኸውን። ቻይናን ሩስያን ግን ናብቲ ኲናት ከም ዘይሰሓባ ይገልጽ።

"ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ስጕምቲ ክትወስድ እያ ዝብል ሓሳብ በቃ... ፍጹም ዕሽነት'ዩ።"

"ቻይና ወይ ሩስያ ብቐጥታ ክሳተፋ ዘኽእለን ዝዀነ ሃቐና ዘለወን ኣይመስለንን፣ ከምኡ'ውን ኤውሮጳ።"

ተራ መራሕቲ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያንን ብ17 ጥሪ 2025 ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ክረምሊን ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ስትራተጂካዊ ውዕል ሽርክነት ፈሪሞም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 2025፡ ሩስያን ኢራንን ስትራተጅያዊ ውዕል ሽርክነት ኣብ ዝተፈራረማሉ

ማክሚላን፡ ኲናት መብዛሕትኡ ግዜ ብትዕቢት፡ ብስምዒት ክብሪ ወይ ብፍርሒ ኣንጻር ወገን ክብገስ ከም ዝተራእየ ታሪኽ ብምጥቃስ ትገልጽ።

ውልቀ መራሕቲ ንዓበይቲ ፍጻመታት ክውስኑ ከም ዝኽእሉ እውን ታሪኽ ከም ዘርኢ ትሕብር።

"ቀዳማይ ምኒስተር ፈረንሳ [ጆርጅ] ክለመንሶ፡ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ሰላም ምፍጣር ካብ ኲናት ምክያድ ዝኸበደ እዩ ኢሉ ነይሩ።"

ብመሰረት ማክሚላን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓቢይ ክሳራ ሰባት ወይ ብዙሕ መስዋእቲ እንተ ተኸፊሉ፡ መራሕቲ "ኣብቲ ኲናት ምእንቲ ክዕወቱ ክቕጽሉ" ከም ዝመርጹ ትገልጽ።

እታ ፕሮፌሰር፡ ትምክሕቲ ንመራሕቲ ኲናት ክገብሩን ከቐጽሉን ዓቢይ ረቛሒ ከም ዝዀኖም ትዛረብ። ኣብዚ ንፑቲን ከም ኣብነት ትጠቕሶ፡ "ንዩክረይን ክወርር ዝገበሮ ፈተነ ፍጹም ጌጋ እዩ፡" ትብል።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ክጅምር እንከሎ፡ ንኪቭ "ካብ ወተሃደራዊ ስርዓትን ናዚኣውነትን ሓራ ንምግባር፡" ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ገና ዕላማኡ ከም ዘይወቕዐ ሩስያ ትዛረብ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ ብሓፈሻ 1.25 ሚልዮን ሞትን መቝሰልትን ከም ዘጋጠማ ግምቱ የቐምጥ። ገለ ድማ እዚ ኣሃዝ ትሑት ምዃኑ ይገልጹ።

ማክሚላን ወሲኻ፡ ውድቆቶም ምእማን ወይ ጋእ ምባልን ዝኣበዩ መራሕቲ ግጭት ክቕጽሉ ከም ዝመርጹ ትሕብር።

ከም ብዓል ኣዶልፍ ሂትለር ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ስዕረት ዘይተርፍ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት'ውን ከይተረፈ ብትዕቢት ወይ ብግቡእ ዘይምምዝዛንን ተደሪኾም ውግእ ክቕጽሉ ከም ዝተራእዩ ተብርህ።

ብሰንኪ ገለ ውሳነታት፡ ንኡሳን ዝነበሩ ግጭታት ናብ ኣዕነውቲ ውግኣት ክዓርጉ ይክእሉ እዮም።

ግጭታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከይሰፍሑ ዲፕሎማሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ማክሚላን "ብዛዕባ እቲ ካልእ ወገን ክትፈልጥ ኣለካ... ምስኦም ድማ ክትራኸብ ኣለካ፡" ትብል።

ኣብ ዳሕረዎት መድረኻት ዝሑል ኲናት ብተሳትፎ ኔቶ ብዅሉ ወገናት ዝግበር ርክባት ከም ዝተመሓየሸ ትገልጽ።