ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘውጽኣኦ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ 'ሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት'

ምንጪ ስእሊ, AMN
ኣመሪካ፡ ትካላት ወተሃደራዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበረ ጸብጻባት መጥቃዕቲ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ብምጥቃስ፡ ዜጋታታ ብፍላይ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከይጓዓዙ ኣጠንቂቓ።
ነቶም ድሮ ኣብ ገለ ክልላት እታ ሃገር ዝርከቡ ድማ ውሑስ እንተዀይኑ ካብቲ ቦታ ክወጹ ጸዊዓ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጸጥታ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት ክካየድ ዝኽእል መጥቃዕትታት ነዊሕ ርሕቀት ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዝፈለጠ ብምግላጽ፡ ኣመሪካውያን ጥንቃቐ ክገብሩ መኺሩ።
ዜጋታት ኣመሪካ "ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት" ናብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ክጓዓዙ ከም ዘይብሎም እቲ ኤምባሲ ኣተሓሳሲቡ።
ነቶም ድሮ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ዘለዉ፡ ኵነታት ዘፍቅድ እንተዀይኑ ክወጹ፡ እንተዘይኰይኑ ግን እቲ ኵነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኰይኖም ክዕቈቡ መኺሩ።
እቲ ማዕዳ ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ተሌፎንን ብሃንደበት ክቋረጽ ከም ዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ ኣመሪካውያን ንናይ ውሽጢ ዓዲ ማዕከናት ዜና ክከታተሉን ብዛዕባ ኵነታት በረራ ሓድሽ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ መንገድታት ኣየር ርክቦም ክዕቅቡን ጸዊዑ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ርግኣት ዝረኣዮ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግን ሓሓሊፉ ዝኽሰት ዕጥቃዊ ግጭትን ህዝባዊ ዕግርግርን ይቕጽል ምህላዉን እቲ ኵነታት ተለዋዋጢ ምዃኑን ገሊጹ።
ብተወሳኺ ንተጓዓዝቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታታት ከይስሕቶም ብምጥንቃቕ፡ ኣብ ወግዓዊ ሓበሬታታትን እሙናት ምንጭታት ዜናን ክምርኰሱ የተባብዕ።
እዚ መጠንቀቕታ ኣመሪካ ዝመጽእ ዘሎ፡ ስዒቡ ንዝቐረቡ ጸብጻባት ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን መጥቃዕትታት ነዊሕ ርሕቀትን፡ ብዛዕባ ኵነታት ጸጥታ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኣህጉራዊ ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እውን ነቲ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ማዕዳ መገሻኡ ብምሕዳስ፡ ናብ ሰፊሕ ክፋላት እታ ሃገር ከይጓዓዙ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመን-ወልዝን ልምዓትን (FCDO)፡ ናብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ጋምቤላን፡ ከምኡ'ውን ናብ ሓያሎ ዶባዊ ከባቢታት ዝዀነ ይዅን መገሻ ከይግበር ይመክር።
እዚኣቶም ነቶም ምስ ዶባት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ሶማልያን ኬንያን ዝዋሰኑ ከባቢታት ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ማዕዳ ብሪጣንያ፡ ንጸጥታዊ ስግኣታትን ዘይምርግጋዕን ብምጥቃስ፡ ካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መገሻ ወጻኢ፡ ናብ ክፋላት ክልላት ዓፋር፡ ኦሮምያ፡ ሶማሌን ቤንሻንጉል-ጉሙዝን ከይጓዓዙ ተወሳኺ ምኽሪ ይህብ።
ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት (FCDO) ምስ ዶባት ሶማልያን ኬንያን ኣብ ዘሎ ናይ 100 ኪሎ-ሜተር ርሕቀት ከይጓዓዙ ክመክር ከሎ፡ እዚ ገደባት እዚ ንሓያሎ ዞባታት ኦሮምያን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን እውን ዝምልከት እዩ።
እዞም ካብ ዋሽንግተንን ሎንደንን ዝወጹ ሓደስቲ መጠንቀቕታታት፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት፡ ጸጥታዊ ጸገማትን ዞባዊ ወጥሪታትን ዘሎ ቀጻሊ ስግኣታት ዘጕልሑ እዮም።
ክልቲኦም መንግስታት፡ ዜጋታቶም ነቲ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ክግምግምዎ፡ ንምዕባለታት ብቐረባ ክከታተሉን መምርሒታት ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ክኽተሉን ጸዊዖም።
ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ነትጕታት
ኣብ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ሓሙስ 01 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድምጺ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ሮይተርስ ንዝረኸቦ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊሑ ነይሩ።
ቢቢሲ'ውን ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝቕመጡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዘራሪቡ ነትጕ ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ፈደራል ክዋጋእ ምስ ዝቐነየ ጥምረት ተቓወምቲ ሓይልታት ምትእስሳር ዘለዎ ሓደ ምንጪ ንሮይተርስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጥምረት ንወተሃደራዊ ትካላትን ንጠቕላሊ መምርሒ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ሓዊሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓያሎ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ፈጺሙ ክብል ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ነዚ መግለጺ'ዚ ዛጊት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቢቢሲ ዘዛራረቦምን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢታት ጎተራን ቤተልን ዝነብሩን ውልቀ-ሰባት፡ ነቲ ድምጺ ነትጕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት 00:20 (6:20 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር) ከም ዝሰምዕዎ ተዛሪቦም።
ኣብ ከባቢ ጎተራ ዝነብሩ ንድሕነቶም ስሞም ከይጥቀስ ዝሓተተቱ ክልተ ነበርቲ፡ ከባቢ ፍርቂ ለይትን ዕስራን ኣቢሉ ኮፍ ኢሎም እናሰርሑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን "ነቲ ዝነበሩሉ ህንጻ ዘንቀጥቀጠ ከቢድ ነትጕ" ከም ዝሰምዑ ገሊጾም።
ሓደ ካብኦም "እቲ ነትጕ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ዋላ መጠንቀቕታ ደወል (ኣላርም) መኻይን ከም ዝጭድር ገይሩ እዩ" ዝበለ እቲ ነባሪ፡ ነቲ ነትጕ ብግምት ለይቲ ካብ ፍርቂ ለይትን ዕስራን ክሳብ ፈረቓን ኣብ ዘሎ ግዜ ከም ዝሰምዑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነቲ ዝተፈጥረ ንምጽራይ ካብ ገዛኡ ከም ዝወጸ ዝሓበረ እቲ ውልቀ-ሰብ፡ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ከም ዘይረኣየ ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ እቲ ነትጕ ካብ ኣንፈት 'ጦር ኃይሎች' ይዅን ወይ ካብ 'ኣራተኛ ክፍለ ጦር' ንምጽራይ ዝገበርዎ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ኣብ ከባቢ ቤተል 'ጸወታ (ጌም) ንጻወት ነይርና' ዝበለ ካልእ ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ መንእሰይ ብወገኑ፡ ለይቲ ሰዓት (1:00) (ሸውዓተ) ንሱን ኣዕሩኽቱን ድምጺ ነትጕ ከም ዝሰምዑን፡ ንመንበሪ ከባቢኦም ስለ ዝቐርብ ድማ ካብቲ 'ጠቅላይ ምምሪያ' ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ከባቢ 'ጦር ኃይሎች' ክኸውን ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብስልክን ብኢመይልን ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን።
ርክባት ህዝቢ ፖሊስ ፈደራልን ኣዲስ ኣበባን ብወገኖም፡ እቲ ጉዳይ ንዓኣቶም ከም ዘይምልከት ብምግላጽ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ነትጕ ይዅን ዝወረደ ጉድኣት እንተ ሃልዩ ካብ ነጻ ወገን ንምጽራይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ቢቢሲ ዘዛራረቦም ነበርቲ እውን፡ እቲ ነትጕ ሓደ ግዜ ጥራይ ድዩ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዘጋጠመን ጠንቂ "ድሮን ድዩ ኣይኰነን" ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
