ውጥረት መጻብቦ ሆርሙዝን ሳዕቤኑን፡ ኣብ ገማግም ኢራን ዝተፈጥረ ከቢድ ብከላ ነዳዲ

ዝተረጋገጹ ተንቀሳቃሲ ምስልታት (ቪድዮታት)፡ ኣብ ገማግም ደሴት ቀሽም ኢራን፡ ብዝሒ ምፍሳስ ነዳዲ ይረአ ከም ዘሎ የርእዩ።
እዚ ብከላ'ዚ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈጸማ መርከብ ዝመንጨወ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
'ቢቢሲ ቨሪፋይ'፡ እቲ ብከላ ነዳዲ ብ3 ነሓሰ ኣብ ማያት ዖማን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ምዃኑ ዘመልክት ኣሳእል ሳተላይት መርሚሩ።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ካብታ 'ሚኖኣን ፓይነር' ዝተባህለት ጽዕነት እተመላልስ መርከብ ዝፈሰሰ ነዳዲ፡ ኣብ ሰፊሕ ክፋል እቲ መጻብቦ ተዘርጊሑ ይርከብ።
ክኢላታት ከባቢ ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ምፍሳስ ነዳዲ ነቲ ኣብ ዙርያ ቀሽም ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ህይወት፡ ንጥንቁቕ ኣከባቢያዊ ስርዓታትን ንከባቢታት ገፈፍቲ ዓሳን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።
እታ ደሴት፡ መሓድሮ ኣግራብ ማንግሮቭ፡ ናይ ኮራል ደሴታትን ኣዝዮም ዝውሕዱ ዘለዉ ዓሌት ጎብየን ዝርከቡሉ ቦታ እያ።
መራኸቢ ብዙሓን ኢራን ፈለማ ምንጪ እቲ ብከላ ይምርመር ከም ዘሎ ክገልጻ ጸኒሐን። ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምንጪ እቲ ብከላ "ናይ ወጻኢ ጽዕነት መርከብ" ምዃና ገሊጹ።
ሓደ ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ምክልኻል ከባቢ ድማ እቲ ዝፈሰሰ ነዳዲ "ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተጸሪጉ እዩ፡" እኳ እንተ በለ፡ ቢቢሲ ግን ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ኢራን፡ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት እኳ እንተ ዘይወሰደት፡ ተንተንቲ መጓዓዝያ ባሕሪ ግን እቲ ብ3 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ 'ሚኖኣን ፓይነር' ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኢራን ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ካብ መወዳእታ ለካቲት ኣትሒዙ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ ንነጀው፡ ካብ ትካል መረዳእታ መጓዓዝያ ባሕሪ 'ክለፕለር' ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መጻብቦ ኣብ ልዕሊ መራኽብ 67 መጥቃዕቲታት ተፈጺሙ ኣሎ።
ቴህራን ነቲ ሓደ-ሕምሲት ናይ ዓለም ንግዲ ነዳድን ጋዝን ዝሓልፎ መስመር ባሕሪ ብጭቡጥ ዓጽያቶ ትርከብ።
ኣመሪካ'ውን ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ተመሳሳሊ ዕጽዋ ገይራ ብምጽንሓ፡ ብወገን ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑን ብቢቢሲ ዝተረጋገጹን ቪድዮታት፡ ሓፊስ ጸሊም ነዳዲ ኣብ ገማግም ሱዛ፡ ደቡባዊ ቀሽም ክውሕዝ የርእዩ።
ኣብቲ ካልእ ወገን እታ ደሴት ድማ ብዩኔስኮ ከም ዓለማዊ ቅርሲ ዝተመዝገበ 'ሃራ ባዮስፌር' ዝተባህለ ንህይወት ባሕርን ስደተኛታት ኣዕዋፍን ኣገዳሲ ዝዀነ ቦታ ይርከብ።
ቀሽም፡ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ መጻብቦ እትርከብ ስትራተጅያዊት መደበር ሓይልታት ኢራን ኰይና፡ ብኣመሪካ ከቢድ መጥቃዕቲ ክወርዳ ጸኒሑ እዩ። ንኣብነት፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ መራኸቢ ብዙሓን ኢራን ሓቢረን ነይረን።
ብ10 ነሓሰ ዝተላእከ ኣሳእል ሳተላት ከም ዘርእዮ፡ እቲ ብከላ ኣብ ልዕሊ 300 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ስፍሓት ይሽፍን። እዚ ድማ ካብ 40,000 ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ንላዕሊ ዝዓቢ ስፍሓት ማለት እዩ።
ሓላፊ 'ስካይ-ትሩዝ' ጆን ኣሞስ፡ "እዚ ዓቢ ምፍሳስ ነዳዲ እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ዝፈሰሰ ነዳዲ ካብ 380,000 ሊትሮ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።

ምክትታል እቲ ብከላ
ብ3 ነሓሰ፡ ትካል ጸጥታ መጓዓዝያ ባሕሪ 'ቫንጋርድ'፡ እታ ባንዴራ ላይበርያ ዘንበልበለት 'ሚኖኣን ፓይነር' ኣብ ጥቓ ዖማን ብተተኳሲ ከም ዝተሃርመት ጸብጺቡ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ዝተላእከ ኣሳእል ሳተላይት፡ እታ መርከብ ገና ትነድድ ከም ዝነበረት የርእዩ።
መስራቲ 'ታንከር-ትራከር' ሳሚር ማዳኒ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ኢራን ባዕላ ኣብ ርእሳ ዘውረደቶ ጕድኣት እዩ" ድሕሪ ምባሉ፡ "ኢራናውያን፡ መራኽብ ነቲ ናይ ዖማን መስመር ክጥቀማ ከለዋ ኣብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም፡" ኢሉ።
እቲ ዝርአ ዘሎ ሒደት መርኣያ ናይቲ ዝዓሞቐ ጸገም እዩ
ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት፡ ኣከባቢያዊ ብከላ የስዕቡ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ንኣብነት፡ ብ4 መጋቢት ኣብ ጥቓ ዖማን 'ሳፊን ፕረስቲጅ' ዝተባህለት መርከብ ምስ ጠሓለት፡ ብከላ ነዳዲ ከም ዘጋጠመ ሕቡራት ሃገራት ጸብጺቡ ነይሩ።
ጆን ኣሞስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ገጽ ባሕሪ ዝርአ ነዳዲ፡ "እቲ ዝርአ ዘሎ ሒደት መርኣያ ናይቲ ዝዓመቀ ጸገም እዩ"። እቲ ሓፊስ ክፋል ነዳዲ ናብ ትሕቲ ባሕሪ ክጥሕል ስለ ዝኽእል፡ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ቦታ ንዓመታት ዝጸንሕ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ።














![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



