'ክልተ ኣሓተይ ስኢነ'፡ ምስክርነት ካብ ሓደጋ ጃልባ ጅቡቲ ዝደሓኑ ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, IOM
ካብ ጅቡቲ ናብ የመን እትጓዕዝ ዝነበረት ጃልባ ብምግምጣላ፡ 139 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 80 ኢትዮጵያውያን ድማ ብህይወት ከም ዝደሓኑ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣፍሊጡ።
እዚ ብ8 ጥቅምቲ 2026 ምሸት፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወደባዊት ከተማ ጅቡቲ (ኦባክ)፡ ጥቓ ጐህረ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ ብድምር 305 ስደተኛታት ጽዒና ብምንባራ ዝሰዓበ እዩ።
ካብቶም ዝሞቱ 15 ህጻናትን ቈልዑን ክርከብዎም እንከለዉ፡ ሓያሎ ካብቶም ተጓዓዝቲ ድማ ኣበይ ከም ዝኣተዉ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ዓብደላ ካብቶም ካብዚ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ዝደሓኑ ሓደ እዩ። ንሱ ካብ ሃረርጌ ተበጊሱ ብየመን ኣቢሉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው እዩ ጅቡቲ በጺሑ ነይሩ።
ብ2022 ናብ ስዑዲ ዓረብ ተጓዒዙ እኳ እንተ ነበረ፡ ብ2026 ኣብ ወርሒ ረመዳን ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለስ ተገይሩ። ኣብዚ ንኻልኣይ ግዜኡ ዝገብሮ ዝነበረ ጕዕዞ ግና፡ ምስኡ ትጓዓዝ ዝነበረት ሓብቱ ኣብታ ጃልባ ህይወታ ስኢና እያ።
"ድሕሪ ሕጂ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣይክምለስን እየ፡" ዝብል እዚ ስደተኛ፡ ኣብቲ ሓደጋ ኣዕሩኽቱ እውን ከም ዝሞትዎን ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ ሓዊስካ ሓያሎ ህጻናት "ብዘይ ስድራቤት ተሪፎም" ከም ዘለዉን ይገልጽ። ዓብደላን ካልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ሕጂ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ይርከቡ ኣለዉ።
ሓላፊ ልኡኽ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ኣሌክሳንድረ ኮይሳክ፡ "እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ስደተኛታት ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ በዚ መስመር ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን ዘጋጥሞም ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ዘዘኻኽር እዩ፡" ይብል።
ሰበስልጣን ጅቡቲ ነቶም ዝጠፍኡ ስደተኛታት የናድዩ ከም ዘለዉ እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብ ራያ ቆቦ ተበጊሱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝጓዓዝ ዝነበረ ደርበ'ውን ካልእ ተረካቢ ናይዚ ሓደጋ እዩ። ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ናብ ጅቡቲ ከም ዝኣተወ ብምግላጽ፡ "ደላላይ ብተለፎን እናተራኸበ እዩ ኣምጺኡና። ክልተ ኣዋልድ ደቂ ሓወቦይ እውን ሒዘ ነይረ፡" ይብል።
ጅቡቲ ምስ በጽሑ ድማ ምስቶም ናብ የመን ዝወስድዎም ዜጋታት የመን ተራኺቦም። ደርበ ነቲ ህሞት ክዝክር እንከሎ፡ "ጅቡቲ ምስ ኣተና የመናውያን ኣብ ጃልባ ጽዒኖምና። ን20 ደቓይቕ፡ እንተበዝሐ ከኣ ን30 ደቓይቕ ምስ ተጓዓዝና፡ ኣብኡ ኣጥሒሎምና፡" ይብል።
እታ ጃልባ 305 ሰባት ጽዒና ስለ ዝነበረት፡ ብሰንኪ ብዝሒ ሰብ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቓ ከም ዝተገምጠለት እዩ ዝዛረብ።
ኣብቲ ሓደጋ ምስኡ ዝጓዓዛ ዝነበራ ደቂ ሓወቦኡ ስኢኑ እዩ። "ክልተ ኣሓተይ ስኢነ ኣለኹ። መብዛሕትአን ዝሞታ ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ጸልማት ስለ ዝነበረ ድማ ሓድሕድ ምድግጋፍ ኣይነበረን፡" ብምባል እቲ ሓደጋ ምሸት ኣስታት ሰዓት 9:00 ከም ዘጋጠመ ይሕብር።
እታ ጃልባ ምስ ተገምጠለትን እቶም ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ምስ ኣተዉን፡ ብገመድ ንምውጻእ ጻዕርታት እኳ እንተ ተገብረ፡ ቀሊል ኣይነበረን። ደርበ፡ "ብገመድ ነድሕኖም፡ ዳግማይ ይመልቁና። ሓብተይ እውን ብብዙሕ ቃልሲ እያ ኣምሊጣትና፡" ይብል።
ንሱ ንባዕሉ ኣብ ልዕሊ እታ ዝተገምጠለት ጃልባ ተሰቒሉ ብዝረኸቦ ገመድ ሓገዝ ከም ዝደሓነ የዘንቱ።
እቶም ስደተኛታት ካብቲ ሓደጋ ድሕሪ ምድሓኖም ንጽባሒቱ ንግሆ እዮም ተረኺቦም።

ለይቲ ማዕበል ባሕሪ እናሃረሞም ከም ዝሓደሩ ዝዝክር ደርበ፡ "ኣብታ ዝተገምጠለት ጃልባ ማዕበል እናሃረመና ሓዲርና። ካብታ ጃልባ ዝወድቁ እውን እናልዓልና ነይርና። ቅድሚ ምግምጣላ ኣስታት 150 ዝዀኑ ሰባት ክድሕኑ ይኽእሉ ነይሮም። ምስ ተገምጠለት ግን ብዙሕ ሰብ ሞይቱ፡" ይብል።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ጕድኣት ስለ ዝበጽሖ ከኣ ብቀይሕ መስቀል ሕክምና ተዋሂብዎ እዩ።
ኣሌክሳንድረ ኮይሳክ፡ ኣባላት ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ምስ ሰበስልጣን ጅቡቲ ብምዃን ህጹጽ ደገፍ ይህቡ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ነቶም ዝደሓኑ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ፡ ግዝያዊ መዕቈቢ፡ መግቢ፡ ከምኡ'ውን ምስ ስድራቤቶም ንኽራኸቡ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።
"ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ብሰንኩ ድማ ፈተውቶም ዝሰኣኑን ሰባት ጽንዓት ይሃብኩም ንብል፡" ክብል ድማ ይውስኽ።
ሰበስልጣን ጅቡቲ ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት የናድዩ እኳ እንተ ሃለዉ፡ ኵነታት ድሕነቶም ግና ኣዝዩ ዘስግእ እዩ።
ደርበ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለሱ እኳ እንተ ተነግሮም፡ "ብኸመይ ምዃኑ ግን ኣይፈልጥን እየ" ብምባል ኣብ ቀጻሊ እንታይ ከም ዝፍጠር ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ይዛረብ።
ብተወሳኺ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝጸዓንዎም የመናውያን ይገርፉዎም ከም ዝነበሩ ብምሕባር፡ "እቲ ጽዕነት ስለምንታይ ክንድዚ ይበዝሕ ኢልናዮም ነይርና። ዋላ ሓንቲ ከም ዘይከውን ነጊሮም ጽዒኖምና። እቲ ገመድ ክእከብ እንከሎ ክትግምጠል ምዃና ፈሪሐ ነይረ። ምስ ተገምጠልና ግና ኵሎም እቶም የመናውያን ሃዲሞም፡" ይብል።
ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዕጡቓት ሑቲን ዝካየድ ውግእ እናበኣሰ ብምምጻኡ፡ ቍጽሮም ልዑል ዝዀነ የመናውያን ካብቲ ኵናት ብምህዳም ናብ ጅቡቲ ይሳገሩ ኣለዉ።
ብኣንጻሩ ድማ፡ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ብባሕርን ምድረ-በዳን ኣቢሎም ናብ የመን ይጓዓዙ ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት ንሓደጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዘይ-ሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቅ-ሰብ ንኸቢድ ግፍዕን ምዝመዛን ይቃልዑ ምህላዎም ጸብጻባት ተሓለቕቲ መሰላት የረድኡ።
በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ንምእታው ብጅቡቲን ባብ ኣል-መንዳብን ኣቢሎም ናብ የመን ይጓዓዙ።
ብ2025 ልዕሊ 900 ስደተኛታት በዚ መስመር ክሓልፉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሞይቶም ወይ ጠፊኦም እዮም። ብለካቲት 2026 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ጃልባ እውን ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 45 ድማ ጠፊኦም እዮም።
ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ከም ዝገለጾ፡ ነዚ ሓደገኛ መስመር ዝጥቀሙ ስደተኛታት ቍጽሮም ብ18 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ውግእ "ኣተሓሳሳቢ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ካብ መፋርቕ መስከረም ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት ቍጽሮም ካብ 76,000 ናብ 200,000 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኵናት ብሰንኪ ምውልዑ እውን ልዕሊ 20,000 ሰባት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ከም ዝኣተዉን ናብቲ ዞባ ክሳገሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣታት ከም ዘሎን እቲ ትካል ኣፍሊጡ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
