ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ምትፍናን ንምቁራጽ ዝርርብ ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ክሳብ ሕጂ ዘይተቋረፀ ምትፍናን ኲናት፡ ብወግዒ ከብቅዕ ክዘራረብ ከምዝደሊ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ሊ ጃይ ሚዩንግ፡ ኣብቲ ብሓበራዊ ነፃ ዞባ- ዲሚሊታራይዝድ ዞን (DMZ) ዝፍለጥ ዶብ እተን ሃገራት፡ ዝዀነ ግጭት ንኸይፍጠር፡ "ብዙሕ ደረጃ ዘለዎ ስርዓተ ጸጥታ" ክህሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ፡ ንኒዩክለራዊ ድሌታት ፒዮንግያንግ ደው ንምባል ዝሕግዝ ግብራዊ መገድታት ክዛተየሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ሰሜን ኮርያ ኒዩክለራዊ ባሊስቲክ ሚሳይላት ብቐጻሊ ክትፍትን ጸኒሓ እያ፡ እዚ ድማ ንደቡብ ኮርያ ኣብ ጥቓኣ ንእትርከብ ጃፓንን ብሓይሊ ንምፍርራሕን ዝግበር ፈተነ ተባሂሉ ይግለጽ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓውሲ ወሽመጥ ደሴታት ሃገራት ዝነበረ ግጭት፡ ኣብ 1953 ዕርቂ ካብ ዝፍጠር ንደሓር ዳርጋ ጠጠው ኢሉ እዩ ፀኒሑ።
እንተዀነ ውዕል ሰላም ኣይፈረሙን፤ ስለዚ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብቴክኒካዊ መዳይ ገና ኣብ ኲናት ይርከቡ።
ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጥቓ እቲ ' ናፃ ዞባ' ጎንጺን ወጥሪን ተራእዩ፡ ምስ ክልቲኡ ወገን ጐሓፍን ፕሮፖጋንዳን ዝጸዓና ባሎናት ምድርባይ ሓዊሱ ግጭት ዘላዕል ኩነታት ተራእዩ ነይሩ።
ሊ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ- ዩን ሱክ ዮል፡ ወተሃደራዊ ሕጊ ክእውጅ ብምፍታኑ ካብ ስልጣኑ ምስተኣልየ እዩ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዀይኑ።
ምስ ሰሜን ኮርያን መሓዛኣ ቻይናን ዝነበረ ዝሓርፈፈ ዝምድና ንምምሕያሽ ድማ ጻዕሪ ኣካይዱ።
ነታ ሓውሲ ደሴት ካብ መግዛእቲ ጃፓን ነፃ ዝወፀትሉ መዓልቲ ሓርነት፡ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኲናት፡ ነንሕድሕድና ንምፍርራሕ እንገብሮ ምንቅስቐዓስ ገዲፍና ቀጥታዊ ዝርርብ ንጀምር" ኢሉ።
ሊ ክልቲአን ሃገራት "ንሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ሓድሕዳዊ ዕብየትን ክዝትያ" ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ "ንምዕባለ ኒዩክለራዊ ዓቕሚ ሰሜን ኮርያ ደው ንምባል ዝሕግዝ ውጽኢታዊ መገድታት" ንምዝታይ መድረኽ ኮይኑ ከገልግል ከምዝኽእል ገሊጹ።
ሰሜን ኮርያ ንዘረባ ሊ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይሃበትን።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ኣብታ ሃገር ንዝኽሪ መዓልቲ ሓርነት እታ ሃገር ብዕንበባ ብምንባርን ሓለዋ ክብሪን ከምዘኽብር ፀብፂበን።
ፒዮንግያንግ ቅድሚ ሕጂ ደቡብ ኮርያ ብኒኩለር ዝሰርሓ መራኽብ ኵናት ንምህናፅ ምስ አመሪካ ዝገበረቶ ስምምዕ ብምንቃፍን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን መሻርኽቲ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ ብምኹናንን ንፃውዒት ሊ ነጺጋቶ ነይራ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ድሕሪ ደጊም ምስ ደቡብ ኮርያ ሓድነት ምፍጣር ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኳ ደኣስ፡ ኪም፡ ደቡብ ኮርያ "ቀዳማይ ጸላእን ዘይልወጥ ቀንዲ ጸላእን" ምዃና ንሰሜን ኮርያውያን ንምምሃር፡ እቲ ቅዋም ክመሓየሽ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኲናት እንተተላዒሉ፡ ሰሜን ንደቡብ ክትጐብጣ ከምዝዀነ ወሲኹ ገሊጹ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ንነብሳ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ምዃና ምእዋጃ ይዝከር።
ትራምፕ ኣብ ናይ ፈላማይ እብረ ስልጣኑ ምስ ኪም ዝተራኸበ እንኮ ምዕራባዊ መራሒ እዩ።
ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ኣቓልቦኡ ናብ ካልኦት ዞባታት እኳ እንተቐየረ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ምስ ኪም ዳግማይ ክራኸብ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ትማሊ ሰሉስ ናብ ባሕሪ ባሊስቲክ ሚሳይል ተኲሳ ኣላ- እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት መበል 11 ፈተነ'ዩ፤
እቲ ፈተነ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ንዘሎ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ንምቅዋም ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝንገር።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



