እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቐቲሎም
ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ "ደባይ መጥቃዕቲ" ክልተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ነቶም ወተሃደራት "ዒላማ" ከምዝገበረ ዝእመን መጥቃዕቲ፡ ካልኦት ሰለስተ ዓቀብቲ ሰላም ሓዊሱ 7 ሰባት'ውን ኣቝሲሉ።
እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣካል ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተቐትሉሉ መጥቃዕቲ እቶም ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ግዝኣት ጆንግሌ ናብ ዝርከብ ፓጁት ዝተብሃለ ከባቢ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዩ ብ24 ነሓሰ 2026 ተፈጺሙ።
እዚ ምውፋር ኣካል ናይቲ "ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ" ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
"ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ በጺሕዎም" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ነቶም ኣባላት ዓቃቢ ሰላም "ዒላማ ዝገበረ ከም ዝመስል" ጠቒሱ።
"ክልተ ኣባላት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 7 ድማ ቈሲሎም። እቶም ዝተቐትሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን እዮም" ክብል ኣነጺሩ።
ካብ መንጎ እቶም ጉድኣት ዝወረዶም ሰለስተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ግን ዜግነቶም ኣይተገልጸን።
እቶም ካልኦት ግዳያት ክልተ ኣባላት ፖሊስ ደቡብ ሱዳንን ክልተ ሲቪላትን ምዃኖም ተፈሊጡሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝዀነኖ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
እቲ ዋና ጸሓፊ "ንቤተሰብን ፈተውትን እቶም ዝተቐትሉ ኣባላት፡ ከምኡ'ውን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዓሚቝ ሓዘን ገሊጹ። ንዅሎም ዝተጎድኡ እውን ቅልጡፍ ሕውየት እምነ" ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ፍሉይ መግለጺ "ነቲ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብትሪ ይዅንኖ" ኢሉ።
"ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ንምሕላውን ነቲ ዝካየድ ህጹጽ ምላሽ ደገፍ ንምግባርን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ሓይሊ ከምዘዋፈረ" ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍልይቲ ወኪል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራትን ሓላፊት ልኡኽ ዓቃብ ሰላምን ኣኒታ ኪኪ ጌሆ "ከምዚ ዝበለ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ዝሰርሑ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ምፍጻሙ ተቐባልነት የብሉን" ክትብል ኮኒና።
እቲ ተልእኾ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝበለ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ምፍጻም "ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ሓላፊት እቲ ልኡኽ'ውን፡ "ዝምልከቶም ኣካላት ዕሙቕ ዝበለን ቅልጡፍን መርመራ ከካይዱን ንተሓተትቲ ናብ ሕጊ ከቕርቡን" ጻውዒት ኣቕሪባ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ቅትለት ዜጋታቱ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
መረዳእታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ብዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ነዚ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ትሽዓተ ዓቃብ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቐቲሎም።
ደቡብ ሱዳን ቅድሚ 15 ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2003 ናጽነታ ምስ ኣወጀት ዝተመስረተ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዓመጽ ንምክልኻል ከምኡ'ውን ሰላማዊ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ኣለዎ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 ዝዘርግሖ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝተዋፈረ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ኣስታት 1300 ሰራዊት ኣበርኪታላ።