ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዛዕባ ምሕዝነት ንህላወ እንታይ ይብል?

ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።
ምስ ህወሓትን ፋኖን "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ጥምረት ዝመስረተ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ "ሃጸያዊ ስርዓት [ኢትዮጵያ] ክፈርስ ኣለዎ" ዝብል መርገጺኡ ከምዘይገደፈ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ 7 ዕጡቓት ጕጅለታት ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝዓለመ "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ኪዳን ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም እዮም።
ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ህወሓትን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን፡ ሃገራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦነብግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ዓፋር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉልን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጉሙዝን ይርከብዎም።
ኣማኻሪ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጂሬኛ ጉደታ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ህወሓትን ፋኖን ምትሕብባር ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣብቲ ናይ ቀደም መርገጺና ኢና ዘለና፤ ስርዓት ኢምፓየር ክፈርስ ኣለዎ ዝብል መርገጺና ኣይገደፍናን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብስእነት ሰላም እናተሳቐየ ይርከብ።
ነበርቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንቢቢሲ "ብሰለስተ ጠያይት ንህረም ኣለና" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ፡ ዕጡቓት ፋኖ፡ ከምኡ'ውን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጥርዓን ኣቕሪቦም እዮም።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ምስ ፋኖ "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ጥምረት ዝመስረተ፡ እዚ ዅሉ ቅሬታ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እዩ።
ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ንኣማኻሪ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጂሬኛ፡ ብዛዕባ ርክቦም ምስ ፋኖ ዘለዎ እምነት ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣብ ፖለቲካ ምትእምማን ዝበሃል የለን፤ ረብሓ ህዝቢ ምሕላው ጥራይ እዩ" ክብል መሊሱ።
ኣቶ ጂሬኛ ወሲኹ፡ "ነቲ ሕጂ ዝነድድ ዘሎ ዓቢ ሓዊ ሸለል ኢልና፡ ንኣሽቱ ሓውታት ኣቕሊልና ኣይንርእይን" ብምባል፡ ምስቲ ኣብቲ ክልል ይንቀሳቐስ እየ ዝበለ ፋኖ "ብግልጺ ክዛተዩ" ምዃኖም ኣብሪሁ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ዝሕሉ ጕጅለ ምዃኑ ድማ ኣስሚሩ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ቅድሚ 50 ዓመት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ሓደ ካብ ዕላማኡ ህዝቢ ብናጻ ክመሓደር ምግባር እዩ።
ኦነግ ዕጥቃዊ ንጥፈታቱ ዝጀመረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ።
ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ኣብ ኣጋ ውድቀት ደርግ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ግንባር ኣቚሙ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ኦነግ ተገንጺሉ ዕጡቕ ጕጅለ ምስ ኰነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።
ኣቶ ጂሬኛ፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኦነግ ናብ ጫካ ንኽምለስ ምኽንያት ዝዀነ ህወሓትን ምስቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዕጡቕ ከምዘለዉዎ ዝገለጸ ፋኖን ብኸመይ ክሰርሕ ከምዝኽእል ተሓቲቱ። ንሱ ከምዝበሎ፡ እቶም ኣካል ናይቲ ጥምረት ዝኾኑ ዕጡቓት ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ስሙር ኣይኰኑን።
"እቲ ዝገበርናዮ ምትሕብባር መስርሕ ጥራይ እምበር ሓደ ኣይኰነን። ... ብቐዳምነት ሓደ ኢና ምባል ዓቢ ጌጋ እዩ። እቲ ዝተዛረብናሉ፡ መስርሕ ዘተን ህዝብና ብናጽነት ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ዝውስነሉን መስርሕ'ዩ" ኢሉ።
"ምሕዝነት ንህላወ" ንምቛም ዘዘራረብዎም ጉጅለታት፡ "ንሳቶም እዮም ዝመጹና፡ ንሕና ኣይከድናያምን" ብምባል ዓባይ ኢትዮጵያ ንክትፈርስ ዘለዎም መርገጺ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"መርገጺና ሓደ'ዩ። ሃጸያዊ ስርዓት ክፈርስ ኣለዎ። ንሳቶም መጺኦም ነቲ ስርዓት፡ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ክንፈርሶ ኢና ክብሉ ከለዉ ክንድግፎም ኢና። ካብ ስትራተጂና ግን ኣይወጻእናን።"
ኣቶ ጂሬኛ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ "ምሕዝነት ንህላወ" ንክጽንበር ካብ መን ዕድመ ከምዝቐረበሉ ግን ኣየነጸረን።
"ንሕና ኣብቲ ኪዳን ዝኣተውናሉ ምኽንያት ንህዝብና ዝቐትል ኣካል ኣሎ፤ ስግኣት ድሕነት ኣሎ። . . . እዚ ድማ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኵነታት ዘመልክት እዩ። ማለት ድማ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ኣካል እዩ" ኢሉ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ "ምሕዝነት ንህላወ" ብምስታፉ ዝኸስሮ ነገር የለን። እቲ ኣመራርሓ፡ ኣብ ዓውደ ውግእ እዩ ዘሎ። ከም ቀደሙ ኣብ መጻወድያ ክንወድቕ ዲና ኢልና ክንጭነቕ ኣየድልየናን እዩ። እቲ ሰራዊት ተዓጢቑ ኣሎ፤ ዕጥቁ ኣይፈትሐን፤ ዕላምኡ ኣብ ልቡ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ፡ እንታይ እዩ ዘጨንቕ?" ክብል ወሲኹ ኣብሪሁ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዕጡቓት ፋኖ ዝተፈጸሙ ዝብሃሉ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ምስ ተሓተተ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ገበን፡ መን ይፈጽሞ መን ገበን እዩ፤ ጸላኢ ሃገር እዩ" ብምባል ዓቕሚ እቶም ዕጡቓት ምስቲ ፌደራል መንግስቲ ዘተዓጠቖ ኣፅዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክወዳደር ከምዘይክእል ገሊጹ።
ኣቶ ጅሬኛ፡ ኣተሓሳስባ ጉጅልኡ ምስቶም ካልኦት ኣብ ጕጅለ "ምሕዝነት ንህላወ" ዘለዉ ኣይሰማምዕን ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "መጀመርታ ዓቢ ሓደጋ ኣሎ፤ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ 'ፒፒ' (ሰልፊ ብልጽግና) እዩ።
ካብዚ ዝዓቢ ሓደጋ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን። ስለዚ ነዚ ሓደጋ'ዚ ከነወግዶ ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሓላፍነት ምስ ወሰድና፡ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ቆይሙ ስርሑ ክጅምርን'ዩ" ኢሉ።
ድሕሪ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ዘይሰማማዑሎም ፖለቲካዊ ጉዳያት እንተሃልዮም ድማ ረፈረንደም ከምዝካየድ ኣመልኪቱ።
"ኣብ ዘይንሰማማዓሉ ጉዳያት ፍልልያትና ናብ ህዝቢ ከነቕርብ ኢና፤ ህዝቢ ውሳነ ክወስድ እዩ፤ ድሕሪኡ ድማ ህዝቢ ዝወሰኖ ክንቅበል ኢና።"
ኣብዚ መስርሕ ግን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ መርገጺኡ ከይወጽእ ዘረጋግጽ መሪሕነት ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
