እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማሊላንድ፡ ጸጥታ ኢትዮጵያ ንዝትንክፍ ኪዳን ከም እትቃወም ኣፍሊጣ
ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ሃገሩ ንጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝዀነ ይዅን ኪዳንን ምትእትታውን ብትሪ ከም እትቃወም ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን እዩ ብዛዕባቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት መግለጺ ሂቡ።
ዓብዱራሕማን፡ ምስ ጐረቤቱ ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዎ ምትሕብባር ልዑል እምነት ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።
ኣብቲ ንኣባላት ባይቶ፡ መራሕቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓብዱራሕማን ነቲ ቀረባ እዋን ብግብጺ ዝተበገሰ ሓድሽ ኪዳን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብትሪ ነቒፉዎ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ግብጻዊት ከተማ 'ሓዳስ ኤል ኣልኣሚን' (ከባቢ ካይሮ) ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ መራሕቲ ግብጺ፡ ሶማልያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ሓባራዊ መግለጺ ምውጻኦም ይዝከር።
እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣባላተን ከም ዝድግፋ ብምንጻር፡ ብተዘዋዋሪ ነታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝምልከት ሓሳብ ኣቕሪበን እየን።
ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ከም ናጻ ሃገር ርእሳ ክኢላ ክትከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብእስራኤል ኣፍልጦ ክትረክብ እንከላ፡ ቀረባ እዋን እውን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሃገርነታ ዝድግፍ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።
እቲ ናይተን ኣርባዕተ ሃገራት መግለጺ ግን፡ ነዚ ሶማሊላንድ ንዓመታት ክትቃለሰሉ ዝጸንሐት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ ጻዕሪ ብቐጥታ ዝጻረር እዩ።
ዓብዱራሕማን ንመርገጺ ግብጽን መሻርኽታን ብምንቃፍ፡ ነዚ ዞባ ዝምልከት ዝዀነ ይዅን ውሳነ ብዘይ ተሳትፎ ሶማሊላንድ ክግበር ከም ዘይብሉ ኣጠንቂቑ።
ሃገሩ ብሰላምን ብጽቡቕ ጕርብትናን ንምንባር እኳ እንተ ደለየት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ኢዱ ከእቱ ንዝፍትን ዝዀነ ኣካል ግን ግቡእ ምላሽ ክትህቦ ምዃና ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጉዳያት ማይ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ኣብ ክልተ ፖለቲካዊ ኪዳናት ተመቒሉ ይርከብ።
ኣብ 2024 ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ተበጻሕነት ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ስምምዕ ምፍራማ፡ ንሶማልያ ኣቚጢዑዋ እዩ።
ሶማልያ ኢትዮጵያ ልዑላውነተይ ጥሒሳ ብምባል ነቲ ስምምዕ ክትቃወም ጸኒሓ ኣላ። እዚ ጉዳይ ብመንጎኝነት መንግስቲ ቱርኪ ግዝያዊ መዕለቢ እኳ እንተ ረኸበ፡ ዝምድና እተን ሃገራት ግን ገና ሻቕሎት ኣለዎ።
ብተመሳሳሊ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ እትሃንጾ ዘላ ዓቢ ዲጋ፡ ንግብጺ ነዊሕ እዋን ከሻቕላ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ድማ ግብጺ ነዚ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ክፍተት ተጠቒማ፡ ምስ ሶማልያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ሓድሽ ኪዳን ብምፍጣር ትሰርሕ ኣላ ይበሃል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ድሕሪ'ቲ ናይተን ኣርባዕተ ሃገራት ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ዝተኣሳሰሩ ጅኦግራፍያውን ታሪኻውን ሓቅታት፡ ብፖለቲካዊ ትረኻታትን ብስጕምቲ ሓይልን ክቕየሩ ኣይክእሉን እዮም ብምባል፡ ነቲ ኪዳን ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ብምብራዑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ ወጥሪ ተፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሶማልያ ኣብዚ ፍሉይ ጉዳይ ዘለዋ መርገጺ ኣነጺራ ኣላ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሓሰን መሓመድ ዓሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሶማልያ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ገለልተኛ መርገጺ ከም እትሕዝ ብምሕባር፡ እቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ኪዳን ኣብ ዶባዊ ውግኣት ከም ዘየእትዋ ኣሚቱ ኣሎ።