ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ንምስታፍ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ድሕነት ንምስታፍን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ስትራተጅያዊ ዝምድናታት ንምብራኽን፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ከም ዝገለጾ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሎሚ ንግሆ 3 ጥቅምቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ናብ ግብጺ ዝተጓዕዘ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ላዕለዋይ ዋዕላ ክሳተፍ እዩ።

እቲ ዋዕላ ብቐንዱ ኣብ "ሓባራዊ ድሕነት፡ ምርግጋእን ሽርክነትን" ዘተኰረ ምዃኑ ዝሓበረ ምኒስተር የማነ፡ እዚ መድረኽ ንጉዳያት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ወሽመጥ ዓረብ ከምኡ'ውን ተፋሰስ ኒል ኣመልኪቱ ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ዘተታት መቐጸልታ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ጕዕዞ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ምትሕግጋዝ ዘተኰረ ሰፊሕ ዘተ ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ስጕምቲ፡ ኣስመራን ካይሮን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ጽላታት ፖለቲካ፡ ጸጥታን ቍጠባን ዘካየድኦ ዝነበራ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምቅርራብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር ተገይሩ ይውሰድ።

እዚ ዑደት፡ ኣብ መንጎ ኣስመራ፡ ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ እዩ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራን ግብጽን ድሕሪ ምስጓጓን ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምዕጻዋን፡ ኤርትራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዝምድና ክትበትኽ እንከላ፡ ግብጺ ድማ ብኣንጻሩ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ኣባሪራ።

ኣብዚ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ "ወደባተይ ንምውራር ትጕስጕስ ኣላ" ክትብል ክትከስስ እንከላ፡ ካይሮ ድማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋታ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ኰነ ኢላ ኣብ ግዳማዊ ግጭታት ትጽመድ ኣላ ብምባል ትወቅስ።

እዚ ኵነታት፡ ኣብ መዳውብቲ ትግራይን ዓፋርን ሓድሽ ውግእ ኣብ ዝተወልዓሉን፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ንዝቐረበ ክስታት 'ውሽጣዊ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ዝተፋሕሰ ጸለመ እዩ' ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዘረጋገጸሉን ግዜ ዝኽሰት ዘሎ እዩ።

ቅድሚ እዚ ናይ ፕረዚደንት ጕዕዞ፡ ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣቶ ነስረዲን መሓመድ ሳልሕን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ሰፊሕ ዘተታት ኣካይዱ ድሕሪ ምምላሱ እዩ።

እቲ ልኡኽ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢን ምኒስተር መጓዓዝያ ሌተና ጀነራል ካምል ኣል-ዋዚርን ብምርኻብ፡ ኣብ ጽላታት መጓዓዝያን ካልእ ዓውድታትን ኣብ ዝውሰድ ዘሎ ገስጋስን ኣብ ዝቕጽሉ ስጕምትታትን ተመያዪጡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን ዘኽእል ወግዓዊ ስምምዕ ከቲመን ነይረን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ምያዝያ፡ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ብምርካብ ኣብ ጽላታት ወፍሪ፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪክን ጸዓትን፡ ከምኡ'ውን ሕርሻን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ግብጺ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ ኰይኑ፡ ዞባዊ ሽርክነቱ ንምሕያል ናብ ስዑዲ ዓረብ ርእሰ-ከተማ ሪያድ'ውን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ እዩ።

ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካይሮ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ስራሕ ምብጻሕን ዋዕላን፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሚዛንን ስትራተጅያዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ምቕራጽ ዓቢ ክብደት ከም ዘለዎ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።