ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብወረራ ብምኽሳስ ሰራዊታ ክትስሕብ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራ ቅሉዕ ወረራ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ግዝኣቱ ኣትዮም ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ብህጹጽ ለቒቖም ክወጹ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ወጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ተለዋዋጢ እዋን እዩ።
ምኒስተር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ እናታለም መለሰ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ "ኵሎም ወተሃደራዊ ሓይልታት ሃገራት ወጻኢ፡ ግዝኣት ኢትዮጵያ ለቒቖም ክወጹ ኣለዎም" ክትብል ንብሉምበርግ ገሊጻ።
እዚ መግለጺ፡ ነቲ ቢቢሲ ሓዊሱ ሓያሎ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ክብሉ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ዝህብ ወግዓዊ መረጋገጺ መንግስቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ይሳተፍ ምህላዉ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምሕባሩ ይዝከር።
ብመሰረት ጸብጻባት ዓይኒ-መሰኻኽርን ዞባውያን ተዓዘብትን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ረቡዕ 7 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሮም ዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ናብ መዳውብቲ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ።
ካብ ርእሰ-ከተማ መቐለ 115 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ድማ 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ሓያሎ መኻይን ተጻዒኖምን ብእግሮምን ክሓልፉ ከለዉ ከም ዝተዓዘቡ ኣረጋጊጾም።
ብኣንጻሩ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ብትሪ ነጺግዎ ኣሎ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ናይ መሰኻኽር ዓይኒ ሓበሬታታት "ኣካል ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ኲናት ንምኽፋት እትገብሮ ዘላ ጻዕርታትን ምስምስን እዩ" ክብል ገሊጹዎ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ፈደራል ዝተሰለፈ "ሓይሊ ሰላም ትግራይ" ዝተባህለ ጕጅለ ዝመርሕ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ከቢድ ኣጽዋር ዓጢቑ ናብቲ ክልል ከም ዝኣተወ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ተዛሪቡ ኣሎ።
ዕጥቃዊ ግጭታት ዝከታተልን ዝስንድን ትካል 'ኣክለድ' (ACLED) ብወገኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብወገን ዛላምበሳ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ መስመር ዓዲ-ግራት ናብ ዕዳጋ-ሓሙስ እናተጓዕዙ እንከለዉ 'ጉዓዳ' ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸሞም ኣቃልዑ ኣሎ።
እዚ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝስማዕ ዘሎ፡ እቶም ንክልል ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ ዝነበሩን ብኤርትራ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎምን ሓይልታት ህወሓት ንመቐለ ለቒቖም ድሕሪ ምውጻኦም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ምዃኑ ቆላሕታ ዝስሕብ እዩ።
ምኒስተር የማነ ገብረመስልቀ፡ ብረቡዕ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X) ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ምላሽ፡ እቲ ክስታት ንሓደ ክኽሰት ዝኽእል ግጭት ሰበብ ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተፈብረኸ ሓሶት ምዃኑ ብምግላጽ፤ እቲ ናይ ብሓቂ ምንጪ ወጥሪ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ተርእዮ ዘላ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ምዃኑ ይምጕት።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ጀሚሩ ክሳብ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓደ ላዕለዋይ ጀነራል ብዛዕባ ዓሰብን ቀይሕ ባሕርን ዝተዋህበ መግለጺታት ከም ኣብነት ጠቒሱ ኣሎ።
እዚ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምውቕቓስን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ድርኵኺት ሓድሽ ደማዊ ኲናት ኣንቢሩወን ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ብምዕጻው፡ ን10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣባረረት፤ ኤርትራ ብወገና ተመሳሳሊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከም ዝበተኸት ምፍላጣ ዝዝከር እዩ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
