ኣብ ርያድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 300 ተሃሪሞም

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ትማሊ ምሸት ኣብ ርያድ ርእሰ ከተማ ስዑድያ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ምማቶምን 309 ሰባት ፎኲስን ከቢድን ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሰብ መዚ ስዑድያ ኣፍሊጦም።

ካብቶም ዝሞቱ እቶም ኣርባዕተ ዜጋታት ስዑድያ፡ ክልተ ካብ ባንግላድሽ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሓደ ኣመሪካዊ፡ ሓደ ዜጋ ዮርዳኖስ፡ ሓደ ፍሊስጤማዊ፡ ሓደ ሶርያዊ፡ ሓደ ሱዳናውን ሓደ ግብጻውን'ውን ካብቶም ዝሞቱ'ዮም።

ሰብ መዚ ሲቪል ኣቬሽን ስዑድያ ንጥፈታት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ምሉእ ንምሉእ ደው ኢሉ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

ሰብ መዚ ስዑድያ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ከምዝፈጸምዎ ብምግላጽ፡ ሕነ ክፈድዩ ምዃኖም ሓቢሮም።

ዕጡቓት ሑቱ ብወገኖም ናይዚ ዳሕራዋይ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም'ኳ ዝበልዎ እንተዘይሃለወ፡ ነቲ ብሓሙስ ኣብ ተመሳሳሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመን ሰለስተ ሰባት ዝቐተለን ሓንቲ ነፋሪት ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ዝገበረን መጥቃዕቲ ግን ንሶም ከም ዝፈጸምዎ ሓቢሮም ነይሮም'ዮም።

ብ6 ከምኡ 7 ጥቅምቲ'ቀውን ቲ ኣብ ክልተ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑድያ ብዝፈጸምዎ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም'ዮም።

እቲ ትማሊ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ድሕሪ ግንቦት 2015 እቲ ዝኸፈአን ዝያዳ ሞት ዘስዓበን ተባሂሉ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብ የመን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሑቲን ኣብ ሞንጎ እቶም ብመንግስቲ ስዑድያ ዝድገፉ ሰራዊት መንግስትን ዝካየድ ኵናት ኣዝዩ'ዩ ጕሂሩ ዘሎ።

ትማሊ ቀዳም ብጀካ እቲ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝተፈጸመ መጥቃዕረቲ ኣብ ጥቃ እታ ኣብ ምብራቕ ስዑድያ እትርከብ ከተማ ዳማም ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ፍሃድ'ውን ከቢድ ብረት ምዕላቡ ሰብ መዚ ስዑድያ ሓቢሮም።

ሰብ መዚ ሲቪል ኣቬሽን ስዑድያ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካብቶም ትማሊ ዝተሃረሙ ሰባት እቶም ገሊኦም ማህረምቶም 'ኣዝዩ ከቢድ' ምዃኑ ብምግላጾም ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል'ዩ ዝግመት።

እቲ መግልጺ ብምስዓብ እቲ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝበጽሐ ዕንወት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ይምርመር ምህላዉ ኣፍሊጦም።

ሓደ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሓበሮ፡ ንሱ ኣብ ማዕጺ 401 በረራ ይጽበ ምንባሩ ብምሕባር ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ "ብዙሓት ዝተሃረሙ ብዓይነይ ርእየ፡ ኩሉ ሰብ ይሃድም'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

እዚ ናይ ዓይኒ ምስክር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀና ኣምቡላንስ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዋ ምርኣዩ ገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ናይቲ ብስድያ ዝምራሕ ጥምረት ሜጀር ጀነራል ቱርኪ ኣል ማሊኪ፡ እቲ ኣብ ሓደ ካብ 'ተርሚናላት' ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ገያሾን ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርትን ሞት ከምዘስዓበ'ዩ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ናይ ኵናት ገበን" ብምባል ገሊጽዎ።

ጸሓፊ ጉደያት ኣመሪካ ማርከ ርብዮ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ካብቶም በቲ ደብዳብ ዝተቐተሉ ሓደ ዜጋ ኣመሪካ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ ጋዜጠኛታት ንትራምፕ 'ሕጂከ ኣመሪካ ኣብ ጎኒ ስዑድያ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ደብዳብ ናይ ምፍጻም መደብ ኣለዋ ድዩ?' ኢሎም ሕቶ ምስ ኣቕረብሉ "ምናልባት እወ፡ ነዚ ነገር ክንዕዘቦ ኢና፡ ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ ሕጂ ኢና ንፈልጥ ዘለና፡ ስለዚ ክንውስን ኢና፡ ቀልጢፍና ክንውስን ኢና" ኢሉ።

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ በቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፊ ነፈርቲ ስዑያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታ ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ብምሕባር፡ እቲ መጥቃዕቲ "ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ'ዩ" ብምባል ብቅጽበት ደው ክብል ጸዊዑ።

እቲ መጥቃዕቲ ብሃገራት ግብጺ፡ ቀጠርን ፍሊስጤምን'ውን ተዀኒኑ ኣሎ።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ስዑድያ ንሰራዊት መንግስቲ የመን ትሕግዝ'ያ ብምባል'ዮም ኣብ ልዕሊኣ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታ ዝፍጽሙ ዘለዉ።

ኣብ የመን ዕጡቓት ሑቲ ንከም መጻብቦ ባብኤል መንደብን ወደባዊት ከተማ ሞካን ዝርከቦ ንዝበዝሐ ስትራተጅያዊ ከባቢታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ኵናት ሓደሕድ የመን ብዝያዳ ዝጽዕጽዕ ዘሎ።

ሰራዊት መንግስቲ የመን ድሕሪ ዝወሰድዎ ግበረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ ንመጻብቦ ባብኤል መንደብ ከምዝተቆጻጸርዎ'ዮም ዝሕብሩ።

ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ዓለምለኻዊ ኣፍለጦን ተቐባልነትን ዘለዎ መንግስቲ የመን ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ምስ ደፍእዎ'ዩ ብስዑድያ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ 2015 ተመስሪቱ።

ኣብ 2022 ኣብ ኣብ ሞንጎ እቲ ጥምረትን ዕጡቓት ሑቲን ስምምዕ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶዅሲ'ኳ ተኻይዱ እንተነበረ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀመሩ ፈሪሱ'ዩ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት መርከብ ስዑድያ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙ ድሕሪ ምግላጾም ኣብ ልዕሊ መዓርፊ ነፈርትን መደበራት ነዳድን ስዑድያ ናይ ድሮንን ሚሳኤልን መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ተራእዮም'ዮም።

እዚ ከኣ ነቲ ንዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ እትርከብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ መዓርፎ ነፈርታ ክፍጸም ዝጸንሐ ደብዳባት ስዑድያ ሕነ ንኽፈድዩ ይፍጽምዎ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ።