ምስጢራት 'ጕድለታት' ንዩክለሳዊ መደብ ኤል ዳባ ግብጺ፡ ንምንታይ የዛርብ ኣሎ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መንግስቲ ግብጺ፡ ኣብቲ ኣብ ሃገሩ ዝህነጽ ዘሎ መደብ ንዩክለሳዊ ሓይሊ 'ኤል ዳባ' ኣብ ዝርከቡ ንዩክለሳዊ መኽወኒታት (reactors) "ጕድለታት" ከም ዝተረኽቡ ብምግላጽ፡ ነቲ ህንጸት ዘካይድ ዘሎ ናይ ሩስያ ኩባንያ ብምውቃሱ ምስሕሓብ ተላዒሉ ኣሎ።

እቲ 'ፖለቲኮ' ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ድጂታል ጋዜጣ ከም ዝሓበሮ፡ ብዓል-መዚ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ግብጺ፡ ነቲ 'ሮሳቶም' ዝተባህለ ናይ ሩስያ መንግስታዊ ኩባንያ ንዩክለሳዊ ጸዓት ወቒሱዎ ኣሎ።

እቲ ጋዜጣ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ፡ ካብቲ ቤት-ጽሕፈት ተጻሒፉ ዝበሎ "ምስጢራዊ ደብዳበ"ን ካልኦት ናይ ውሽጢ ሰነዳትን ብምጥቃስ እዩ።

ከም ጸብጻብ እቲ ጋዜጣ፡ እቲ ናይ ግብጺ ብዓል-መዚ ኣብቶም ገና ዘይተዛዘሙ ንዩክለሳዊ መኽወኒታት (ሪኣክተርስ) "ጕድለት" ከም ዝተረኽበን፡ ስርዓት "ድሕነት ንዩክለሳዊ ትካላት" ከም ዝተጥሓሰን ብምጥቃስ ነቲ ኩባንያ ከም ዝኸሰሶ ይሕብር።

ድሕሪ ምውጻእ እዚ ጸብጻብ፡ እቲ ናይ ግብጺ ተቘጻጻሪ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ መደብ "ልክዕን ሚዛናውን ዘይኰነ ምስሊ" ከም ዘቕረበ ብምጥቃስ ነጺጉዎ።

እቲ ህንጸት ኵሉ ኣህጉራዊ "መዐቀኒታት ድሕነት ንዩክለሳዊ ትካላት" ብዝተኸተለ መንገዲ ይካየድ ከም ዘሎ እውን ገሊጹ።

እቲ ክሲ ዝቐረበሉ 'ሮሳቶም' ብወገኑ፡ እቲ ኣብቲ ደብዳበ ተጠቒሱ ዘሎ ክሲ፡ ብመሰረት "ውዕላዊ፡ ቴክኒካውን ተቘጻጻሪን ኣገባብ" እቲ መደብ ዘይተረጋገጸ ምዃኑ ን'ፖለቲኮ' ምላሽ ሂቡ ኣሎ።

መደብ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ኤል ዳባ

ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝህነጽ ዘሎ 'ኤል ዳባ'፡ ቀዳማይ ናይቲ ሃገር ንዩክለሳዊ መኽወኒ ሓይሊ እዩ። እቲ ህንጸት ምስ ተዛዘመ፡ ብጠቕላላ 4,800 ሜጋ-ዋት ሓይሊ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ክህልዎ እዩ።

እቲ ብዓል-መዚ ግብጺ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ መደብ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ናይ ህንጸት መደባት ንዩክለሳዊ ሓይሊ ሓደ እዩ።

ግብጺ ነዚ ንዩክለሳዊ መኽወኒ እተህንጽ ዘላ ምስ መንግስቲ ሩስያ ብዝተገብረ ስምምዕ ኰይኑ፡ እቲ ትካል ብሩስያ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ 'VVER-1200' ዝዓይነቶም መኽወኒታት ክህልዉዎ እዮም።

ጠቕላላ ወጻኢ እቲ መደብ ኣስታት 28.5 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ እቲ 25 ቢልዮን ዶላር ብልቓሕ ብመንግስቲ ሩስያ ዝሽፈን እዩ።

እቲ ህንጸት ዘካይድ ዘሎ 'ሮሳቶም'፡ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ሓገዝ ሩስያ ንዝህነጽ መደብ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ዝሰርሕ ዘሎ ኩባንያ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተኸሉ መኽወኒታት እውን ተመሳሳሊ 'VVER-1200' ከም ዝዀኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደር ሩስያ ኤቭጌኒ ተረኺን ገሊጹ እዩ።

ኣብ መስከረም 2018 (ፈረንጂ)፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ባልቻን ዋና ዳይረክተር ሮሳቶም ኣሌክሲ ሊካቼቭን፡ ናይቲ ህንጸት ናይ ስራሕ መደብ ኣብ ሞስኮ ተፈራሪሞም እዮም።

እቲ 10 ዓመታት ክወስድ ዝግመት ዘሎ ህንጸት፡ ቦታ ንምምራጽ ዝካየድ ስራሕ ከም ዝተዛዘመ ድማ ምኽትል ኮምሽነር ንዩክለሳዊ ጸዓት ኢትዮጵያ ኣብዱረዛቅ ዑመር ሓቢሩ።

እቲ ዝቐረበ ክሲ እንታይ እዩ?

ከም ጸብጻብ 'ፖለቲኮ'፡ ብዓል-መዚ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ግብጺ ኣብቲ ህንጸት "ከቢድ ናይ ኮንክሪት ጕድለት" ከም ዘሎ ዝገልጽ ደብዳበ ን'ሮሳቶም' ጽሒፉ እዩ።

ካብ መኽወኒ ቍጽሪ 4 ኣብቲ ብሓጺን ዝተደርዐ ክፋል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጐድኑ ሃጓፋት ከም ዝተረኽበ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መሰረት ካልኦት መኽወኒታት ድኽመታት ከም ዝተራእየ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ነቲ ኣብ መሰረት ሰለስተ መኽወኒታት ዝተራእየ ጕድለት ንምጽጋን ጥራይ ሓደ ዓመት ከም ዝወሰደ እቲ ብዓል-መዚ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ሮሳቶም እቲ ህንጸት ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ተዛዚሙ እዩ ንምባል "ዘደናግሩ ሜላታት"ን "ናይ ፈጠራ ስራሓት"ን ተጠቒሙ ክብል ከሲሱዎ።

'ፖለቲኮ' ዝተመልከቶም ካልኦት ኣርባዕተ ናይ ውሽጢ ሰነዳት ሮሳቶም እውን፡ ኣብቲ ህንጸት ምድንጓያት፡ ጸገማት ብቕዓትን ጕድለታት ምሕደራን ከም ዘለዉ የመልክቱ።

ብመሰረት እቶም ሰነዳት፡ እቲ ቀዳማይ መኽወኒ ኣብ መስከረም 2021 ክጅምር ተወጢኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ጸገማት ን18 ኣዋርሕ ተናዊሑ ናብ መጋቢት 2022 ክሰጋገር ተገዲዱ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ቴክኒካዊ ጸገማት ምጋጥም ብባህሪኡ ናይ ጨረር (radiation) ሓደጋ ከስዕብ ማለት ከም ዘይኰነ ቢቢሲ ዓረብ ዘዘራረቦም ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ መደባት ጕድለታት ወይ ምድንጓያት ከጋጥም ዘይተለምደ ነገር ከም ዘይኰነ ዝገለጹ ኣህጉራውያን ክኢላታት፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢሙ ምስትኽኻል ከም ዝተገብረሉ ኣዘኻኺሮም።

ምላሽ ግብጺ

ብዓል-መዚ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ ነቲ ቴክኒካውን ተቘጻጻሪን ኵነታት ኣብ ግምት ከየእተወ ንመደብ ድሕነት እቲ ትካል ኣብ ሕቶ ዘእቱ መደምደምታታት ከም ዝሃበ ወቒሱ።

እቲ ቤት-ጽሕፈት፡ ስራሓት ድሕነት ንዩክለሳዊ ትካላት ብውልቃዊ ትዕዝብቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ "ብዝተወሃሃደ ስርዓት ግምገማ ስግኣት፡ ፍቓድ ስራሕ፡ ምርግጋጽ መሳርሕታትን ቀጻሊ ቍጽጽርን፡" ዝካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምፍሕፋሕን ሓሓሊፉ ዘጋጥም ቴክኒካዊ ጸገማትን ንቡር እዩ፤ ስጕምቲ ምጽጋን ድማ ክፋል እቲ ስሩዕ ናይ ኣፈጻጽማ ከይዲ እዩ፡" ኢሉ እቲ ብዓል-መዚ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ኤነርጂ (IAEA) እውን ኣብቲ ቦታ ዑደትን ግምገማን ከም ዘካይድ ብምጥቃስ፡ እቲ መደብ ኣብ ትሕቲ ሃገራውን ኣህጉራውን ጽኑዕ ቍጽጽር ከም ዘሎ ግብጺ ኣረጋጊጻ።