ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ እዋን ሰላም ምስ ኢትዮጵያ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ ተራእዮም።

ወተሃደራት ኤርትራ ምዃኖም ብኸመይ ከምዝፈለጡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ናይ ኤርትራ ሰራዊት ልዕሊ ኣርባዓ ዝዀና መካይን ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ሓሊፈን'የን፡ ሻብዕያ ምዃኖም ሓደ መኪናኦም ካብኡ ሬንጀሮም፣ ቆጽላዋይን ሓመዳዊን ሬንጀር ገይሮም'ዮም ሓሊፎም" ክብል ሓደ ንድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ገሊጹ።

ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ ተሳትፎ ወተሃደራታ ኣብዚ ሓድሽ ግጭት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትን ዘላ። ቢቢሲ ብወገን ኣስመራ ሓበሬታ ንምርካብ ንምኒስተር ዜና እታ ሃገር ተወኪስዎ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ክስታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ምላሽ ከምዝሃበሉ ዝገልጽ ምላሽ እዩ ሂቡ።

ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብቲ ሎሚ ኣማስያኡ ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ምላሽ፡ ነቲ ዝቐረበ ክስታት "ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ" ብፍሉይ ኣየረጋገጾን ኣይነጸጎን፤ ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ንሓደ ክኽሰት ዝኽእል ግጭት ምስምስ ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተፈብረኸ ሓሶት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ናይ ሓቂ ምንጪ ወጥሪ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ተርእዮ ዘላ ህርፋን ምዃኑ ድማ ይምጕት። ኣብቲ ምላሽ ኣቶ የማነ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ጀሚሩ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓደ ጀነራል ብዛዕባ ዓሰብን ቀይሕ ባሕሪን ዝተባህለ መግለጺታት እውን ጠቒሱ'ሎ።

"ካብቲ ቀዳማይ ምኒስተር [ኣቢይ ኣሕመድ] ንታሕቲ ዘሎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ብዓልስልጣን- [ኢትዮጵያ] 'ልኡላዊ ኣፍደገ-ባሕሪ' ንምርካብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ወራር ኲናት ክትከፍት እያ" ብምባል "ነጋሪት ኲናት ይወቕዑ" ኣለዉ ክብል'ዩ ምኒስተር የማነ ከሲሱ ዘሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ተሳቲፉ ምንባሩ ይፍለጥ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ሕጂ ፈሪሱ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ 2022 ድሕሪ ምፍራሙ ግን ኤርትራ ምስ ህወሓት ዘይወግዓዊ "ጽምዶ" ብምግባር ዝምድናኣ ከም ዘመሓየሸት ይፍለጥ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣጋምሸት ንመቐለ ተቘጻጺሮም ናብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

እቶም ምንጭታት ቢቢሲ፡ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሎሚ ለይቲ ጀሚሩ ብእግርን ብመካይንን ብዛላምበሳ መጺኦም ብማእከል ዓዲግራት ናብ ደቡብ ኣንፈት ክሓልፉ ተመልኪቶም።

ብርክት ዝበሉ ነበርቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶባዊት ከተማ ዛላምበሳ ናብ ትግራይ ብምስጋር፡ ብፍላይ ጥቓ ዓዲ-ግራት ወተሃደራዊ ድፋዕ ክሰርሑ ከምዝቐነዩ'ውን ከምዝፈልጡ ሓቢሮም።

እቶም ወተሃደራት ብዓዲግራት ኣቢሎም፡ ናብ ኣንፈት ደቡብ ኣብ መስመር ዓዲግራትን-ውቕሮ- መቐለ እትርከብ፡ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ከም ዝኸዱ እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

ምእንቲ ድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ፡ "ኣስታት 40 ናይ ጽዕነት መካይን ወተሃደራት ዝጸዓና ርእየ። እተን መካይን ካብ ዓዲግራት ንደቡብ ኣንፈት ይኸዳ ነይረን፡" ኢሉ።

እቲ ምስክር ዓይኒ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ሰሙናት ካብ ዶብ ኤርትራ እትው ኢላ እትርከብ ኣብ ጥቓ ዓዲግራት ከባቢ ቀርሰበር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወሰና ወሰን'ታ ከተማ ድፋዕ ከም ዘቘሙ ሓቢሩ።

ካልኣይ ነባሪ፡ ከባቢ 30 ዝዀና ወተሃደራት ኤርትራ ዝጸዓና ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ብለይቲ ናብ ደቡብ ገጸን ክጓዓዛ ከምዝረኣየ ሓቢሩ።

"ታርጋ ኤርትራ ዘለወን መካይን ኣብታ ከተማ ክረአያ ቀንየን እየን። ሎሚ ንግሆ ግን ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዀና ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ወተሃደራት ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ገጸን ክኸዳ ርኢና።"

እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ ዙ-23 ጸረ-ነፈርቲ ሓዊሱ ከበድቲ ኣጽዋር ዘጓዕዛ ወተሃደራዊ መካይን ከምዝረኣየ ሓቢሩ።

ሰራዊት ብእግሮም ክሓልፉ እውን ተዓዚቡ እዩ።

ካብ መቐለ ዝርከብ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብ ዓዲግራት ዝርከቡ ኣዝማዱ፡ ክሳብ 60 ዝበጽሕ ናይ ጽዕነት መካይን ከምዝሓለፋን፡ ድሒሮም እቶም ወተሃደራት ኣብ መንጎ ዕዳጋ ሓሙስን ስንቃጣን [ፍረወይኒን] ኣብ ዝርከብ ጎቦታት መሬት ከምዝሓዙ ምርኣዮም ተዛሪቡ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ዘሎ ቪድዮን ኣሳእልን፡ ዩኒፎርም ዝለበሱ ኣባላት ጽዒነን ብብዝሒ ዝተጻዕና ናይ ወተሃደራዊ መካይን ናብ ዓዲግራትን ዕዳጋ ሓሙስን ክሓልፋ የርእዩ።

ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ይዅን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስልታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ከም ዝበተኻ ይፍለጥ።

ብረቡዕ 7 ጥቅምቲ ንግሆ ኣብ ከባቢ ኣጉላዕ ከቢድ ኣጽዋርን ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ንመቐለ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ፈደራልን ሓይልታት ሰላምን፡ ናብ ውቕሮ [ኣብ መንጎ ዓዲግራትን መቐለን ናብ እትርከብ ካልእ ቁልፊ ከተማ] ከምዝኣተዉ ምንጭታት'ታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝፈጸምዎ ግፍዕታት ዝዝክሩ ነበርቲ ጭንቀት ፈጢሩሎም ከምዘሎ ድማ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

ሓደ ነባሪ፡ ዳግማይ ወተሃደራት ኤርትራ ምርኣዩ፡ ንባዕሉ ሓዊሱ ንብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ስምዒታዊ ከምዝገበሮም ገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝቐርብ ክሲታት፡ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እዚ ኲናት ዝተናውሐ ከይኸውን'ውን ስግኣት ኣለዎ።

እዚ ጸብጻባት ምትእትታው ዝመጽእ ዘሎ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ውግእ፡ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ትገብር ኣላ ዝብል ክስታትን ስክፍታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበር - ሕጂ ድማ ኮምሽነር ኮምሽን ኑክሌር ኢነርጂ፡ ኣብርሃም በላይ [ዶ/ር]፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ፋና ተሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ተሳትፎ ኤርትራ ከምዘሎ ከሲሱ።