ኤርትራዊት ሓረስታይ ካብተን '100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ' ተሰይማ

ምንጪ ስእሊ, FAO Eritrea
ሓንቲ ኤርትራዊት ሓረስታይ ብውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ካብተን "100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ 2026" ተፈላጥነት ከም ዝረኸበት ንምኒስትሪ ሕርሻ ጠቒሱ፡ መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ሕርሻ፡ ሮዚና መብራህቶም ዝተባህለት ኤርትራዊት ሓረስታይ ነቲ ሽልማት ብ16 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መዓልቲ መግቢ ዓለም ተቐቢላቶ።
ወ/ሮ ሮዚና፡ ካብ 131 ሃገራት ካብ ዝቐረባ ልዕሊ 600 ሕጹያት ዝተመርጸት ኰይና፡ ካብተን ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ ሕርሻን ስርዓታት መግብን ብዝገበራኦ ኣበርክቶ ዝኸበረን 100 ደቀንስትዮ ሓንቲ ክትከውን ዝበቕዐት እያ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ሕሪሻ ኤርትራ፡ ሮዚና ኣብ ምብርባርን ምሕዋይን መሬት፡ ምዕቃብ ባህርያዊ ጸጋታትን ባህርያዊ (ኦርጋኒክ) ሕርሻን ብዝሰርሓቶ ስራሕ እያ ተፈላጥነት ረኺባ። ንሳ ነቲ ቀደም ንሕርሻ ዘይበቅዕ ዝነበረ ምድረ-በዳን ጨዋማን መሬት ናብ ፍርያም ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዝለወጠቶ እቲ ምኒስትሪ ገሊጹ።
ውድብ መግብን ሕርሻን ሓረስታይ ሮዚና ኣብ ዘላቒነት ከባቢ፡ ውሕስነት መግብን ምምሕያሽ ናብራ ገጠርን ዘለዋ ተወፋይነት ከም ቀንዲ ረቛሒ ናይቲ ሽልማት ምጥቃሱ እቲ ምኒስትሪ ኣረዲኡ።
ወ/ሮ ሮዚና ኣብ ዞባ ደቡብ ኤርትራ፡ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ፡ ምምሕዳር ተኾንዳዕ፡ መሳሊሕ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ እትነብር ሓረስታይ ጥሙር ማሕረስ እያ፤ ኣእካልን ኣሕምልትን ተፍሪ፣ ከምኡ'ውን እንስሳታት ዘቤት ተፋሪ።
ብሓፈሻ እቲ ንኡስ-ውሁድ ስድራቤታዊ መደብ ሕርሻ ዝበሃል መደብ፡ ሓደ ካብቲ ምኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ዝተባብዖ መደብ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
እዚ መደብ፡ ሓረስቶት ኵሉ ዓይነት መኣዛዊ መግቢ ክረኽቡሉ ዘኽእል ኰይኑ፡ ሓረስቶት ናይ ጸባ-ከብቲ ወይ ጤለ-በጊዕ፡ ልምዓት ዘራእቲ፡ ኣሕምልቲን ፍረታትን፡ ደርሁ፡ መፍረ ንህቢን መዓርን፡ ኣግራብ፡ ምድላው ኮምፖስት፡ መጐጐ ኣድሓነትን ዓይኒ-ምድሪን ዘጠቓልል ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, FAO Eritrea
ወ/ሮ ሮዚና፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ድንሽ ኤርትራ፡ ካብ ዝተመርጹ ዘርኢ ድንሽ ልዑል ፍርያት ብምርካባ ሃገራዊ ሽልማት ተቐቢላ እውን ነይራ እያ።
ብዛዕባ ናይ ሕርሻ ጕዕዞኣ ዝተዛረበት ወ/ሮ ሮዚና፡ እዚ ፕሮጀክት ብበዓል ቤታ ከም ዝተጀመረ ገሊጻ። ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ቅድሚ 12 ዓመት፡ ንሳን ደቃን ነቲ መሬት ንምሕዋይን ንሕርሻ ብቑዕ ንምግባርን ሑጻ፡ ፍርያም ሓመድን ድዅዕን እናጓዓዓዙ ዓሰርተ ዓመት ከም ዘሕለፉ ሓቢራ።
ወ/ሮ ሮዚና ቅድሚ 3 ዓመት ኣብ መደብ 'ፍረ-ጻዕሪ' ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪባ ንጻዕራ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነቲ ኣመና ጨዋም ዝነበረ ዝዀነ ፍርያት ዘየእቱ ዝነበረ መሬት ሕርሻኣ ንምቕያር ከቢድ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ኣረዲኣ ነይራ።
ነፍስሄር በዓልቤታ ኣባል ምኒስትሪ ሕርሻ ብምንባሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናተንቀሳቐሰ ይሰርሕ ምንባሩን፡ ብዝነበሮ ፍልጠትን ተመኵሮን ድማ ነቲ ቦታ ሕርሻ ምስ ስድራቤቱ ኰይኖም ከልምዑዎ ከም ዝወሰኑ ኣረዲኣ።
መዓልቲ መግቢ ዓለም፡ ምምስራት ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ንምዝካርን ዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ንምምሕያሽ ዝግበር ጻዕርታት ንምጕላሕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 16 ጥቅምቲ ይኽበር።
እቲ ውድብ፡ ኣብ ውሕስነት መግቢ፡ ምዕቃብ ከባቢን ዘላቕነትን፡ ምምሕያሽ ናብራን ካልእን ብሓፈሻ ኣብ ምምሕያሽ ስርዓታት መግብን ሕርሻን ብዝገበራኦ ብሉጽን ጭቡጥን ኣበርክቶ ምርኵስ ብምግባር ዓመታዊ "100 ጀጋኑ ደቂ-ኣንስትዮ" ኣብዛ ዕለት ሽልማትን ኣፍልጦን ይህብ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
