እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒዩክለር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላታትን ነበር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒዩክለር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ገይሩ ሸይሙ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፅ ዝወፅአ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብርሃም በላይ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ነቲ ኮሚሽን ክመርሕ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመ ተመዚዙ። ካብ 14 መስከረም 2019 [ግ] ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 4 ጥቅምቲ 2018፡ ብቤት ምኽሪ ካቢነ ዝቘመ ሓድሽ ኮሚሽን ኒዩክለር ጸዓት ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ሳንዶካ ደበበ፡ ንሓደ ዓመት ንዘይመልእ ንቲ ኮሚሽን መሪሑዎ ኣሎ።
ብዕለት 17 መስከረም 2019 ዝተዘርግሐ መልእኽቲ፡ ነቲ ኰሚሽን ከምርሕ ከምዝተሾመ ወግዓዊ ዝዀነ፡ ኣብርሃም በላይ፡ እቲ ኮሚሽነር ነበር እቲ ሓድሽ ኲሚሽን፡ ካብ ሓላፍነቱ ስለ ምንታይ ከምዝተኣልየን ቀጻሊ ስልጣኑ እንታይ ከምዝኸውንን ኣይተገልጸን።
ኣብርሃም በላይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝተፈላለየ ላዕለዎት ጽፍሕታት መንግስቲ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ሚኒስተር መስኖን ከባቢታት ቆላታትን ኰይኑ ቅድሚ ምሻሙ፡ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።
ተፀዋዓይ ቤት ፅሕፈት ትግራይ፡ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ዝኾነ ኣብርሃም በላይ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ 2013 ዝተመስረተ ግዝያዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር ንሓጺር እዋን መሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኰሚሽን
ኣብ 2011 ዓ.ም [ግ]፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ደረጃታት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ክትሃንጽ ምዃና ጸብጺበን ነይረን።
ድሕሪ ሓደ ኣመት ድማ፡ እቲ ንሕርሻን ጥዕናን ዝውዕል መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዩክለር ንምህናጽ፡ ብዝምልከት ጭቡጥ ስጕምትታት ተወሲዱ፡ ምስ ሩስያ ኣብ ምፍርራም ተበፂሑ።
መቐጸልታ ናይዚ ስምምዕ ምዃኑ ዝንገረሉ ምኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን- ዶክተር በለጠ ሞላ፡ ምስ ኮርፖሬሽን ኣቶማዊ ጸዓት ሩስያን (ሮሳቶም)፡ ቀዳማይ ኒዩክለሳዊ ፍኖተ-ካርታ ኣብ 2015፡ ካልኣይ ፍኖተ-ካርታ ድማ ኣብ 2017 ዓ.ም [ግ] ተፈሪሙ ነይሩ።
ህንጸት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ክትጅምር ምዃና ቀዳማይ ምኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም [ግ] ኣፍሊጡ።
እቲ፡ "ምስ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝመዓራረ" ዝተብሃለ መመንጨዊ ጸዓት ንዩክሌር፡ "ንሰላማዊ" ዕላማታት ጥራይ ክውዕል ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ብዛዕባ እቲ መመንጨዊ ጸዓት ንዩክሌር ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ከምዚ ዓይነት ትልሚ ግን ንኢትዮጵያ ሓድሽ ኣይኮነን።
ኣብ መወዳእታ ለካቲት 2010 ዓ.ም [ግ]፡ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጻኡ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ምስ ናይ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፡ ኣብ ንዩክለሳዊ መደባትን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ይዝከር።