ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ሕሩያት ኣሳእል ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን

ታይላ
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ እንተዀነ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ዝተዓወተት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ታይላ እያ ነይራ። እታ ኣብ ምድብ ሙዚቃ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ሽልማት ግራሚ ዝተዓወት ድምጻዊት፡ "ዘዕብድ'ዩ! ኣብ 22 ዓመት ዕድመይ ግራሚ ክዕወት’የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን!" ኢላ።
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ካብ 2 ክሳዕ 8 ለካቲት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ተሳቲፎም ነይሮም።

ገለ ካብዞም ፍጻመታት ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሽልማት ግራሚ፤ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ፤ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ዝተገብሩ ዘጨንቑ ግጥማት ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ሃገራት እታ ኣህጉር ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ይርከብዎም።

እዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሕሩያት ኣሳእል ገለ ህሞታት ናይዞም ፍጻመታት ዝሰነዱ እዮም።

ሰንበት፡ ናይጀርያዊት ድምጻዊት ኣይራ ስታር ኣብ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ግራሚ...
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ናይጀርያዊት ድምጻዊት ኣይራ ስታር ኣብ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ግራሚ...
ሰንበት፡ ምሸት ናይጀርያዊ ድምጻዊ በርና ቦይ ምስ ድምጻዊት ብራንዲን ራፐር 21 ሳቫጅን ካልኦትን ብሓባር ድሙቕ ምርኢት ኣቕሪቡ...
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ምሸት ናይጀርያዊ ድምጻዊ በርና ቦይ ምስ ድምጻዊት ብራንዲን ራፐር 21 ሳቫጅን ካልኦትን ብሓባር ድሙቕ ምርኢት ኣቕሪቡ...
ዓርቢ፡ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ጊኒ ብምዕዋት ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ ደገፍቲ ይዕዘቡ...
መግለጺ ስእሊ, ዓርቢ፡ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ጊኒ ብምዕዋት ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ ዝከታተሉ ዝነበሩ ደገፍቲ...
ድሕሪ መዓልታት ናይጀርያ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንደቡብ ኣፍሪቃ ረቲዓ...
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ መዓልታት ናይጀርያ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንደቡብ ኣፍሪቃ ረቲዓ...
እዚ ዓወት ድሕሪ ዘጨንቕ ፍጹም ቅላዕ ዝተረኸበ’ዩ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ዓወት ድሕሪ ዘጨንቕ ፍጹም ቅላዕ ዝተረኸበ’ዩ
ኣብዚ ብ1955 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ መጻወቲ ቦውሊን፡ እተን መጻወቲ ብኣእዳዉ እየን ዝዳለዋ...
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ብ1955 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ መጻወቲ ቦውሊን፡ እተን መጻወቲ ብኣእዳዉ እየን ዝዳለዋ...
ገነት ቦውሊንግ ኣሌይ ብሃፀይ ሃይለስላሴ እዩ ተኸፊቱ
መግለጺ ስእሊ, ገነት ቦውሊንግ ኣሌይ ብሃፀይ ሃይለስላሴ እዩ ተኸፊቱ
ባርዕ ሓዊ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ሰብ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ብሓሙስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ናይ ዝዓነወ ገዛ ፍርስራስ ይዕዘብ፤ ብሰንኪ’ቲ ባርዕ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም። ነበርቲ፡ ቅድሚ ሰዓታት ብዛዕባ ላሕኲ ጋዝ ዘቕረብዎ ሓበሬታ ሰበስልጣን ዕሽሽ ከምዝበሉዎ ገሊጾም
ብሰኑይ ኣብ ሰሜናዊ ሞሮኮ፡ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ኣናስ ሰድራቲ፡ ንልዕሊ 100 ሽሕ ዓመታት ከምዝጸንሐ ዝእመን ስብስብ ጥንታዊ ኣሰር እግሪ ኣሰር ደቂ ሰባት ይምርምር
መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ ኣብ ሰሜናዊ ሞሮኮ፡ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ኣናስ ሰድራቲ፡ ንልዕሊ 100 ሽሕ ዓመታት ከምዝጸንሐ ዝእመን እኩብ ጥንታዊ ኣሰር እግሪ ኣሰር ደቂ ሰባት ይምርምር
ኤርትራዊ ኮኸብ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣማኑኤል ገብረግዚኣብሄር ብሰንበት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ሜዳታት መንደሪኒ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ኤርትራዊ ኮኸብ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣማኑኤል ገብረግዚኣብሄር ብሰንበት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ሜዳታት መንደሪኒ ይርአ
ትኽክለኛ ስማ ንደየ ፋቱ ፎል ዝዀነት ተሓላቒት መሰላት ፋላ ፍሌር፡ ኣብ ሰኔጋል ተቓውሞታት ብምውዳብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ጀሚራ ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ...
መግለጺ ስእሊ, ትኽክለኛ ስማ ንደየ ፋቱ ፎል ዝዀነት ተሓላቒት መሰላት ፋላ ፍሌር፡ ኣብ ሰኔጋል ተቓውሞታት ብምውዳብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ጀሚራ ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ...
ሰኔጋል
መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝተቖጥዑ ዜጋታት ሰኔጋል ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፕረዚደንት ማኪ ሳል መረጻ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም፤ እቲ እማመ ምድንጓይ ኣብ ዝጸደቐሉ እዋን፡ ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ካብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ክፍሊ ክወጹ ተገይሮም
ብረቡዕ ግብጻዊ ሓምባሳይ መሓመድ ፋሩክ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየድ ሻምፕዮን ዓለም ኣኳቲክስ ተሳቲፉ...
መግለጺ ስእሊ, ብረቡዕ ግብጻዊ ሓምባሳይ መሓመድ ፋሩክ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየድ ሻምፕዮን ዓለም ኣኳቲክስ ተሳቲፉ...

* መሰል ኵሎም ምስልታት ዝተሓለወ እዩ።