ብዘስካሕክሕ ቅትለት ኤርትራዊት ዝተኸሰሰ ሰብ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, WDR
መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ከምዝፈለመ ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን።
ምስቲ ዘስካክሕ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ወዲ 42 ዓመት፡ ኣብ ከተማ ቦን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ።
ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረብዎ ክሲ፡ ኰነ ኢሉ ነታ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላድ ዝነበረታ ጓል 32 ዓመት ግዳይ ከምዝቐተላ'ዮም ዝምጉቱ።
እቲ ካብ ኤርትራ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ስደተኛ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ወልቀሰብ፡ ድሕሪ'ቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ሃዲሙ ከምዝኸደን፡ ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብዝተገብረ ምትሕብባር ኣብዚ ዓመት ናብ ጀርመን ከምዝተሰጋገረን ይፍለጥ።
ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን "ብዛዕባ'ቲ ዝተፈጸመ ገበን ግን ዝሃቦ ርእይቶ የለን" ክብል ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
"ኣብ ፈለማ ለካቲት ብመሰረት ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ቦን ከምኡ'ውን ምትሕግጋዝ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝቐረበ ናይ ዝምስግጋር ጠለብ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጀርመን ከምዝመጽእ ዝተገብረ ወዲ 41 ዓመት ጥርጡር ብቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ይርከብ" ይብል እቲ ሽዑ ዝወጸ ሓበሬታ።
ጸብጻብ ዳብሊው-ዲ-ኣር ንምጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ከምዝበሎ፡ መርመርቲ ኣብ ቦርሳ ናይታ ግዳይ ብዝጸንሐ መፈጠራዊ-ኣሰር (ዲ-ኤን-ኤ) ከምኡ'ውን ናይ ጥርጡር ዲጂታላዊ ናይ ምንቅስቓስ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር'ዮም ብወግዒ በቲ ቅትለት ከሲሶሞ ዘለዉ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ዘሰቅቕ ትሕዝቶ ኣለዎ
ብ17 ሕዳር 2025 ፈላማ ዝተቖረጸ ኣእዳው ናይታ ኤርትራዊት ሓታቲት ዑቕባ ኣብ ደረት ጽርግያ ተረኺቡ። በቲ መስመር እትዝውር ዝነበረት ሰበይቲ ዘይንቡር ነገር ድሕሪ ምርኣያ ንፖሊስ ብምሕባራ'ዩ ኣእዳው ሰብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ኣካላት ኣብቲ ኤይ-45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጽርግያ ድሕሪ ምርካቡ ብዝተገብረ መርመራ ኣሰር ኣጻብዕቲ፡ ናይታ ጓል 32 ዓመት ዝነበረት ኤርትራዊት ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላዳ ድማ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ገዳም ኦርቶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓረብያ ህጻናት ተገዲፋ ጸኒሓ።
ብ28 ሕዳር ከኣ ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ሬሳ ናይታ ግዳይ 100 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዘሎ ካልእ ቦታ ተረኺቡ።
"ዝተሓላለኸ" መርመራ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድማ ብ11 ሚያዝያ 2026 ሓደ ድሕሪ ናይታ ግዳይ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሽክና ርእሲ ተረኺቡ።
እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ናይታ ኤርትራዊት ንጀርመንን ኪኖኡን፡ ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ዘሰንበደ ፍጻመ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, WDR

ምንጪ ስእሊ, WDR
እቲ ክሱስ መን'ዩ
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ማዕከን ዜና፡ እቲ ጥርጡር ኣብ 2010 ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ናብ ጀርመን ዝኣተወ ስደተኛ እዩ።
ማርቲን ክረሽመር ዝተባህለ ጠበቓኡ ከምዝበሎ፡ ቀልጢፉ ምስ ሕብረተሰብ ጀርመን ክወሃሃድ ዝኸኣለ'ዩ ነይሩ።
ቋንቋ ጀርመን መሊዅ ፈለማ ብሞያ ኣሌክትሪክ ድሓር ድማ ከም ዘዋሪ ዓባይ መኪና ብምዃን ርጉእ ስራሕ ዝነበሮ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ 2018 ምስታ ግዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ተመርዕዮም። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ እታ ጓል 32 ዓመት ናብ ጀርመን ብምምጻእ ብሓባር ክነብሩ ጀሚሮም።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ሓዳር ዘይምርድዳእ ከምዝነበረን፡ ቅድሚ ሞታ ካብቲ ብሓባር ዝነብርሉ ዝነበሩ ገዛ ምስ ውላዳ ወጺኣ ናብ ሓደ ኣብ ቦን-ቡሽዶርፍ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ መጽለሊ ስደተኛታት ተዓቚባ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓደ ክኢላ መርመራ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር'ዮም ነቲ ቅትለት ከምዝወዓሎ ከሲሶሞ ዘለዉ።
ብመሰረት ራድዮ ቦን ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መጻምድቲ ኣብ መኪና ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረን፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ዓፊኑ ከምዝቐተላን'ዮም እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝምጉቱ። እታ ዕሸል'ውን ኣብታ መኪና ከምዝነበረት'ዩ ዝግለጽ።
ብድሕሪኡ ነታ ዕሸል ህጻን ብለይቲ፡ ናብ ክልተ-ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝወረደ ቀዝሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ዓረብያ ኣብ ፊት እቲ ገዳም ገዲፉዋ ድሕሪ ምኻዱ ኣካላት ናይታ ግዳይ ቆራሪጹ ከምዝደርበዮ ዝገልጽ ዝርዝር ክስታት ቀሪብሉ ከምዘሎ'ውን ኣፈኛ ቤት ፍርዲ ቦን ብወኑ ሓቢሩ።
እዚ ፈሊሙ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ሓደ ሰሙን ከምዝወስድን፡ ናይ መወዳእታ ወሳነ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ክወሃብን ትጽቢት ይግበር።
ገበነኛ ኮይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ንሕልፈት ማእሰርቲ ክፍረድ ተኽእሎ ኣሎ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
