ኣላማጣ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝተዘርገሐ ምስሊ - ካብ ኣላማጣ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ብሰንኪ ዝተወልዐ ሓድሽ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እታ ከተማ ኣብዚ እዋን'ዚ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ግንባራት ናይዚ ሓድሽ ኵናት ኰይና ኣላ፤ ምሉእ ብምሉእ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣትያ ከም እትርከብ ወሲኾም ገሊጾም።

ዛጊት ብዛዕባ `ዚ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝወረደ ከቢድ ጕድኣትን ኵነታት ምቍጽጻር እታ ከተማን ብዝምልከት፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰነ ካብ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።

ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ብምቍራጹ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዚ ቍጽሪ ምዉታት ብናጻ ወገን ከጻርይዎ ኣይከኣሉን።

ዝሓለፈ ሰኑይ ግን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ውግእ ብምውልዑ፡ ካብ 22 ክሳዕ 25 መስከረም 2026 ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ተሓከምቲ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (ኤምኤስኤፍ) ኣፍሊጡ ነይሩ።

ካብ ቀዳም 26 መስከረም ክሳዕ ሰኑይ 28 መስከረም 2026 ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ኣብ ኣላማጣን ከባቢኣን ዝዓለበ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከቢድ ናይ ህይወት ክሳራ ኣስዒቡ ኣሎ።

ዳዊት ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ ንዘጋጠመ ኵነታት ከረድእ እንከሎ፡ "ኣብ ውሽጢ ዕዳጋን ኣብ ከባቢ ኣላማጣን ዝሞቱ ዳርጋ ኣርብዓ ሰባት እዮም። መን ከም ዝተኰሶ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ እቶም ዝሞቱ ግን ሰለማውያን ሰባት እዮም። ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎ ዝተፈላለየ ዓይነት ከበድቲ ብረታት እዩ ዝትኰስ ነይሩ፡ ህጻናት ብስንባደ ይበኽዩ ነይሮም፡" ኢሉ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል ሞያ ጥዕና ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብነፈርቲ ወይ ብድሮን ዘይኰነስ፡ ብኸቢድ ብረት ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።

ንሱ፡ "ካብ ወዲ ሰለስተ መዓልቲ ዕሸል ጀሚሩ ክሳብ ጓል 68 ዓመት ኣደ ተጐዲኦም ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ዝተሰነዱ 52 ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ኣለዉ። እግሮም ዝተቘረጹን ዓይኖም ዝተጐድኡን'ውን ኣለዉ፡" ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ብፍላይ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ ናይ ቀዳም ዕዳጋን ጓሶት ኣብ ዝተኣከብሎም ገጠራትን ከም ዝወረደ ኣረዲኡ።

ግዳያት ናይዚ ሓደጋ፡ ካብ ውግእ ናጻ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ገዛኦም ዝነበሩ ሰባትን ዘወርቲ ባጃጅ (ሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ)ን ምዃኖም ብምሕባር፡ ንሱ ብኣካል ሓሙሽተ ሬሳታት፡ ሰለስተ እግሮም ዝተቘረጹን ሓደ ዓይኑ ዝሰኣነን ሰባት ከም ዝረኣየ መስኪሩ ኣሎ።

ብፍላይ ብቐዳም ኣብ ዕዳጋ ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ርእሶምን እግሮምን ዝተቘረጹ ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ኣየናይ ኣካል ናይ ኣየናይ ሰብ ምዃኑ ክሳብ ዘይልለየሉ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ኵነታት ከም ዝነበረን ኣብቲ ሓደ ቦታ ጥራይ 12 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ብዓል ሞያ ሓቢሩ።

ይዅን`ምበር፡ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት መራኸቢታት ተገዲቡ ስለ ዘሎ፡ ቢቢሲ ነዚ ኵነታት ብናጻ መንገዲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ምቍጽጻር እታ ከተማን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ብዓል ሞያ፡ ኣብ ከባቢታት ቀርቀረ፡ ራያ መንደር፡ ደርዒታን ካብ ከተማ ኣላማጣ 18 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ በሪ ተኽላይን ሓያል ውግእ ክካየድ ቀንዩ እዩ።

ድሕሪ'ዚ ሓይልታት ትግራይ ንኸተማ ኣላማጣ ብምግዳፍ፡ መዳፍዕን ታንክታትን ሒዞም ብኽልተ ኣንፈት ከም ዝወጽኡ ወሲኹ ገሊጹ።

ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልታት ተዅስን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን፡ ፈደራላዊ ሰራዊትን ፖሊስን ንዅሉ ትካላት መንግስቲ እታ ከተማ ተቘጻጺሮሞ ይርከቡ።

እቲ ብዓል ሞያ ጥዕና ከም ዝገለጾ፡ ሰኑይ ንግሆ ሰዓት 10፡00 [4፡00 ብኣቈጻጽራ ናይቲ ከባቢ] ሰራዊት ፈደራል ናብ ኣላማጣ ብምእታው፡ ነታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩዋ።

ኣብዚ እዋን፡ ብኦራል (ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲ) ዝተጻዕኑ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል ኣብታ ከተማ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ዳዊት ሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ገዲፎም ምስ ወጽኡ፡ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ዝበሃሉ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ድሕሪ ምእታዎም፡ "ራያ ናይ ሰሜን ወሎ እዩ" ዝብሉ ምልሻታት ኣምሓራ`ውን ነታ ከተማ ንምምሕዳር ከም ዝኣተዉ ዳዊት ወሲኹ ይገልጽ።

ድሕሪ`ቲ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ሰራዊት ምክልኻልን ፈደራል ፖሊስን፡ "ንኽልቲኦም ኣባሪሩ ንዅለን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎታት ኣብ ኢዱ ኣእትይወን፣ ሓለዋ ከኣ ይገብረለን ኣሎ፡" ኢሉ።

እዚ ብሃንደበት ዝተባርዐ ኵናት፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ገጠራት፡ 'ከተማ ስለ ዝዀነት ኣይትውቃዕን እያ' ብዝብል ግምት ናብ ኣላማጣ እኳ እንተ ሃደሙ፡ ኣብታ ከተማ'ውን ዝተበኣሰ ኵነታት እዩ ጸኒሑዎም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣላማጣ ኵሉ ድኳናት ተዓጽዩ፡ መብራህቲ፡ ሞባይል ባንክን ኢንተርነትን ብምቍራጹ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸበባ ወዲቑ ይርከብ።

ኣብታ ከተማ ሰራዊት ፈደራል ከም ዘሎ ዝሓበረ ዳዊት፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ተዅሲ ይስማዕ እኳ እንተሎ፡ "ሕጂ ካብቲ ተሓቢእናሉ ዝነበርና ናብ ገዛና ተመሊስና፡" ኢሉ።

ከተማ ኣላማጣ

ብድሆ ጕዕዞ ሰላምን ህጹጽ ጻውዒት ነበርትን

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዳርጋ ንኣርባዕተ ዓመታት ደው ኢሉ ዝነበረ ኵናት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እናተኻረረ ብዝመጽአ ዝምድናን ወጥርን፡ ዳግማይ ናብ ግጭት ኣምሪሑ ይርከብ።

ዞባ ራያ (ከተማ ኣላማጣ ሓዊሱ) ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንነዊሕ እዋን ናይ መንነትን ምምሕዳርን ኣካታዒ ጉዳይ ኰይኑ ዝጸንሐ ቦታ እዩ።

ኣብ 2022 ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ነዚ ጉዳይ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ትጽቢት እኳ እንተ ተገብረ፡ ዛጊት ርኡይ ፍታሕ ኣይረኸበን።

እዚ ሕጂ ኣብ ሰለስተ ግንባራት (ኣላማጣ-ቆቦ ሓዊሱ) ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ውግእ፡ ነቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ጕዕዞ ሰላም ዝፈታተን ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ኵነታት ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ከየምርሕ ስግኣት ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ዝተጐድኡ ሰለማውያን ሰባት ጻውዒቶም ንሰላም ጥራይ እዩ።

ነባሪ ከተማ ኣላማጣ ዝዀነ ዳዊት፡ "ካብ ኵናት ሞትን ጥፍኣትን እምበር ዝርከብ ነገር የሎን፤ ስለዚ፡ ኵሉ ሰላም እዩ ዘድሊ፡" ክብል እንከሎ፡ እቲ ብዓል ሞያ ጥዕና ድማ ነቲ ናይ ህዝቢ ስምዒት ኣጠቓሊሉ ክገልጽ እንከሎ፡ "ሰብ 'ምግቢዶ ይሕሸካ ማይ?' እንተ ኢልካዮ እኳስ፡ 'ሰላም እየ ዝደሊ' እዩ ዝብል ዘሎ፡" ብምባል እቲ ኵናት ብህጹጽ ደው ክብል ተማሕጺኑ።