ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ቢቢሲ ዘጻረዮም ኣሳእል እንታይ የመልክቱ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ረቡዕ 7 ጥቅምቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ከም ዝተራእዩ ነበርቲ ንቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ዝሓበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተፈላለዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሖም እዮም።
ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝገለጽዎ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብመኻይን ጽዕነትን ብእግሮምን ብከተማ ዓዲ-ግራት ኣቢሎም ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ክልል ክሰግሩ ተራእዮም እዮም።
እቶም ነበርቲ እታ ከተማ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብረቡዕ ካብ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሮም ከም ዝተራእዩ ይገልጹ።
ክፍሊ ምጽራይ ሓበሬታ ቢቢሲ (BBC Verify)፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝዘዋወሩ ዝነበሩ ኣሳእል ንገሊኦም፡ ናይ ቦታን መልክዓ ምድርን መርኣዪታት ብምጥቃም ሓቅነቶም ንምጽራይ ፈቲኑ እዩ።
ቢቢሲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ እዮም ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ስእልታት ብምፍታሽ፡ ብመኻይን ጽዕነትን ብእግሮምን ክጓዓዙ ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ግራትን ዕዳጋ-ሓሙስን ከም ዝተሳእሉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ካብቶም ቢቢሲ ዝተዓዘቦም ሰለስተ ኣሳእል ኣብቲ ሓደ፡ ብኸፊል ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኤርትራ ዝለበሱ ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ጐደና ኣእዱግ ክዅብኩቡ ይረኣዩ።
ቢቢሲ ረቡዕ ዕለት ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት፡ ወተሃደራት ኤርትራ በታ ከተማ ሓሊፎም ናብ ደቡብ መስመር መቐለ ናብ እትርከብ ዕዳጋ-ሓሙስ ክጓዓዙ ከም ዝተዓዘቡ ገሊጾም እዮም።
እቲ ካልኣይ ስእሊ፡ ታርጋ ኤርትራ ዝለጠፈት ብጫ ሲኖትራክ (መኪና ጽዕነት) ዝተሰቕሉ ወተሃደራት ዘርኢ ኰይኑ፡ እዚ ስእሊ ኣብ መንጎ ዓዲ-ግራትን ዕዳጋ-ሓሙስን ዝተሳእለ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ሳልሳይን ቢቢሲ ሓቅነቱ ዘረጋገጾን ስእሊ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ቀይሕ መኪና ጽዕነት ዝተሰቕሉ ወተሃደራት ዘርኢ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ካብዚኦም ብተወሳኺ፡ 13 ካልኢት ዝንውሓቱ ተንቀሳቓሲ ስእሊ (ቪድዮ)፡ ብድሮን ዝተወቕዐት ጻዕዳ መኪና ጽዕነት የርኢ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተዓዘቦም ኣሳእል ብሓፈሻ ኣብታ ካብ መቐለ ብሸነክ ሰሜን 80 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዕዳጋ-ሓሙስ ከም ዝተሳእሉ ምርግጋጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቶም ኣብቲ ጐደና ኣእዱግ ዝዅብዅን ብኸፊል ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱን ሰባት፡ ናብ ሸነክ ደቡብ እዮም ዝጐዓዙ ዘለዉ።
እቲ ቢቢሲ ቨሪፋይ ሓቅነቱ ዘረጋገጾ ሓጺር ተንቀሳቓሲ ስእሊ (ቪድዮ) ድማ ጥቓ ከተማ ዓዲ-ግራት ከም ዝተቐረጸ ምርግጋጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሓንቲ ብድሮን ዝተወቕዐት መኪና ጽዕነት፡ ፊት-ንፊታ ናብ ሸነክ ሰሜን ስለ ዘቕነዐት፡ ኣብ ዝተወቕዓትሉ እዋን ናብ መቐለ ትጓዓዝ ነይራ ንምባል የጸግም እዩ።
ግጭታት ዝከታተል ትካል ኣክለድ (ACLED)፡ ረቡዕ ምሸት ንሓሙስ ኣብ ዘውግሕ፡ "ወተሃደራት ኤርትራን ኣጽዋሮምን" ኣብ ከባቢ ዓዲ-ግራት "ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን" ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ ዓዲ-ግራት ንወኪል ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓያሎ መጥቃዕትታት ድሮን ተፈጺሙ እዩ። ገለ መኻይን ጽዕነት ኤርትራ እውን ዓንየን እየን፤ ሕጂ ኣብ መንገዲ ኣይረኣያን እየን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ዓዲ-ግራት ዝርከብ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ካልእ ውልቀ-ሰብ ብወገኑ፡ "ብለይቲ ልዑል ድምጺ ነትጒ" ከም ዝሰምዐ ገሊጹ። ወሲኾም እውን፡ "ብድሮን ዝተወቕዓ ወተሃደራውያን መኻይን ኤርትራ እውን ርእየ እየ" ኢሉ።
ሳልሳይ ነባሪ ዓዲ-ግራት ድማ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ሰሜን ዝምለሱ (ዘንሳሕቡ) ይመስሉ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።
ኣክለድ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብወገን ዛላምበሳ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ከም ዝኣተዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ መስመር ዓዲ-ግራትን ዕዳጋ-ሓሙስን እናተጓዕዙ እንከለዉ 'ጉዓዳ' ኣብ ዝተባህለ ከባቢ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸሞም ገሊጹ።
ምኒስተር ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናታለም መለሰ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ ንግዝኣት ኢትዮጵያ ለቒቖም ክወጹ ኣለዎም ምባላ ብሉምበርግ ጸብጺቡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ይሳተፉ ምህላዎም ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ሓቢሩ ነይሩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ነዚ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣብ ዝምልከ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ድሮ ነቲ ክስታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X) ምላሽ ከም ዝሃበሉ እዩ ኣመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ምኒስተር የማነ ብረቡዕ ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ምላሽ፡ ነቲ ዝቐረበ ክስታት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣየረጋገጾን ኣይነጸጎን፤ ኣብ ክንድኡስ ነቲ ክስታት ንሓደ ክኽሰት ዝኽእል ግጭት ምስምስ ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተፈብረኸ ሓሶት ምዃኑ እዩ ገሊጹ።
ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ድማ እቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ተርእዮ ዘላ ህርፋን ምዃኑ ይምጕት። ኣብቲ ምላሽ ኣቶ የማነ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ጀሚሩ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓደ ጀነራል ብዛዕባ ዓሰብን ቀይሕ ባሕሪን ዝተባህለ ንመግለጺታት እውን ጠቒሱ'ሎ።
ነቲ ቃል መሰኻኽር ዓይኒ፡ "ኣካል ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ኲናት ንምኽፋት እትገብሮ ጻዕሪ እዩ" ክብል ከም ዝነጸጐ እውን ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሰጊሮም ምእታዎም ዝተሰምዐ፡ ንክልል ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ ዝነበሩን ብኤርትራ ይድገፉ እዮም ዝበሃሉን ሓይልታት ህወሓት ነታ ርእሰ-ከተማ መቐለ ለቒቖም ድሕሪ ምውጻኦም ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።
ምስ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ኣዛዚ "ሓይሊ ሰላም ትግራይ" ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ከቢድ ኣጽዋር ዓጢቑ ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝኣተወ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ እዩ።
ብሰንኪ ጉዳይ ዶባት ኣብ 1998-2000 ኲናት ዝገጠማ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ን20 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ኣቋሪጸን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ዝምድናአን ኣሓዲሰን ነይረን እየን።
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ጐድኒ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ክዀኑ ኸለዉ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሙ ግን ዝምድና እተን ሃገራት እናሓርፈፈ መጺኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌቱ ወግዓዊ ምስ ገበረ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ቅሉዕ ምስሕሓብ ኣትየን ጸኒሐን እየን።
ሰበ-ስልጣንን ማዕከናት ዜናን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንህወሓትን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታትን ብምድጋፍ ሰላም እታ ሃገር ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ ብምባል ክኸሱ ዝጸንሑ እኳ እንተዀኑ፡ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ።
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣባረረ፡ ኤርትራ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣቋሪጻቶ ኣላ።
እዚ ነቲ ን20 ዓመታት ተቋሪጹ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ዳግም ዝተጀመረ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክቋረጽ ገይርዎ ኣሎ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
