ኣመሪካ፡ ኣብታ ንልዕሊ 250 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሐት መርከብ ዘሎ ሕሱም ኵነታት ስክፍታ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓንቲ ንልዕሊ 250 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሐት ናይ ኣመሪካ ነፋሪት ትሽከም መርከብ ዝርከቡ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት፡ ሕጽረት መግቢ፡ ምብልሻው መስመራት ማይን ስርዓተ-ፈሳስን ከምኡ'ውን ብርቱዕ ድኻም የጋጥሞም ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እዚ ኵነታት፡ ሕግታት ዘውጽኡ ኣካላት ኣመሪካ ካብ ምኒስትሪ ምክልኻል (ፔንታጎን) መብርሂ ክሓትቱ ዘገድድ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ ትራምፕ ድማ ብዛዕባ እቲ ምስ ኢራን ተኣሳሲሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ።
ወተሃደራዊ ዜናታት ከም ዝሓበሩዎ፡ ገለ ካብ ኣባላት እታ ዩኤስኤስ ኣብርሃም ሊንከን ዝተባህለት መርከብ፡ ካብታ መርከብ ናብ ባሕሪ ብምጽዳፍ ነብሰ-ቕትለት ንምፍጻም ዝፈተኑ ክህልዉ ከለዉ፡ ስድራቤታት ድማ ብዛዕባ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ደቆም ከቢድ ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ይዅን'ምበር፡ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ብዛዕባ ኵነታት እታ መርከብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ "ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ" ክብል ነጺግዎ።
ምንዋሕ እቲ ጕዕዞን ምስግዳድ ዕማምን
እታ መርከብ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ካብ ካሊፎርንያ ተበጊሳ ናብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ድሕሪ ምቕናዓ፡ ኣብ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምክያዱ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተላኢኻ።
እቲ ኣብ ግንቦት ከብቅዕ ተመዲቡ ዝነበረ ጕዕዞ ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ጸኒሑ እዩ።
ክሳብ ሕጂ እታ መርከብ እትምለሰሉ ዕለት እኳ እንተ ዘይተሓበረ፡ ኣመሪካ ነዛ መርከብ ብዩኤስኤስ ጆርጅ ዋሽንግተን ንምትካእ ትዳሎ ከምዘላ ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ።
ዝርዝር ስክፍታታትን ጥርዓናትን
ወኪል ስቴት ኮነክቲከት ሴነተር ሪቻርድ ብሉመንታል፡ ናብ ሄግሰት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብታ 5,000 ሰባት ዝሓዘት መርከብ ዘሎ ጸገማት ዘርዚሩ።
እዚ ጸገማት'ዚ፡ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት፡ ብከላ ማይ፡ ምብልሻው መስመራት ማይን ስርዓተ-ፈሳስን ከምኡ'ውን ምንቍልቋል ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘጠቓልል እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣሰራርሓ ደብዳበ ብዘጋጠመ ምቍራጽ፡ ካብ ስድራቤት ዝለኣኹ ዝነበሩ ብዙሓት ብጶስጣ ዝለኣኹ ነገራት ንኣዋርሕ ክጠፍኡ ከም ዝጸንሑ ተሓቢሩ።
"እዚ ጸብጻብ ህጹጽ ቈላሕታ ይሓትት፡" ዝበለ እቲ ኣብ ኮሚቴ ዕጥቃዊ ሓይልታት ዘገልግል ደሞክራት ሴነተር፡ "እዚ ኵነታት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነዚ ሕጂ ዝሕተቶ ዘሎ ብርቱዕ ስርሓት ክጻወሮ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ዝዓበየ ሕቶ የልዕል፡" ክብል ገሊጹ።
ተመሳሳሊ ስክፍታ ዘለዎ ሴነተር ሩበን ጋሌጎ ብወገኑ፡ ወተሃደራዊ ኣካላት ንሓደ ጕጅለ ወከልቲ ህዝቢ ናብታ መርከብ ክኸዱን ብዛዕባ እቲ "ኣሰቃቒ ኵነታት" ክምርምሩን ክፈቅድ ጸዊዑ።
ምስክርነት ሕሱም ኵነታት
ቢቢሲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ ወርሒ እዚ ሓደ ባሕረኛ ካብታ መርከብ ናብ ባሕሪ ምስ ወደቐ ብሄሊኮፕተር ተረዲኡ ናብ ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝመሓላለፍ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ፍጻመ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
'ሚሊተሪ ታይምስ' ዝተባህለ መጽሔት ከም ዝሓበሮ፡ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝጸንሕሉ ንውሓት ግዜን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ካብታ መርከብ ናብ ባሕሪ ክጸድፉ ከም ዝሓሰቡ ስድራቤቶም ገሊጾም።
ካብቲ ዝቐረበ ጥርዓናት፡ ኣባላት ሰራዊት ንልዕሊ ሰሙን ክዳውንቶም ክሓጽቡ ከም ዘይከኣሉን ውዑይ መግቢ ከም ዘይረኸቡን ይጥቀስ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ቤተሰብ ሓደ ባሕረኛ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ወተሃደር ካብ ዝዋፈር ጀሚሩ 29 ኪሎ ግራም ቀኒሱ እዩ። እቲ ወተሃደር ኣብ ናይ ዋትስኣፕ መልእኽቱ፡ "ክሳብ ናብ ሞት ዝቐርብ ደኺመ ኣለኹ" ክብል ኵነታቱ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ካብ ሞተር እታ መርከብን ካብ ምዕላብን ምብራርን ነፈርቲ ዝፍጠር ቀጻሊ ረባሺ ድምጽን ምንቅጥቃጥን ዕረፍቲ ከም ዝኸልኦም ገሊጹ።
ወኪል ህዝቢ ካሊፎርንያ ማይክ ሌቪን፡ ኣብታ መርከብ ዘሎ ጸገማት ክገልጽ ከሎ፡ "ዝተበላሸዉ መሕጸቢ ኣካላትን ሽቓቓትን፡ ንሰሙናት ዝተቛረጸ ማሽን ሓጻቢ ክዳን፡ ከምኡ'ውን ፍርቂ ጭልፋ ሩዝን ክልተ ባኒን ዝቐረበሉ ግዜ ነይሩ። ሳምና፡ መጥፍኢ ጨና ወይ ናይ ስኒ ሳምና እኳ ኣይነበረን፡" ኢሉ።
ምላሽ ሓይሊ ባሕርን ምኒስትሪ ምክልኻልን
ሓደ ብዓልመዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብታ መርከብ ዝተወሰደ ፈተነታት ነብሰ-ቕትለት ከም ዘየሎ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መስመራት ቀረብ ተቛሪጾም ከም ዝነበሩ ኣሚኑ።
"ቀዳምነት ንመግቢ፡ ቀጺሉ ንንጽህና ዝጠቕሙ ነገራት፡ ድሕሪኡ ድማ ንደብዳበታት ንህብ ኣለና፡" ኢሉ።
ሄግሰት ብወገኑ፡ መንግስቲ ንዅለን መራኽብን ባሕረኛታትን ዘድልዮም ቀረባት ንምምላእ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ፤ "ገሊኡ ወፍርታት ካብ ካልእ ንላዕሊ ክናዋሕ ይኽእል እዩ፤ ነዞም ባሕረኛታት ድማ ዓቢ ኣኽብሮት ኣሎኒ፡" ኢሉ።
ኣብ ጥሪ 2025 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ምስ ካልኦት ጨናፍር ሰራዊት ክነጻጸሩ ከለዉ ዝለዓለ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ የጋጥሞም እዩ።
ነብሰ-ቕትለት ድማ ዛጊት ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



