እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን
ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣዋጅ ትግራይ፡ ብዕሊ ናብ ትግባረ ኣብ ዝእተወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ መናእሰይን ወለድን ድማ ብፍላይ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ብዙሓት ተጋሩ፡ ነቲ 'ቁፅሪ 366/2018' ብዝብል ዝፍለጥን ሓያል ተቓውሞ ዘተኣናግድ ዘሎን ኣዋጅ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራውን፡ ስሩዕን ሚድያት ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም ኣለዉ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ወተሃደራዊ ግፋ ይካየድ ከም ዘሎ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ "ካብ ወርቂ-ዕደና ክሳብ ገዛ ንገዛ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግፋ" ኣብ ዝብል ጸብጻቡ ኣረጋጊጹ እዩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ኣዋጅ ምሉእ ብምሉእ ክስረዝ እንተዘይኰነ ኸኣ ክኽለስ ይጽውዑ ኣለዉ። ሂይማን ራይትስ -ፈረስት ኢትዮጵያ፡ እቲ ሰነድ ቅድሚ ምፅዳቝ ኣትሒዞም ካብ ዝተቓወሙ ትካላት ሓደ እዩ።
መስራትን ምክትል ዳይሬክተርን'ቲ ትካል፡ በዓል-ሞያ ሕጊ ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ ነቲ ኣዋጅ ቀዲሞም ዝተቓወምሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዝፈረመቶምን ዘፅደቐቶምን ዓለምለኸ ቃልኪዳናት ዝፃባእ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
"ብዝተፈላለዩ መንገድታት ፃዕሪ ገይርና፣ ኰይኑ ግን ፃዕርና ኣይተሳኸዐን፤ ከም ሕጊ ክፀድቕ ዝተገበረሉ ኵነታት እዩ ዘሎ፣ ብሓፈሻ እቲ ሕጊ ፀረ ሕገ-መንግስትን ፀረ-ክልላዊ ሕግታትን እዩ" ኢሉ።
ብረቡዕ 17 ሰነ 2018 ዓ.ም.ግ ዝወፅአ ደብዳበ፡ እቲ ዝንቀፍ ዘሎ ኣዋጅ፡ ክሳብ ብነጋሪት ጋዜጣ ዝሕተም፡ ካብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን ንቢሮ ፍትሒ ትግራይ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ የመልክት።
ብምክትል ኣፈጉባኤ እቲ ክልል፡ ምሕረት በርሀ ሓጎስ ተፈሪሙ ዝወፅአ እዚ ትእዛዝ፡ እቲ ሰነድ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ንህዝቢ ዕላዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ግንቦት ከም ዝፀደቐ እዩ ዘርኢ።
ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪኡ፡ ስልጣን ዝተቘፃፀረ ኣካል- ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ሰነድ፡ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ከም ዘፅደቘ ዝተገልፀ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ወራር ህልውና ንምምካት ዝዓለመ ከም ዝዀነ እዩ ዝምጉት።
ቅቡልነት እቲ ሕጊ
በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ እቲ ውሽጢ ንውሽጢ ክፀድቕ ዝተገብረ ሕጊ፡ ኣንፃር ቃልኪዳናት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም፡ ከምኡ'ውን ኣንፃር ኣብ ሕገ-መንግስቲ ፈደራል ዝሰፈሩ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝዀነ እዩ ዝዛረብ።
ብዓይኒ ሕጊ ተቐባልነት የብሉን ዝብለሉ ሓደ ዓቢይ ምኽንያት፡ መሰረታዊ ዝበሃሉ መትከላት ሕጊ ዝጠሓሰ ከም ዝዀነ ይትንትን።
ንኣብነት ይብል፡ ሓደ ሕጊ ገበን ንድሕሪት ተመሊሱ ክሰርሕ ብሕጊ ዘይፍቀድ እናሃለወ፡ እዚ ኣዋጅ ግን ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ካብ ሕዳር 2013 ዓ.ም [ግ] ጀሚሩ ክትግበር እዩ ምባሉ፡ መሰረታዊ ጥሕሰት ሕጊ ከም ዝዀነ የመልክት ኢሉ።
"ብሓፈሻ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ፀረ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ክንብሎ ንኽእል ኢና" ክብል ይድምድም።
ካልእ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ናይ ምእዋጅ ስልጣን፡ ንመንግስቲ ፈደራል ዝተውሃበ ስልጣን ከምዝዀነ የረድእ።
"ሰራዊት ናይ ምውዳብ ስልጣን ናይ መንግስቲ ፈደራል ስልጣን እዩ፣ ከምዚ ዓይነት ኣዋጅ ይውፃእ'ኳ እንተ ተባሂሉ፡ ከምኡ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ፡ መንግስቲ ፈደራል ጥራይ እዩ፣ ክልላት ሰራዊት ክውድባ ዀነ ከምዚ ዓይነት ግዱድ ዕስክርና ክእውጃ ስልጣን የብለንን" ይብል።
እዚ ድማ ኣብ ዓንቀፅ 55 እቲ ሃገራዊ ቅዋም ብግልፂ ዝሰፈረ ከምዝዀነ የረድእ።
ህወሓት፡ ነዚ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ክተትን ጻውዒትን ዘጽደቐሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘንጸላሉ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምምካት ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ህወሓት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ በጀት እቲ ክልልን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብምኽላእ፡ ከምኡ'ውን ዕድመ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ፕረዚደንቱን በይናዊ ብዝዀነ መንገዲ ብምንዋሕ ንሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭት ይለዓዓል ኣሎ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
በቲ ኣዋጅ ዝሸራረፉ ሰብኣዊ መሰላት
ኣብ መንጐ እቲ ክልልን ማእከላይ መንግስትን፡ እናተጋደደ ዝመፅአ ወጥሪ ኣብዚ እዋን ናብ ዝኸፍአ ብርኪ በፂሑ ይርከብ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ተኣፋፊ ኵነታት ዝወፅአ እዚ ኣዋጅ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት እቲ ክልል ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝዀነ ሰብ-ሞያ ይዛረቡ።
ብመንፅር ሰብኣዊ መሰላት ከ፡ እንታይ ሓደጋታት ከስዕብ ይኽእል ንዝብል ዘቕረብናሉ ሕቶ ድማ ከምዚ ክብል የብርህ፤
"ብኣንፃር ሰብኣዊ መሰላት፡ ከቢድ መሰረታዊ ዝዀኑ ጥሕሰት ዝፈጥር ሕጊ እዩ፤ ንኣብነት ሓሳብካ ናይ ምግላፅ፡ ናይ ምዝራብ መሰልካ ዝኽልክል፣ ኣብ መፃኢ ሰባት ብዘይ ኣግባብ ክእሰሩን ካብኡ ሓሊፉ'ውን፡ በቲ ኣዋጅ መሰረት ሰባት ብዘይ ኣግባብ ክሳብ ብሞት ክቕፅዑ ዝገብር እዩ" ይብል።
ከምኡ'ውን "ሰባት ብዘይተረጋገፀ ነገር'ውን ብዘይ ምኽንያት ክእሰሩን ክሳቐዩን፡ ከምኡ'ውን መሰረታዊ መሰላት ዝበሃሉ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ካብ ዓንቀፅ 13 ክሳብ 44 ሰፊሮም ዝርከቡ፡ ንኽጠሓሱ በሪ ዝኸፍት ስለዝዀነ ኣብ ቀፃሊ፡ ሰባት ብዘይ ኣግባብ ምእሳር ክህሉ እዩ፤ ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅ መሰል ክዕፈን እዩ ማለት እዩ። ስለዚ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዓይነት ዝኽየደሉ ኵነታት እዩ ዝፈጥር" ኢሉ።
ወሲኹ ከምዝብሎ፡ "ካልእ ተሪፉ ሰባት ነቲ ግዱድ ዕስክርና ንባዕሉ፡ 'ልክዕ ኣይኰነን፡ ዝግበር ዘሎ ጌጋ እዩ' ብምባሎም ክእሰሩ እዮም ማለት እዩ፡" ክብል ስግኣቱ ኣስፊሩ።
"ምስ መሰረታዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝጋጮ ስለዝዀነ፡ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኰነን፣ ሰብ ሓሳቡ ከይገልፅን፡ ብኡ ኣቢሉ'ውን ብባርነት ክተሓዝ ዝገብርን ማለት እዩ፤ ብግዴታ ብዘይፍቓድ ወተሃደራዊ ግልጋሎት ንኽትህብ ዝገብር ስለዝዀነ ብሓፈሻ ምስ ዓለምለኻዊ ቃልኪዳን ሰብኣዊ መሰላት ድማ ዝፃባእ እዩ" ክብል ኣብሪሁ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰባት ሓሳቦም ብነፃነት ናይ ምግላፅ [ናይ ምዝራብ፡ ምፅሓፍ] መሰል፡ ብነፃነት ናይ ምንቅስቓሰ፣ ብህይወት ናይ ምንባርን ንብረት ናይ ምፍራይን፡ ከምኡ'ውን ብውልቀ ዀነ ተወዲቦም ሰላማዊ ተቓውሞ ክገብሩ ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም ሕልዉ እዩ።
እዚ ኣብ ትግራይ ጸዲቑ ዘሎ ኣዋጅ ግብራዊ እንተዀይኑ፡ ነዞም መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ዝግህሱን ዝድርቱን ከምዝዀኑ ሰብ-ሞያ ይዛረቡ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ይብሉ?
ሰብመዚ ትግራይ፡ ዘጽደቕዎ ኣዋጅ፡ ንዜጋታት ብግዲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘእቱን ንተቓወምቲ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ዝውስንን ዝበሎ ሓድሽ ኣዋጅ ክስርዝዎ፡ ትካላት ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ይፅውዑ ኣለዉ።
"ተጋሩ ገና ካብ በሰላታት እቲ ኣዕናዊ ኲናት ክልተ ዓመት ኣይሓወዩን ዘለዉ፡" ክትብል ዝገለጸት ኣብ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ምክትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሽያ ባደር፡ "ሰበስልጣን እቲ ክልል ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ንምፍታሕ፡ ንሲቪላውያን ብግዲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእታውን ነዚ ተግባር ንዝነቕፉ ብምቕጻዕን ክኸውን የብሉን፡" ኢላ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ "ዘይንጹርን ንተመዝማዝነት ክፉት ዝዀነ ሰፊሕ ትርጕም ዝህብን" ቋንቋ ዝተጠቕመ ምዃኑ ብምግላጽ ብትሪ ነቒፉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰበስልጣን'ቲ ክልል፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ይእዝዙ ከም ዘለዉን፡ ገዛ ገዛ እናዞሩ ድማ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ዜጋታት ብግዲ ይምልምሉን ከምዘለውን ፀብፃባት ይሕበሩ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ ምልመላ ንዘምልጡ መንእሰያት፡ ስድራቤቶምን ደቆምን ብሓይልታት ጸጥታ ይቕጽዑ ከም ዘለዉ፣ በዚ ዝተረበሹ ዜጋታት ድማ ነቲ ግዱድ ምልመላን ስግኣት ሓድሽ ኲናትን ብምፍራሕ ካብቲ ክልል ይሃድሙ ከም ዘለዉ ጸብጻብ'ቲ ትካል የረድእ።
ከምኡ'ውን ነዚ ኣዋጅ ብምቅዋም ሓሳቦም ኣብ ልዕሊ ዝገለፁ ነበርቲ ማእሰርቲ ይካየድ ከምዘሎ ጸብፃባት ይሕበሩ።
ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ብዛዕባ እዚ ኣዋጅ ምላሽ ንኽህብ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።
እንተዀነ ንሱ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወተሃደራዊ ምልመላ፡ ብዓቢኡ "ኣብ ወለንታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝተመስረተ" ከምዝዀነ፡ ኣገልግሎት ዜና 'ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኤኤፍፒ' ኣብ ዝሃቦ ቃል ተዛሪቡ ኣሎ።
ኣብ መፃኢ
ብዛዕባ እዚ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ከይውዕል፡ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ዘይሕጋዊን' ካብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ወፃእን ምዃኑን ክእወጅ ከም ዝከኣል ኣይተ መብርሂ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ፖለቲካዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ናብ ውዕል ፕሪቶርያ ተመሊስካ ነቲ ወጥሪ ክሃድእ ምግባር ምስኡ ክረአ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።
"ብፍላይ ተደራደርቲ ፕሪቶርያ ዝዀኑ ኣካላት እዚ ብህወሓት ዝወፅአ ኣዋጅ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ነዚ ኣዋጅ ዘፈፅሙ ዘለዉ ኣካላት'ውን ፀቕጢ ክግበረሎም ኣለዎ" ክብል ኣብሪሁ።
ውዕል ፕሪቶርያ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ እንተ ተፈረመ'ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ደድሕሪ እቲ ውዕል ሰላም ከምዘለዉ እዩ ዝእመን።
ሕብረት ኤውሮጳ ብ27 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ኣቚሙን ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ የካይድ ኣሎን ብምባል፡ እዚ ስጕምትታት "ንውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ እዩ" ክብል ስክፍታኡ ገሊፁ ኣሎ።
ከምኡ'ውን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ይዓናቕፉ እዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም "ኣኽረርቲ" መራሕቲ ህወሓት፡ እገዳ ቪዛ ምግባሩ ይዝከር።
ህወሓት ነቶም መግለፂታት 'ዘይሚዛናዊ' ክብል ነጺግዎም ኣሎ።