ኣደዳ ናይ ሓሶት መርዑት ዝዀኑ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ - ዘስደምም ዛንታ ንሓዳር

Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ወዲ 37 ዋንግ ዙኣንግ፡ ክሳብ ነቲ ሰሓቢ መወዓውዒታት ዝርኢ፡ በዓልቲ ቤት ናይ ምርካብ ተስፋ ዳርጋ ኣይነበሮን።

እቶም 'ኣማጻእቲ' ግን፡ መፃኢኡ ፡ መፃምዲ ንምርካብ ዓመታት ከጥፍእ ከምዘይብሉ ነጊሮም፤ ምስ ሓንቲ ትሕትና ዝመልኣ ፅብቕቲ ሰበይቲ ከላልይዎ ምዃኖም ቃል ኣትዮምሉ።

"እቶም ኣማጻእቲ፡ ኣዋልድ ጉይዝሆው ወራዙት እየን" ከምዝበልዎ ይዛረብ ዋንግ።

"ገዛ ኣብ ምምራሕ ንፉዓት ምዃነን፡ ስራሕ ገዛ ፅቡቕ ከም ዝሰርሓ፡ ስድራቤታ ድማ ኣዝዮም ድኻታት ምዃኖም፡ 'ስለዚ ምሳኻ ምስ ተመርዓወት፡ ምሳኻ ጥራይ ህይወት ክትምስርት'ያ ኢሎምኒ።"

ስለዚ፡ ዋንግ መጻምድቲ ክረክብ ተስፋ ብምግባር ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት- ጉይዝሆው እትርከብ ከተማ ጓይያንግ ተጓዒዙ።

ሓቂ መሲሉዎ፡ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ቦታ ተዳልያ ዝረኸባ ሰበይቲ ተሰማሚዑ፤ ቅድሚ ምምርዓዎም ሒደት ግዜ ጥራይ እዮም ተራኺቦም።

ሽዑ፡ ዳርጋ ከም ሓድሽ ህይወት ዝጀመረ ኰይኑ ተሰሚዑዎ፤ እቲ ጕዕዞ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ።

"ሎሚ፡ ምሉእ ስድራይ ናብ ህውከት ኣትዮም ኣለዉ" ይብል ርእሱ እናነቕነቐ።

በታ ሓዳስ ዝተመርዓዋ ሰበይቱ፡ ዝተነግሮ ኵሉ ሓሶት ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት ዝሓለፈ ነፍስወከፍ ፍጻመ ይዝክር ኣሎ።

ንሳ፡ ሰለስተ ግዜ ተመርዕያ ሰለስተ ቈልዑ ዝወለደት እያ፤ ከቢድ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣለዋ፤ ኣብ ሓያል ዕዳ ተረግሪጋ ዝነበረትን፡ ካራኦከ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ ሰራሕተኛ ለይታዊ ትልሂት እያ ነይራ።

ብዛዕባ ዕድመኣ ከይተረፈ ሓስያቶ ነይራ።

ሕጂ ንፍትሕ ይቃለስ ኣሎ፡ ናብ ዓዱ ናብቲ ናይ ቀደም ህይወቱ ድማ ክምለስ ኣይክእልን'ዩ፤ እንተወሓደ ገለ ካብቲ ኣብ ህይወቱ ዓቚሩዎ ዝነበረ ገንዘብ ክሳብ ዝመልስ።

እዚ፡ ምስ ገለ መጻምዲ ክዀና ዝኽእላ ደቀንስትዮ ምስ ተላለየ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ናብቲ ኤጀንሲ ዝኸፈሎ እዩ።

"ሕጂ ወለደይ ይወቅሱኒ፣ ስእነት ድቃስን ጭንቀትን ኣለኒ። ኣብ ስራሕ ከተኵር ኣይክእልን እየ።"

ዛንታ ዋንግ፡ ኣብ ቻይና ንነዊሕ እዋን ሱር ዝሰደደ ቀንዲ ምልክት ቅልውላው ሓዳር ዘይምግባር እዩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ሰብ ሓዳር ሓደ ውላድ ጥራይ ክወልዱ ኣዊጁ ነይሩ።

ኣብ ጥሪ 2016 ነዚ ፖሊሲ ክቕይር'ኳ እንተፈተነ፡ ኣብዚ እዋን ግን እቲ "ሓደ - ስድራ፡ ሓደ ቈልዓ" ዝብል ፖሊሲ፡ እናነከየ ምስ መጸ ብዝሒ ደቀንስትዮን፡ ፆታዊ ዘይምዕሩይነትን ኣስዒቡ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ቻይና፡ ካብ ደቀንስትዮ ብ30 ሚልዮን ዝዛይዱ ደቂ ተባዕትዮ ኣለዉ፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ብዝሒ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ይዛየ፡ ወይ ድማ ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ ኣውስትራልያ ማለት እዩ።

እዚ ድማ ከም በዓል ዋንግ ዝኣመሰሉ ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድመ ዝርከቡን ኣብ ንኣሽቱ ከተማታት ወይ ርሑቕ ገጠራት ዝነብሩን ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ኣማራጺታት ኣስኢኑዎም ይርከብ።

ኣብዞም ቦታታት ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ሰፊሕ ጠለብ ከምዘለወን ስለዝፈልጣ ኣማሪፀን ክምርዓዋ ዓቕሚ ኣለወን።

"ኣብ ከተማ ንደቂ ተባዕትዮ ዝምልከት ረቛሒታት ኣዝዩ ልዑል እዩ፣ መኪና፡ ገዛ ክህልወካ ኣለዎ፡ ስድራቤትካ ድማ ነጋዶ ክዀኑ ይምረጽ" ይብል።

ብዙሓት ስድራቤታት ልዑል "ገዝሚ መርዓት" እውን ይጠልቡ።

እዚ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ልምዲ ቻይናውያን ኰይኑ፡ ስድራቤት መርዓዊ፡ ንመርዓት ገንዘብ ይህቡ።

ብፍላይ ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ካብ ደቀንስትዮ ኣዝዮም ዝበዝሑሉ ክፋላት ቻይና፡ እዚ ርኡይ ፋይናንሳዊ ጾር ኰይኑ ኣሎ።

ነዚ እየን ድማ፡ እተን ኣብ ጉይዝሆው ዝርከባ ትካላት፡ ከይወዐለ ከይሓደረ ፍታሕ ዝመስል ሓሳብ ዘቕርባ ዘለዋ።

ኣብ ቻይና ከምዚ ዓይነት ነገር ዳርጋ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን፡ ብዙሓት ግን ኣብቶም መጻምድቲ ዝሰአኑ ደቂ ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበሩ የመስሉ።

ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ እዚ ኢንዱስትሪ ሓዳር፡ "ቅልጡፍ ዕብየት" ከምዝረኣየ፡ ምስዚ ግን፡ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ምትላላትን" ከም ዝወሰኸ ጸብጺበን።

ህዝባዊ ሻቕሎት ዝፈጠረ ዕዳጋ

እቲ ጉዳይ ሰፊሕ ህዝባዊ ሻቕሎ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብዚ ወርሒ ጥራይ፡ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ሰብመዚ ብሓባር ኣብ ልዕሊ'ዚ ንጥፈታት፡ ብደረጃ ሃገር ጓስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ሓደ ጉዳይ፡ ሓደ ኣብ ምርኻብ መጻምድቲ ዝሰርሕ ኤጀንሲ፡ ካብ 128 ግዳያት ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዩዋን (371 ሽሕ ዶላር) ከም ዘታልሎም ይንገር።

ኣብ ትካል ቤጂንግ ጂንግሺ፡ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ፋን ቢንገ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መንግስቲ፡ ምትላል ዒላማ ዝገበረ መውስቦ፡ ብፍሉይ ነቲ ኢንዱስትሪ ዝምልከት ደንቢ ከተኣታቱ ዘለዎ ይመስለኒ" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ጉያንግ ምስዚ ዝረአ ዘሎ ዕዳጋ፡ ስማ ተደጋጊሙ እንተተልዓለ፡ ፍቕራዊ ማእከል ምዃና ዝሕብር ግን ውሑድ እዩ።

ኣብያተ ጽሕፈት ናይቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቀጽሪ ኣብ ጽዑቕ ህንጻታት ይርከባ።

ኣብኡ ፍረታት ዝሸጡ ኣለዉ፡ ሰራሕተኛታት ድማ ንመግቢ ዝኸውን ምቁር ሾርባ ሩዝ ክወስዱ ሪጋ ሒዞም ነይሮም።

ዋንግ፡ እቲ ኩባንያ ምሉእ ድሕረ ባይታ ምጽራይ ከም ዝገብርን ግዳይ ምትላል እንተኾይኑ ካሕሳ ክኽፈሎን ገንዘቡ ክምለሰሉን ከምዝኽእልን ምስ ነገሮ፡ ክኣምኖም ግዜ ኣይወሰደሉን።

ስለዚ እቲ ዝተሓተቶ ከፊሉ፡ እቲ ሌላታት ተጀሚሩ።

ብሰራሕተኛታት እቲ ትካል ጥቡቕ ምቍጽጻር እናተገበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ 'ንኣሽቱ ክፍልታት' ሒደት መዓልታት ምስ 7 ደቂ ኣንስትዮ ተራኺቡ።

ካበይ ከም ዝመጽኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ተመርዕየን እንተዀይነን፡ ቈልዑ ወሊደን እንተዀይነን ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይሓትት ነይሩ።

ኣብታ ሻሙነይቲ ሰበይቲ ልቡ ወዲቝሉ።

ቅድሚ ሕጂ ዘይተመርዓወት፡ ውላድ ዘይብላን ካብኡ ዝነኣሰትን ሰበይቲ ክረክብ ኣሚኑ ነይሩ።

"ኣዝዩ ቀሊል ኣከዳድና እያ ትኽደን ነይራ። ትሕትን ቅንዕትን እያ ትመስል።"

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ፡ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ደቓይቕ ጥራይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ ይራኸቡ ነበሩ።

ቍጽሪ ተሌፎን ወይ ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ናይ ብሕቲ መልእኽቲ ከይለዋወጡ፡ እንተዘይኰይኑ ክቕጽዑ ምዃኖም ጽኑዕ መምርሒ ተዋሂብዎም ከምዝነበረ ይዛረብ።

ድሕሪ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ፡ ምስኣ ስለ ዝወሰነ ርኡይ ገዝሚ መርዓት ክኸፍል ተሰማምዐ።

"ልዕሊ 300 ሽሕ ዩዋን (44 ሽሕ ዶላር) ኣውጺአ" ይብል፤ ነዚ ዘረጋግፅ ኣብ ኢዱ ማህተም ዝተሃርመ ሕጋዊ ወረቓቕቲ ሒዙ።

"እቲ ድግስ መርዓን ካልእ ኵሉን እንተደሚርካዮ ድማ፡ ካብ 400 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ዩዋን ወጻኢ ገይረ።"

እዚ ኵሉ መስርሕ፡ ብናይ መጻምድቲ ትካል ብስእልን ቪድዮን ዝተሰነደ ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና እውን ኣገልግሎቶም ንምውዕዋዕ ይጥቀሙሉ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ እዞም መጻምድቲ ኣብ ቀይሕ ምንጻፍ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ፍሽኽ እናበሉ ብፍቕራዊ ሙዚቃ ተዓጂቦም ክፃወቱ ይረአዩ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ፡ ኣከብቲ ክፍሊት፡ ዕዳ ገንዘብ ኣለዋ ብምባል ክድውሉ ጀመሩ።

ዋንግ ጥርጣረኡ እናወሰኸ ከደ፡ ካልእ እንታይ ከም ዝሓብኣቶ ክፈልጥ ደለየ።

ተሌፎና መርሚሩ ዝርዝር ናይ ቀደም ህይወታ፡ ምስክር ልደታን ናይ ቀደም ሰነዳት ሓዳርን ረኸበ።

ምስ ኣፋጠጠላ፡ ፍትሕ ሓቲታ፤ ካብቲ ገዝሚ ሓንቲ ሳንቲም ክትመልስ ግን ኣይፈቐደትን።

ነቲ ሓዳሩ ሓላፍነት ዝወሰደ ትካል ክእልሾ ፈቲኑ፡ ናብ ቤት ጽሕፈታቶም ምስ ተመልሰ ግን ንብረት ዓሺጎም ከም ዝጠፍኡ ይዛረብ።

ዋንግ ሕጂ ግዜኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቪድዮታት ብምስራሕ ንኻልኦት ደቂ ተባዕትዮ ከይጋገዩ ከጠንቅቕ የሕልፍ ኣሎ።

ኣብ ጉያንግ፡ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓደ ሓላፊ ናይቲ ትካል ኣብ ቤት ጽሕፈታቶም ከዛርበና ተስማሚዑ፡ ዋላ'ኳ ድሒሩ መሻርኽቱ ንግዲ ክንኸውን እንተሓተተና።

ኣብ ውሽጢ፡ ድሉው ዝዀነ ብናይ ሓሶት ዕምባባታት ዘንፀባርቕ ቀይሕ ምንጻፍ ነበረ።

ሓደ መጻምድቲ ቅድሚ ምምጻእና ሒደት ሰዓታት ኣብዚ ክምርዓዉ ቃል ከም ዝኣተዉ ነጊሩና።

"ኣብ ቻይና ንኸምዚ ዓይነት መርዓ ዓቢ ዕዳጋ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ እዩ ተቐልቂሉ" ኢሉና።

ሕጂ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ምስቶም ካብ ማእከላይ ግዝኣታት ዝመጹ ደቂ ተባዕትዮ- ብተዛማዲ ሃብታማት ዝኾኑ ግን ከኣ ኣብ ከባቢኦም ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋኦ- ከራኽቡ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ይዛረብ።

"ዓማዊልና ንዝደለይዎ ሰብ ክመርጹ ነጻ እዮም። ዕላማ ቢዝነስና ሰባት ብሓቂ ምስኦም ክኾኑ ዝደልዩዎ ሰብ ንኽረኽቡ ምሕጋዝ'ዩ።"

ሓደ ካብቶም መወዓውዒታት፡ ንዓማዊሎም፡ "ካብ ናይ ሰለስተ ዓመት ዕርክነት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ትኽክለኛ ሌላ" ክብል ከእምኖ ይስማዕ።

ሕጂ ዋንግ ንኻልኦት ግዳያት ንምሕጋዝ ይፅዕር ኣሎ።

እቲ ዝተኻረዮ ገዛ፡ ወይ ነቶም ዘታለሉዎም ወነንቲ'ቲ ኤጀንሲ ዝደልዩ፡ ወይ ድማ ካብተን ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ሓዳር ዝሃድማ ኣንስቶም ክሳራኦም ክመልሱ ዝፍትኑ ደቂ ተባዕትዮ መሊኡ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ መስኮት ኣብ ዝርከብ ተዓጻፊ ዓራት፡ ወዲ 59 ዓመት ዙ ሩሊን ካብ ግዝኣት ጂያንግሲ፡ ብጥንቃቐ ዝተትሓዘ መርትዖታቱ ኣብ ቀይሕ ፕላስቲክ ቦርሳ ጠርኒፉ ኣሎ።

ኣስታት 500 ሽሕ ዩዋን ኣውጺኡ፡ ብመንገዲ ኤጀንሲ ንወዱ በዓልቲ ቤት ንምርካብ ፈቲኑ።

ብሓባር ናብ ጓይያንግ - ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ ርሒቑ - ተጓዒዞም።

ወዱ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓንቲ ኣብ ፀቢብ ክፍሊ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ድሕሪ 7 መዓልታት ተመርዕዩ።

ዙ፡ እቲ ሓዳር ምስ ተመዝገበ፡ እታ ሓዳስ መርዓት ኣይፎን ክገዝኡላን ኣስታት 20 ሽሕ ዩዋን ከሰጋግሩላን ከም ዝሓተተት ይዛረብ። ብተወሳኺ ንናይ መርዓ ክዳንን ስልማትን 120 ሽሕ ዩዋን ሓቲታ።

"እቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ፡ ሓዳር ገይራ ምሳና ክትነብር ጥራይ'ዩ ነይሩ፤ ገዛ እደሊ እየ ኢላ፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ክገዝኣሎም ተሰማሚዐ።"

እንተዀነ፡ ንኽልተ ሰሙን ዘይመልእ ምስኦም ድሕሪ ምፅናሓ፡ ከም ዝሃደመት ይዛረብ።

ርግፅ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዋ ኣሎ፣ እቲ ሓዳር ድማ ተበቲኑ ክፋትሑ ክኢሎም ኣለዉ።

ንሱ፡ ወነንቲ ናይቲ መታለሊ ኤጀንሲ፡ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ከምዝተኣስሩ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉያንግ ከምዘሎን ገለ ካብቲ ዝኸሰሮ ንምምላስ ከምዝጽዕርን ይዛረብ።

እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣካያዲ ናይቲ ትካል፡ ኣብ ዓማዊሎም ወግዓዊ ድሕረ ባይታ ምጽራይ ከምዘየለ ተኣሚኑ።

"እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣጸቢቖም ምስ ዝፈልጥወን ናይቲ ከባቢ ሰብ እየን ዝላለያ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓንቲ ዓዲ ስለዝኾኑ፡ ድሕረ ባይታ ስድራቤተን ይፋለጡ እዮም። እቲ ወዲ ተባዕታይ መማፅኢ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሰብኣይ ኣጸቢቑ ይፈልጦ'ዩ።"

እቲ ሓበሬታ "ምስጢራዊ" ስለዝኸዊነ፡ ንኣግሎቶም ክንደይ ዋጋ ከምዘኽፍሉ ኣይተዛረበን።

ብርግጽ እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝቐርብ ሓበሬታ ሓቂ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዓሚል ገንዘቡ ክመልስ መሰል ከምዘለዎ ገሊጹ።

"ኣብዚ ዓማዊልና ካብ ዝነግሩና ልዕሊ 90% ሓቂ እዩ እብል"።

"ብቐጻሊ ምስ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብ ኣኼባታት ንሳተፍ ኢና። ሓደ ኣብ ሓዳር ምምፃእ ዝሰርሕ ትካል፡ ኣብ ምትላል ተሳቲፉ እንተተረኺቡ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ተሓታቲ ይኸውን'ዩ።"

እዚ ነቶም ዘዓቘርዎ ገንዘብ ዝሰኣኑ ሰባት ብዙሕ ምቾት ኣይፈጥረሎምን።

ዋንግ፡ ሕጂ ክሳራታቱ ኣሚኑ ተቐቢሉ ኣሎ። ኣብቲ ምትላል ምውዳቑ ንነብሱ ይወቅሳ።

"ጸገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እየን ነዚ ዓይነት-ሓዳር ዝሰማማዕ"።

ኣብ ጉያንግ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ፖሊስ ወዲቝ ገንዘቡ ንኽመልስ ክሕግዙዎ ለሚኑ፡ ክሳብ ናብ ቤጂንግ ተጓዒዙ፡ ሰበስልጣን ነዚ ዓይነት ገበን ንምምካት ዝያዳ ክገብሩ ይላቦ።

"በዞም ጉዳያት ክሲ ንምስራት ኣጸጋሚ እዩ" ይብል፡ እቲ ንብዙሓት ዝሕግዝ ዝፀንሐበ ጠበቓ ፋን ቢንገ።

ሓደ ምኽንያት፡ ሕጊ ቻይና ነዚ ዓይነት ምትላል ሓዳር ዝሽፍን ፍሉይ ኣንቀፅ-ገበን የብሉን፡ ስለዚ ገበናዊ ክሲ ንምቕራብ፡ ሓደ ግዳይ ዕላማ ናይቲ መፃምዱ፡ ገንዘብ ንምትላል ከምትላል ከምዝነበረ ከረጋግጽ ኣለዎ።

"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ መስመር ይደብዝዝ። ጉዳይ ዝምድና ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ'ዩ።"

ካብኡ ዝኸበደ ድማ ካብተን መብዛሕትኡ ግዜ እኹል ጥረ ገንዘብ ምስ ረኸባ ቤትፅሕፈተን ዝዓጽዋ ናይ ሓሶት መጻምድቲ ትካላት ገንዘብ ምምላስ እዩ።

ዋንግ ገለ ገንዘብ ክመልስ ክኢሉ እዩ፡ ኩሉ ግን ኣይኮነን።

"ከምዚ ዝበለ ነገር ድሕሪ ምሕላፈይ፡ ገና ክምርዖ ይኽእል ድየ ኣይፈልጥን'የ። ደጊመ ሰብ ምርካብ ከቢድ ኰይኑኒ ኣሎ። ሕዚ ብዙሕ ገንዘብ ኣውጺአ ኣለኹ፤ ንግዚኡ ሓዳር ኣይሓስቦን እየ"።

ህይወት ዋንግ፡ ከምኡ'ውን ህይወት ናይቶም ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኩሉ ኣብ ምድንጋር ዝኣተወ ይመስል።

"እዚ መዓስ ከም ዝፍታሕ ኣይፈልጥን እየ፡ ንቡር ህይወት ዳግማይ ክጅምር ዝኽእለሉ። መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ ይስምዓኒ።"