ሓዳርና ናብ ፍትሕ የምርሕ ከምዘሎ ኣቐዲሞም ዝርኣዩ ሓሙሽተ ምልክታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እንዛረበሉ፡ ኵሉ ነገር ባዕባዕ ኢሉ ነገራት ምስ ተወደአ ዝርአ ምልክታት ኣይኰነን፡ ነቲ ናብ ፍትሕ ነምርሕ ከምዘለና ዘርኢ ምልክታት ኢና ክንርኢ።
ፍቕሪ ኣዝዩ ዝተሓለለኸ ክኸውን ዝኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ፍትሕ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ'ዩ።
ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ 44 ሚእታዊት ካብ ዝተመስረተ ሓዳር ብፍትሕ'ዩ ዝዛመም።
ብማእከላይ ገምጋም ከኣ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ 47 ካልኢት ሰብ ሓዳር ይፋትሑ።
ነዚ ንምርዳእ ነዚ ጽሑፍ እዚ ምንባብ ጀሚርኩም ክሳብ ትውድኡ 10 ሰብ ሓዳር ይፋትሑ ኣለዉ ማለት'ዩ።
እንተዀነ ኣጆኹም፤ ንስኹም ነዚ ጽሑፍ ስለዘንበብኩሞ ዝፋትሑ፣ ስለዘየንበብኩሞ ከኣ ሓዳሮም ዝጸንዕ ሰብ ሓዳር ኣይክህልዉን'ዮም።
እዚ ጽሑፍ እዚ ፈለማ ንነብስኹም'ዩ ክጠቕመኩም፣ ሰብ ሓዳር ኵኑ ዘይሰብ ሓዳር፡ ሰብ ቅድሚ ናብ ፍትሕ ምብጽሑ ኣብ ነብሱን ኣብ መጻምድቱን እንታይ ምልክታት'ዩ ዘርኢ፡ እቶም ናብ ፍትሕ ከነምርሕ ዝድርኹና ግን ከኣ ከነወግዶም እንኽእል ነገራት'ከ እንታይ'ዮም ክትርድኡ ክሕግዘኩም'ዩ።
እቶም ነዚ ጽሑፍ እዚ ዘዳለዉ ተመራመርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ን7930 ሰብ ሓዳር ን17 ዓመታት'ዮም ተኸታቲሎምዎ።
ካብዚኦም እቶም ብዛዕባ ምልክታት ቅድመ ፍትሕ ዝተመሃሩ ከኣ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎኦም ብ10 ሚእታዊት ዝጐደለ ኰይኑ ጸኒሕዎም።
እቲ ካልእ ዝተጋህደ ሓቂ እቶም ቀለም ቀመሳት ወይ ምሁራት መጻምድቲ ዝውሓደ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ከምዘለዎም እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ ሓደ ምኽንያት ከኣ እቶም መጻምድቲ ኣብ ትምህርቶም ብምትኳር ምስ በሰሉ፡ ናይ ምምዝዛን ዓቕሞም ምስ ዓበየን ናይ ምብህሃል ክእለት ምስ ደለቡ ስለዝምርዓዉ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።
እቲ ካልእ ዘይክሓድ ከኣ ጉዳይ ሃብቲ'ዩ፤ ቍጠባኻ ምሉእ ምስ ዝኸውን ናይ ፍትሕ ተኽእሎ የጉድሎ'ዩ።
በሉ ነዚ ከም መእተዊ ገይርና ናብቲ ምልክታት ቅድመ ፍትሕ ዝበልናዮ ከነብል።
1. ፍልልይ ንሓዳር እትኸፍሎ መስዋእቲ
ተመራመርቲ፡ ሓደ ዕዉት ሓዳር ንኽህሉ ክልተ ንሓድሕዶም ከይበቐቝ ንመጻምድቶም ኵሉ ነገር ክገብሩ ድልዋት ክዀኑ እንከለዉ'ዩ ይብሉ።
ንመጻምድትኻ ዝዀነ ዓይነት መስዋእቲ ክትከፍል ድሉው ምዃን ከኣ ሓደ መርአያ ናይ ጽኑዕን ቀጻልነት ዘለዎን ሓዳር'ዩ።
እዚ መስዋእቲ እንብሎ ዘለና ኣዝዩ ዓቢ ነገር ገይርና ኣይንርድኦ፡ እቲ ቀሊል ዝመስል ነገር'ዩ ዓቢ ኰይኑ ዝርአ።
ንኣብነት መጻምድትኻ ምስ መሓዙታ ሻሂ ንኽትሰቲ፡ ቈልዑ ሒዝካ ምጽናሕ፡ ቀሊን ነገር ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል'ዩ፤ ኣብ ልቢ እታ መጻምድትኻ ግን ዓቢ ነገር ኰይኑ'ዩ ዝምዝገብ።
ንዓኻ ጽብቕቲ ኰይና ዝተሰመዓትካ ፊልም ክትርእያ ምግባዝ፡ መዓልታ ቅልል ንኽብለላ ሓሳባትካ ምክፋል'ውን ቀሊል ግን ተደማሚሩ ሓዳር ኣብ ምድልዳል ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ።
ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ 32 ሽሕ መጻምድቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ንሓድሕዶም ነዚ ቀሊል ዝመስል መስዋእቲ ዝኸፍሉ መጻምድቲ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎኦም ዝውሓደ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
እንተዀነ እቲ መስዋእቲ ብኽልቲኦም መጻምድቲ ብማዕረ ሚዛን ክኸውን እንከሎ'ዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን።
እቲ ሓደ ኵሉ እናገበረ እቲ ሓደ ልኡም እንተዀይኑ ግን ጸገም ኣሎ ማለት'ዩ።
ተመራማሪ ስነኣእምሮ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳክሰስ ማርኮ ቪዘርማን "እቲ ኣገሳዳሲ ሕቶ፡ መጻምድትና ንኸምዚ ዓይነት መስዋእቲ ክኸፍል ክደሊ እንከሎ ንሕናኸ ድልዋት ዲና ዝብል'ዩ? ኣብ ሓዳር እቲ ዕግበት ዝብል ቃል ኣዝዩ ወሳኒ ነገር'ዩ፡ ንሓዳርካ ወይ ንመጻምድትኻ ዝግበር መስዋእቲ ከኣ ንክልቴኻ መጻምድቲ ናብ ዕግበት ዝመርሕ መንገዲ'ዩ። እዚ ምስ ዘይህሉ ከኣ እቲ ሓዳር ክቕጽል ከምዘይክእል ዘርኢ ዝዓበየ ምልክት'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2. ኣብ ዘይንሰማምዓሉ እንኽተሎ ኣገባብ ዘተ
ኣብ ሓዳር መዓልታዊ ዋላ ኣይኹን ሓሓሊፉ ንትርኽ ከጋጥም ንቡር'ዩ።
ተመረመርቲ ከኣ ምንትራኽ ጸገም ኣይኰነን፡ እቲ ክትካታዕ ወይ ክትቋዮቕ እንከለኻ ትጥቀመሉ ኣገባብን ትጥቀመሉ ቃላትን'ዩ እቲ ዝኸፍአ ይብሉ።
መጻምድቲ ንሓድሕዶም ክቋየቑ እንከለዉ ኣብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነጥብታት'ዮም ዝስርዑ።
- ኣዕናዊ – ዓው ዓው ምባል፡ ምጽራፍ፡ ናይ ቀደም ቅሬታ ኣልዒልካ ቀደም ዝነበረ ዘኪርካ ምዝራብ።
- ሃናጺ – ህድእ ኢልካ ነቲ ጸገም ምዝታይ፡ ምስማዕን ስምዒት መጻምድትኻ ንምርዳእ ምፍታንን።
- ምንስሓብ – ነገራት ክሳብ ዝዝሕሉ ስቕታ ምምራጽ ወይ ትዘራረበሉ እዋን ካልእ እዋን ክኸውን ምጥላብ።
ካብዚ ብምብጋስ እቶም ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ናይ መርዓኦም ኣዕናዊ ዝዀነ ኣገባብ ዘተ ዝኽተሉ መጻምድቲ ሓዳሮም ነዊሕ ከይጸንሐ'ዩ ዝዓኑ ይብሉ።
ምስዚኦም ብምንጽጻር እቶም ሃናጺ ኣገባብ ዘተ ዝኽተሉ ብመዳይ ዝኽተልዎ ኣገባብ ዘተ ዝለዓለ ናብ ሓዳር ናይ ምጽናዕ ዕድል'ዩ ዘለዎም።
ካብዚ ብምብጋስ ተመራመርቲ፡ ኣብ መንጐ መጻምድቲ ዝፍጠር ምፍሕፋሕ ሓደ ነገር ኰይኑ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ እትኽተሎ ኣገባብ ዘተ ግን እቲ ዝተፈጠረ ምፍሕፋሕ ክረግእ ወይ ክብእስ ዝልዓለ ግደ ከምዘለዎ'ዮም ዝመኽሩ።
ስለዚ ኣብ መንጐና ዘይምስምማዕ ምስዘጋጠም እቲ ዝሓሸ ኣገባብ እቲ ሓደ ክዛረብ እንከሎ እቲ ሓደ ብምሉእ ኣተኵሮ ብምስማዕ፡ ናብ ፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ምክያድ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ተመራማሪ ቪዘርማን "ኣብ ልዕሊ መጻምድትና ሕድገት ንምግባር ውሽጣዊ ድሉውነት ንምህላው ነቲ ጸገም ብፍርቂ'ዩ ዘጕድሎ፡ እዚ ነቲ ሕድገት ዝገብር ዘሎ ሰብ እንከላይ'ዩ ጥዕና ዝህቦ፤ ተደሚሩ ከኣ ነቲ ሓዳር ጥዕና ዘለዎ ንክኸውን ይሕግዝ። እቲ ይቕረ ምብህሃል ግን ሚዛኑ ዝሓለወ'ምበር ካብ ሓደ ወገን ጥራይ ዝመጽእ ክኸውን የብሉን" ይብል።
ብርግጽ፡ ዝዀኑ መጻምድቲ፡ ንዝተፈጠረ ባእሲ ብሕማቕ ክሕዝዎ ዝደልዩ ኣይመስለንን፣ ናይ ኣተኣላልያ ሕጽረት'ዩ ናብ ሕማቕ ዘምርሖም።
እዚ ግን ናብ መደምደምታ ይመርሓና ማለት ኣይኮነን – ብፍላይ ኣብቲ ዝምድና ዝረኣዩ እወታዊ ህሞታት ካብቲ ኣሉታዊ ህሞታት እንተበዚሑ።
ገለ ተመራመርቲ'ውን ነዚ ሚዛን'ዚ ዝኸውን ቀመር ኣቐሚጦም ኣለዉ።
ክኢላ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዝምድናታት ጆን ጎትማንን ሮበርት ለቨንሰንን ሓደ ግዜ 'ማጂክ ሬሽዮ' ዝበሃል ሓሳብ ምስ ኣቕረቡ ካብ ብዙሓት ተቐባልነት ክረክብ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ርጕእ ዝምድናታት፡ መጻምድቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣሉታዊ ዝምድናታት ኣስታት ሓሙሽተ እወታዊ ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል።
ኣብ መጽናዕቱ፡ እቶም ርክቦም ኣብ ዙርያ እዚ 5:1 ሬሾ ዝንሳፈፍ ዝነበረ መጻምድቲ፡ ብሓባር ናይ ምጽናሕን ሕጕስ ሓዳር ናይ ምምራሕን ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። እቲ ሚዛን ንነፍሲ ወከፍ ኣሉታዊ ምትእስሳር ናብ ሓደ እወታዊ ምትእስሳር እናቐረበ ምስ ከደ፡ ሓደጋ ፍትሕ ኣዝዩ እናወሰኸ ይኸይድ።
እዚ ማለት ሕጽር ብዝበለ፡ እወታዊ ነገርና ካብ ኣሉታዊ ነገርና ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክዛይድ ኣለዎ።
እቲ ጽቡቕ ነገር እዞም እወታዊ ህሞታት ዓበይቲ ፍቕራዊ ምልክታት ክዀኑ ኣየድልዮምን'ዩ።
ንኣሽቱ መዓልታዊ እነዘውትሮም ባህርያት - ንመጻምድትኻ ፍሽኽ ምባል፡ መዓልታዊ ተገዳስነት ምርኣይ፡ ዋዛ ምክፋል ወይ ናእዳ ምቕራብ - ኵሎም ነቲ ሚዛን ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንምምላስ ሓገዝቲ'ዮም።
3. ንካትም ቃል ኪዳን ዝወጽእ ወጻኢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣመሪካ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ መጻምድቲ ንካትም ቃል ኪዳን ብማእከላይ ገምጋም 3000 ዶላር ከምዘውጽኡ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት፡ ስምዒት ዘይህብ ወይ ሓቂ ዘይክመስል ይኽእል'ዩ፤ ግን ብመጽናዕቲ ስለዝተረጋገጸ ክንውሕጦ ጥራይ'ዩ ዘለና።
ኣብቶም ንካትም ቃል ኪዳን ንምግዛእ ካብ 2000 ክሳብ 4000 ዶላር ዘውጽኡ መጻምድቲ ምስቶም ንተመሳሳሊ ዕላማ ካብ 500 ክሳብ 2000 ዶላር ዘውጽኡ ክነጻጸሩ እንከለዉ ናይ ምፍታሕ ዕድሎም ብ1.3 ሚእታዊት ዝዛየደ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ብተመሳሳሊ እዚ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ዝለዓለ ወጻኢታት ዝገብሩ [ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር] መጻምድቲ ናይ ምፍታሕ ዕድሎም ዝልዓለ'ዩ ይብል።
ብርግጽ፡ እቲ ምኽባር ዋጋ ኣይኮነን ብቐጥታ ጠንቂ ምፍራስ ሓዳር ዝኸውን ዘሎ።
ቪዘርማን፡ "እቲ ቀንዲ ነገር ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ'ዮም ንካትም ኣውጺኦም ዝብል ኣይኰነን፣ ኣብ ቅድሚት ዝመጽእ፡ መጻምድቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፈለማ ርክባቶም ብዛዕባ ሕጸ ይዛተዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ፡ ክቡር ቀለቤት ንሓደ መጻምድቲ እወ ንኽብል ጸቕጢ ንምግባር ክጥቀሙሉ ይኽእሉ። በዚ መንጽር እዚ ከምዚ ዓይነት ወጻኢታት ናብ መሰረታዊ ዘይውሕስነት ከቃልዕ ይኽእል።"
ብኻልእ ኣዘራርባ ክቡር ቀለቤት ወይ ብዙሕ ወጻኢታት ዝተገበረሉ መርዓ ናብ ፍትሕ'ዩ ዘምርሕ ኢልና ክንድምድም ኣይግቡእን'ዩ።
ዓቢ ወጻኢታት ምግባር ግን ሓሓሊፉ ነቓዓት እንተጸኒሑካ ነቲ ዝነበረካ ነቓዕ ብምግፋሕ ናብ ዘይምርድዳእ ከምርሓኻ ይኽእል'ዩ።
እቲ ዝገርም ግን እቲ ኣብ እዋን ሕጽኖት ዝተፈለየ ውጽኢት'ዩ ተመዝጊብዎ።
ዝወጽአ ወጻኢታት ብዘየገድስ፡ እቶም ኣብ እዋን ሕጽኖቶም ናይ ምዝዋር መደባት ዝሰርዑ ምስቶም ኣብ እዋን ሕጽነቶም ፈጺሞም ዘይተዛወሩ ክነጻጸሩ እንከለዉ ዝተሓተ ናይ ምፍታሕ ዕደል ከምዘለዎም'ዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።
4. ዓቐኑ ዝሓለፈ ስምዒታዊ ዘይርጉእነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣንጻራውያን ነገራትን ንሓድሕዶም ይሰሓሓቡ'ዮም፤ ወይ ከምኡ'ዩ ዝብሃል።
ክኢላትት ስነኣእምሮ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዝምድናታት ከጽንዑ ከለዉ ግን፡ ሰፊሕ ናይ ስብእና ፍልልያት ብዘገርም መልክዑ ውሑድ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ይረአ።
መጻምድቲ ይመሳሰሉ ኣይመስሉን ብዘየገድስ፡ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ሓሳብ ናይ ምቕባል ዓቕሚ እንተኣማዕቢሎም፤ እምነት፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ካልእን ዝፈላልዮም ነገራት ዋላ ይሃሉ ብሓባር ክነብሩ ኣይጽገሙን'ዮም።
ቪዘርማን ነዚ ከረድእ እንከሎ "ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ንፍትሕ ርኡይ ኣበርክቶ የብሉን፡ እቶም ፍልልያት ብሓቂ ዘይቃደዉ እንተዝዀኑ፡ እቲ ዝምድና ምናልባት ካብ መጀመርታ ናብ ሓዳር ኣይምሰገረን።" ይብል
እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት ናብ ፍትሕ ከምርሓና ዝኽእል ሓደ ባህሪ ኣሎ፡ ዓቐኑ ዝሓለፈ ስምዒታዊ ዘይርጉኡነት ወይ [High levels of neuroticism]።
ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ፡ ኒውሮቲሲዝም ማለት ከም ጭንቀት፡ ሕርቃን፡ ጓሂ ወይ ስምዒታዊ ዘይምርግጋእ ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ናይ ምግጣም ዝንባለ'ዩ ዘመልክት ይብሉ።
ሕጂ ድማ ሓያሎ መጽናዕትታት ዝለዓለ ደረጃ ኒውሮቲሲዝም ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ፍትሕ ከምዘተኣሳስርዎ ይሕብሩ።
ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ኣብ ጀርመን ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መጽናዕቲ፡ ኒውሮቲሲዝም - ምስ ኣብ እዋን ግጭት ዝፍጠር ጽልኢ - ሓደ ካብቲ ብሓባር ዝጸንሑ መጻምድቲ ዝፈልዮም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
ስለምንታይ እዚ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ዝብል ልዑል ኒውሮቲሲዝም ዘለዎም ሰባት፡ ንግርጭት ብቐሊሉ ክርድእዎ፡ ንነቐፌታ ዝያዳ ሓያል ምላሽ ይህቡን ኣብ እዋን ዘይምርድዳእ ዝያዳ ስምዒታዊ ጸቕጢ የጋጥሞምን። ምስ ግዜ እቲ ቀጻሊ ስምዒታዊ ዕግርግር ቀስ ብቐስ ንዝምድና ከዳኽሞ ይኽእል እዩ።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ፍልልያት ስብእና ንባዕሉ ሳሕቲ እዩ ንጸገም ዘቃልዓና። ዘይተገርሐ ቀጻሊ ጭንቀት፡ ቁጥዐ ወይ ጽልኢ ግን ናብ ፍትሕ ከምርሓና ዓቢ ተኽእሎ'ዩ ዘሎ።
5. ዘይምዕሩይ ምቅሊት ዕዮ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕዮ ገዛ ንገሊኦም ንእሽቶ ክመስሎም ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ኣብ ዘመናዊ ዝምድናታት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መስመራት ጌጋ'ዩ።
ሓደ መጽናዕቲ ቤት ትምህርቲ ሃርቫርድ ቢዝነስ ክሳብ 25 ሚእታዊት ካብቶም ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ዕዮ ገዛ ብዝተፈጥረ ክትዕ ከም ዝፈላለዩ ከይተረፈ ይሕብር።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደንቨር ፕሮፌሰር መጽናዕቲን ደራሲት 'ፋይቲን ፎር ዮር ማርያጅን' ዶክተር ጋሌና ሮድስ፡ "ኣብ ገዛ ዝግበር ኣበርክቶ ልሙድ መበገሲ ክትዕ እዩ፤ እዚ ድማ ርኡይ ግርጭት ከስዕብ ይኽእል፣ መን'ዩ ነቲ ጕዕዞ ዝውድቦ፡ ንቈልዑ ዘመሓድር፡ መዓልታዊ ህይወት ዝውጥን? እዞም ጉዳያት ደጋጊሞም ይለዓሉ፡ ኣብ ርክብ ድማ ብዙሕ ጸቕጢ ከስዕቡ ይኽእሉ፡" ትብል።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዓቢ ትንታነ ንጹር ሰንሰለታዊ ግብረ-መልሲ'ዩ ተረኺብዎ።
ምክፍፋል ስራሕ ዘይፍትሓዊ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ፡ ቂምታ ይሃንጽ። እቲ ቂምታ እቲ ንቐጻሊ ግርጭት ነዳዲ ኰይኑ የገልግል።
እዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ሓደ መጻምድቲ ብስምዒት ካብቲ ሓዳር ንኽእለ ክድርኾ ይኽእል፤ እዚ ብመቓን ግዜ ክንርእዮ እንከለና ናይ ምፍታሕ ተኽእሎና ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብ42 ሚእታዊት ናይ ምውሳኽ ተኽእሎ ይህልዎ።
እዚ ዘሕዝን ከኣ ኣብ መብዛሕትኡ ሓዳር እቲ ጾር ምሕደራ ሓዳር ኣብ እንገድዓ ደቀንስትዮ'ዩ ዝሽከም።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሰብ ሓዳር ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ደቀንስትዮ ኣብ ሰሙን ኣብ ዕዮ ገዛ 17.7 ሰዓታት ክሰርሓ እንከለዋ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ኣብ ሰሙን 11.2 ሰዓታት ጥራይ'ዮም ኣብ ዕዮ ገዛ ዝሕግዙ።
ኣብዚ ዋላ ብመንጽር ሓሳብ ናይ ሓዳር'ውን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ 70 ሚእታዊት ከም ዝስከመኦ እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ የረድእ።
ስለዚ እዚ ሚዛን እዚ ምዕሩይ ንክኸውን እቶም መጻምድቲ ብሃናጺ ኣገባብ ዘተ ብኽፉት ክዘራረብሉ ኣለዎም።
እቶም ኣብ ዕዮ ገዛ ምዕሩይ ምክፍፋል ዝገብሩ መጻምድቲ፡ ምስቶም ዘይገብሩ ክነጻጸሩ እንከለዉ ኣብ ወርሒ ኣስታት 6.8 ዕጽፉ ጾታዊ ርክብ ከምዝገብሩ የረድእ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተገበረ መጽናዕቲ'ውን ኣብ ዕዩ ገዛ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ሰዓት ንበዓልቲ ቤት ዝሕግዝ መጻምድቲ፡ ብዓልቲ ቤቱ ናብ ጸቕጢ ናይ ምቕላዕ ተኽእሎኣ ብ12 ምኢታዊት ክንኪ ከምዝሕግዝ የረጋግጽ።
እቲ ዝገርም፡ ዝያዳ ዕዮ ገዛ ዝሰርሑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ውሑድ ድኻም ጥራይ ከምዝስማምዖ'ዮም ዝሕብሩ።
እቲ ዝዓበየ ረብሓ ከኣ ኣብ ዕዮ ገዛ ብሓባር ኣብ ዝዓይሉ፡ ሓድነቶም ይድልድል፡ ኣብ ርክቦም ዝያዳ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወፍሪ ስለዝገብሩ ናብ ፍትሕ ናይ ምምራሕ ዕድሎም ኣዝዩ ዝውሓደ ከምዝኸውን እቲ መጽናዕቲ የረድእ።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ጽሬት ክሽነ ምሕላው ጽሩይ ገዛ ንኽህልወካ ጥራይ ኣይኰነን ዝሕግዝ፡ ሕጉስን ቀጻልነት ዘለዎን ሓዳር ንኽትሃንጽ'ውን ኣዝዩ ዘገርም ውጽኢት'ዩ ዘለዎ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
