እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
የመን፡ ምብጻሕ ቢቢሲ ናብ ቅድመ ግንባር ከተማ ታዕዝ
እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን ዘሰንየና ዝነበረ ወተሃደር "እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ድሮን'ያ፣ እዚኣ ድሕሪ ምምጻኣ መብዛሕትኡ ግዜ ደብዳብ'ዩ ዝስዕብ" በለና።
ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ደብዳብ ነብስና ንምክልኻል ኣብ ሓደ ጣሻ ምስ ተሓባእና ብድሕሬና ዝቕጽል ዝነበረ ደብዳብ ክጽዕጽዕ ጀሚሩ። ህድእ ምስ በለ ከኣ ካብቲ ዝተሓባእናሉ ወጺእና ናብ መኪና ተሰቐልና።
ድሕሪ 10 ደቃይቕ ኣበይ ይዓልብ ምህላዉ'ኳ እንተዘይተረድኣና እቲ ደብዳብ ይቕጽል ነይሩ።
ካብ ከተማ ታዕዝ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ጎቦታት ኣየናይ'ዩ እቲ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ክትፈልጦ ኣሸጋሪ'ዩ።
ኣብቲ ከባቢ ብስዑድያ ዝድገፉ ወተሃደራት መንግስቲ የመን፡ ንዕጡቓት ሑቲ ካብቲ ከባቢ ንምድፋእ ኣብ ከቢድ ውግእ'ዮም ዘለዉ።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንገማግም ቀይሕ ባሕርን ቀንዲ ማሕንቖ መስመር መራኽብን ድሕሪ ምቍጽጻሮም ኲናት ሓድሕድ የመን ኣዝዩ'ዩ ጕሂሩ።
እቲ ኲናት እንታይ ከምዝመስል ቀሪብና ንምዕዛብ ምስ ሰራዊት መንግስቲ የመን ብምዃን ካብ ከተማ ታዕዝ ተበጊስና ሓያለ ተፍትሽ ብምሕላፍ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ንሶም ዝቈጻጸርዎ ቦታ በጺሕና።
ብድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ሰራዊት መንግስቲ የመን፡ ክልቲኦም ዘይቈጻጸርዎ ጃላ መሬት'ዩ ዘሎ።
ኣብቲ ከባቢ፡ እቲ ገዛውቲ ኣብ ሰልፈ ሰልፊ ጎቦታት ፋሕ ኢሉ ዝተሰርሐ'ዩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ገዛኦም ስለዝሃደሙ ግን ተወር ዝብል ሰብ የብሉን።
ድምጺ መኪና ይዅን ሞተር ሳይክል ዘይትሰምዓሉ ጸጥ ዝበለ ቦታ'ዩ።
ኣብቲ ቦታ ድምጺ ናይተን ዋናታተን ሓዲጎሙወን ዝሃደሙ ጥሪትን ምልውዋጥ ተዅስን ጥራይ'ዩ ዝስማዕ።
ናብቲ ቀንዲ ድፋዕ ክንበጽሕ ሓደ ኪሎሜተር ዝኸውን ምስ ተረፈና ኣብ ኣፍገደ ገዛኡ ምስ ኣጣሉ ዝረኸብናዮ ዓሊ "ክልተ ሞርታር ኣብዚ ቦታይ ዓሊቡ" ኢሉና።
ዓሊ ደቁ ነቲ ዝነበረ ደብዳብ ክጻወርዎ ስለይከኣሉ ናብቲ መዕቈቢ መዓስከር ከምዝሰደዶም ብምገላጽ፡ ነተን ዘለዋኦም ጥሪት ንምክትታል ንሱ፡ ብዓልቲ ቤቱን ኣሕዋቱን ከምዝተረፉ ሓቢሩና።
"ኣዝየ'የ ፈሪሐ ዘለኹ፣ ግን ከኣ ኣማራጺ የብለይን፡ እዘን ኣጣል እንተዘይሃልየን ብጥምየት ክንመውት ኢና።"
ዓሊ፡ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ቦታ እንተ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ህይወቱ ክወርዶ ዝኽእል ሓደጋ ብምስጋእ ሽም ኣቦኡ ክንጥቀም ኣይደለየን።
ካብ ሑቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ'ውን ዝሰፍሐ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሰራዊቶም ይውድቡን ሓደስቲ ሰራዊት ይኸትቡን ምህላዎም'ዩ።
ብዛዕባ ምድላው ሑቲ ንሰራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ዝሓተትናሉ'ውን፡ ሑቲ ይወዳደቡን ሓደስቲ ሰራዊት ይምልምሉን ምህላዎም ፈሊጦም ንሶም'ውን ይዳለዉ ምህላዎም'ዮም ገሊጾምልና።
ናብቲ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ቅድሚ ምብጻሕና ኣብ ዘሎ ናይ መወዳእታ ተፍትሽ፡ ኣብ ቅድሚ ግንባር ካብቲ ዕጡቓት ሑቲ ተቘጻጺሮምዎ ዘለዉ ቦታ ውሑዳት ሜትሮታን ርሒቖም ዝነበሩ ሰራዊት ረኺብና።
ሓደ ካብኦም በቲ ኣሃዱኦም ዝነበረቶ ቦታ ሬሳ ናይ 18 ወተሃደራት ከምዝነበረ እንተዀነ ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ከምዘይክኣሉ ገሊጹልና።
"ንዋጋእ ነይርና ናብቲ እቲ ሬሳታት ዝነበሮ ቦታ ግን ክንበጽሕ ኣይክኣልናን" ይብል።
ዕጡቓት ሑቲ ነታ ካብ ታዕዝ ንሸነኽ ምዕራብ 85 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሞካ ብ10 መስከረም ካብ ዝቈጻጸርዋ፡ እቲ ኲናት ኣብ ከተማ ታዕዝ ኣዝዩ'ዩ ጻዕጺዑ።
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ብዓቢኡ ከኣ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ ባብኤል መንደብ ክቈጻጸርዎ ክኢሎም ኣለዉ።
እቲ ጸቢብ መስመር ኣብ ኢድ ዕጡቓት ሑቲ ብምውዳቑ፡ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ሓደጋ ከውርዱ ስለዝኽእሉ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
ከተማ ታዕዝ ኣብ የመን ብስፍሓታ ኣብ ሳልሳይ'ያ ትስራዕ፤ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ከኣ ኣለዉዋ፡ ብዓቢኡ ከኣ ርእሰ ከተማ ባህሊ እታ ሃገር'ውን እያ።
ልክዕ ኣብ ሞንጎ እቶም ንሰሜን የመን ዝቈጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲን ንደቡባዊ ሸነኽ የመን ዝቈጻጸሩ ሰራዊት መንግስትን ድማ ትርከብ።
ኵሉ እቲ ከባቢኣ ከኣ ቀንዲ ግንባር ናይቲ ኲናት'ዩ ኰይኑ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን ሰራዊት መንግስቲ የመን ንማእከል እታ ከተማ ክቈጻጸራ እንከሎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ከኣ ነታ ከተማ ብሸነኽ ሰሜንን ምብራቕን ሒዞምዋ ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ብምዕራባዊ ሸነኽ እታ ከተማ'ዩ ሓያል ኲናት ዝካየድ ዘሎ፡ እዚ መስመር እዚ ንኽልቲኦም ኣገዳሲ'ዩ፤ እዚ መስመር ዕጡቓት ሑቲ እንተ ተቘጻጺሮምዎ ሰራዊት መንግስቲ የመን ንከተማ ሞካ ካብ ኢድ ሑቲ ክምንዝዕዋ ከጸግሞም'ዩ።
ካብቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ የመን ዝርከበላ ከተማ ዓደን ተበጊስና ኢና ናብ ከተማ ታዕዝ በጺሕና።
ካብ ዓደን ተበጊስና ክሳብ ታዕዝ ንበጽሕ ከኣ ኣስታት 30 ዝኸውን ናይ ተፍትሽ ቦታታት ሓሊፍና።
ናብታ ከተማ ኣብ ዝቐረብናሉ፡ ሓያለ ኣምቡላንስ ኣንጻር ናይቲ ንኸዶ ዝነበርና ኣንፈት ይሓልፋና ነይረን።
ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ከኣ ሓሙሽተ ዝዀና ኣምቡላንስ ሓሊፈናና።
እዚ ናብቲ ቀንዲ ኲናት ዝካየደሉ መስመር ንቐርብ ከምዘለና ዘርኢ'ዩ።
ጸላም ምስ ኮነ ኢና ናብታ ከተማ ኣቲና።
ድኳናት ዅሉ ተኸፊቱ፡ ኣብያተ መግቢ ብሰብ ቅጽጽ ኢለን፡ ኣብ ጽርግያ ዝጻወቱ ቈልዑ'ውን ሓያለ ነይሮም።
ነዊሕ ከይጸናሕና ግን ኣብቲ ወሰን እታ ከተማ ዝርከብ ዓበይቲ ጎቦታት ሓያል ደብዳብን ምልውዋጥ ናይ ተዅስን ክንሰምዕ ጀሚርና።
ከተማ ታዕዝ ኲናት ሓድሕድ የመን ካብ ዝጅመር ፈጺሙ ኲናት ኣይተጋደፋን።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ 2015 ንመንግስቲ የመን ካብ ዓደን ምስ ኣለይዎ፡ ንከተማ ታዕዝ ንምሓዝ'ውን ሓያል ምርብራብ'ዮም ኣካይዶም። በቶም ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ዝርከቡ ምሊሻታት እናተደፍኡ ግን ነታ ከተማ ክሕዝዋ ኣይክኣሉን።
ሑቲ ኣብዚ እዋን ነታ ከተማ ንምሓዝ ማዕረ-ማዕረ ከበድቲ ብረት ደብዳብ ድሮን'ውን ይጥቀሙ ኣለዉ።
እታ ቀንዲ ነዘን ድሮናት እተቕርበሎም ሃገር ኢራን'ያ።
ኢራን ንሑቲ ድሮናት ዝርከቦ ወተሃደራዊ ንዋት ተዕጥቘም፣ ትምውሎም ወተሃደራውያን ኣማኸርቲ'ውን ከም እተዋፍረሎም ስዑድያ፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ክኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ይሕብሩ።
ኢራን ግን ንሑቲ ብዘይካ ፖለቲካዊ ደገፋት ዝዀነ ናይ ኣጽዋር ሓገዛት ከምዘይትገብረሎም'ያ ደጋጊማ እትገልጽ።
ሑቲ ትሕቲ ዕድም ህጻናት ብረት ከምእተዕጥቕ ብዙሕ ግዜ ጸብጻባት ይወጽእ'ዩ፡ ሰራዊት መንግስቲ የመን'ውን ነዚ'ዮም ዘረጋግጽ፡ ኣብቲ ኲናት ምስ ሑቲ ዝተሰለፉ ህጻናት ከምዘለዉ'ዮም ሓቢሮምና።
ሓደ ካብ ሰራዊት መንግስቲ የመን "ንሓደ የመናዊ ህጻን እናርኣኻ ናብኡ ገጽካ ብረት ክትትኵስ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ እንተኾነ ንሶም ናባኻ ገጾም ይትኵሱ ስለዘለዉ ነብስኻ ክትከላኸል ናይ ግድን'ዩ" ይብል።
ሑቲ ኣብ 2022 ህጻናት ንዘይምዕጣቕ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተፈራሪሙ ነይሩ'ዩ።
ምስ ሰራዊት መንግስቲ የመን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኵትትና ዝርከቡ ብረት ዝዓጠቑ ከምዘለዉ ንዐኦም ብምዝርራብ ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ።
ብስዑድያ ዝምራሕ ጥምረት'ውን ንሰራዊት መንግስቲ የመን ወተሃደራዊ ንዋት የቕርበሎም'ዩ።
ሰራዊት ስዑድያ ኣብ ገማገም ቀይሕ ባሕሪ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝቈጻጸርዎ ከባቢ ኣማኢት ደብዳባት ናይ ነፈርቲ ኣካይዱ'ዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ስዑድያ ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ትሕተ ቅርጽን ናይ ድሮንን ሚሳይልን ደብዳባት ኣካይዶም'ዮም።
ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ኣብ ከተማ ታዕዝ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል ታውራ ካብ ግንባር ብዝመጽኡ ውጉኣት ምልእ ኢሉ ይርአ።
ገለ ካብቶም ውጉኣት ዕጡቓት'ዮም ሰለማውያን ሰባት'ውን ነይሮም'ዮም።
ጓል 12 ዓመት ጋና ናቦል ኣጣል እናሓለወት እንከላ'ዩ ጅላድ ናይ ሞርታር ኣብ ርእሳ ኣትይዋ።
ስድራኣ፡ ኣብ ከባቦ እቲ ንሳ ኣጣል ትሕልወሉ ዝነበረት ቦታ ሑቲ ዝተኰስዎ ሞርታር ከምዝዓለበ'ዮም ዝገልጹ።
ርእሳ ብባንዴጅ ተጠቕሊሉ ገጻ ተለሓሒጹን ኣዝዩ ሓቢጡን ውነኣ ኣብ ዘይትፈልጠሉ'ያ ነይራ።
ስድራኣ ኣብ ርእሲ ዓራታ ኮይኖም እንተ ተበራበረት'ዮም ዝሕልውዋ ነይሮም።
ዶክተር እቲ ማህረምቲ ኣብ ሓንጎላ መጕዳእቲ ስለዘውረደላ "ፈጺማ ከምቲ ዝነበረቶ ክትከውን ኣይትክእል'ያ" ኢሉና።
ካብ ከተማ ታዕዝ ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 20 ኪሎሜተር ምስ ተጓዒዝካ ካብ ከተማ ሞካን ካልኦት ብኵናት ዝተጠቕዓ ዓድታታን ዝተፈናቐሉ ዝተዓቐቡሉ ኣል ሞኒግ ዝብሃል መዓስከር ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ 200 ስድራ ቤታት ናብቲ መዓስከር ከምዝኣተዉ ሓበሬታ ተዋሂብና።
ሽማ ሚርያም ሳልሕ ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝመረጸት [ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን] ምስ ሰብኣያን ሓሙሽተ ደቃን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ ሞካ ሃዲማ ናብ ኣል ሞኒግ ከምዝኣተወት ገሊጻትልና።
እቲ ዝነኣሰ ወዳ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት'ዩ።
ሚርያም ነዛ ድራር እለቶም እንተረኸበት ኣብ ወሰን ጽርግያ ኮይና ማእለማ እንኣለመት ክትሸይጥ ትፍትን ኣላ።
"ብእግርና ኢና ወጺእና፡ ካብ ገዛና ብጀካ ነዞም ደቕና ዋላ ሓንቲ ከይሓዝና ኢና ወጺእና" ትብል።
እናሃደሙ እንከለዉ ደድሕሪኣ ዝኸይድ ዝነበረ ወዲ ሓዋ ብእስኩጆ ተሃሪሙ ኣብ መንገዲ ከምዝሞተ ትሕብር።
ካብ ከተማ ሞካ ናብ ታይዝ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን እቲ ኲናት ብቅድሚኦምን ብድሕሪኦምን ይካየድ ምንባሩ ሚርያም ትግልጽ።
ኣብ የማነ ጸጋሞም ዝነበረ ጎቦታት ዕጡቓት ይዕዘቡ ምንባሮምን ደቃ ብፍርሒ ይበኽዩ ምንባሮምን ብምዝካር "በቃ ተወዲእና ኢና ኣብቂዕልና'ዩ ኢልና ነይርና" ብምባል ጕዕዞኦም ደው ስለዘየበሉ ግን ናብቲ መዓስከር ክበጽሑ ክኢሎም።
ፋጡማ መሓመድ ሳልሕ ኣብ ኢዳ ጥራዩ ናይ ሩዝ መሸማዕ ሒዛ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ቴንዳ'ያ ጸኒሓትና።
ስንክልና ስለዘለዋ ክትጓዓዝ ኣይትኽእል'ያ።
ፋጡማ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ዋላ ሓንቲ የብለይን፣ መጽለሊ የብለይን፣ ፍርናሽ የብለይን፣ ስደራ የብለይን ናብ ዝኸዶ የብለይን" ትብል።
ፋጡማ እቲ ኲናት ናብ ዓዶም ቅድሚ ምቕራቡ ምስ ክልተ ደቃን ደቂ ደቃን'ያ ትነብር ነይራ።
ደቃን ደቂ ደቃን ብህይወት ንኽወጽኡ ድሓን ገዲፍኩሙኒ ኪዱ ህደሙ ከምዝበለቶም ከኣ ትሕብር።
ንኽልተ መዓልታት ብኢዳን ብብርካን እናተጓዓዘት ከኣ ካብቲ ቦታ ርሒቓ።
"ብየማን ጸጋመይ ጠያይት እናሓለፈ ከበድቲ ብረት ኣብ ጥቓይ እናዓለብ ድምጺ ብረት ከም ነጎዳ እናኣሰንበደኒ እናተንፋሓኹ ናብ ኣምላኸይ እናጸለኹ ሓሊፈዮ።"
ብድሕሪኡ ሓደ ሞተር ብሽክለታ ዝሓዘ ሰብ ርእይዋ ናብቲ መዓስከር ከም ዝወሰዳ ትዛረብ፣ ካብ ሽዑ ጀሚራ ስድራኣ ኣይረኣየትን። ኣበይ ከምዘለዉ'ውን ኣይትፈልጥን'ያ።
ብ22 መስከረም፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ወርሒ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ የመን ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ድሮ ብሰንኪ እቲ ኲናት ሓድሕድ የመን ካብ ዝጅምር ዝተፈናቐለ 5.2 ሚልዮን ዝድመር'ዩ።
ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ'ውን ልክዕ ከም ፋጡማ ተወሰኽቲ 100 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ክግደዱ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።