እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሆርሙዝ፡ ሚሳይል ንመርከቦም ድሕሪ ምህራሙ ብኸመይ ሓደ ባሕረኛ ሞይቱ፡ ሓደ ን24 ሰዓታት ብህይወት ጸኒሑ?
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ፈላሚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸማሉ መዓልቲ፡ መርከብ ሓሰን ኣብ ደቡባዊ ወደብ ኢራን ስሚንቶ ጽዒና ወዲኣ ነይራ።
እቲ ስዒቡ ዝመጽአ መጥቃዕቲ ድማ ከቢድ ፍንጀራታት ኣስዒቡ፤ እቲ ወደብ ብሓውን ፍርስራስን ተሓሚሱ።
"ፊልም'ዩ ዝመስል" ነይሩ ይብል እቲ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ፓኪስታን ዝመጽአ ባሕረኛ።
እዚ ንድሕነቱ ብዝብል ስሙ ዝተቐየረ ባሕረኛ፡ "እቲ ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ጥቓና እዩ ዝዓልብ ነይሩ።"
ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት፡ እቶም ሰራሕተኛታት መርከብ ክብገሱ ወሰኑ - መርከቦም ግን ብሚሳይላት ምስ ተሃርመት ነዊሕ ከይጸንሐት ጠሓለት። ኣብኡ ከድሕኖም ዝኽእል ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬትን ተንሳፋፊ ሻምበቆታትን ጥራይ ምዃኑ ይዛረብ።
"እቲ ማይ ኣዝዩ ረሳሕ እዩ ነይሩ፡ ኣዝዩ ዝሑል ድማ ነይሩ፡" ይብል እቲ ወዲ 22 ዓመት።
ኣብ መጀመርታ ሓገዝ ይመጽኦም ከም ዘሎ ተስፋ ጌሮም እኳ እንተነበሩ፡ ስምዒቶም ግን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ስለ ዝጸልመተ ንሓድሕዶም ምጥምማት እኳ ክጻወሩዎ ኣይከኣሉን።
"ኣብ ባሕሪ ክንጥሕል ኢና፡ ብዛዕባ ዝፈልጥ ሰብ እኳ ኣይህልውን ኢልና ሓሲብና። ግዜ ደው ዝበለ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ኣብ ዝዀነ ህሞት ክንመውት ንኽእል ኢና ኢለ።"
ንኣስታት 24 ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓሰንን ሓሙሽተ መሳርሕቱን - ሓደ ፓኪስታናዊን ኣርባዕተ ኢራናውያንን ዝርከብዎም - ብሓንቲ ብጥቓኦም ትሓልፍ ዝነበረት መርከብ ኢራን ድሒኖም።
"ብህይወት ክወጽእ'የ ዝብል ተስፋ ኣይነበረንን። እታ መርከብ ኣድሒና መግብን ማይን ምስ ሃበትና ግን፡ ተኣምር ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ሓድሽ ህይወት ድማ ተዋሂቡኒ።"
ሓሰን፡ ኢራን ንመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንምምላስ ንመጻብቦ ሆርሙዝ - ሓደ ዓቢ ዓለማዊ መስመር መራኽብ ዝሓልፋሉ ኣገዳሲመስመር - ኣረጊጣ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝተዓጽዋ ኣስታት 3000 መራኽብ ካብ ዝነበሩ ኣስታት 40 ሽሕ ባሕረኛታት ሓደ እዩ።
እዚ ግምት ካብ ፕረዚደንት ማሕበር መኮንናት ንግዳውያን ባሕሪ ባንግላድሽ ካፕቴን ኣናም ቾውድሁሪ ዝተረኽበ እዩ። ሕጂ ዝያዳ ትኽክለኛ ቁጽሪ መራኽብ ንምዕቃን ስለ ዝተኻእለ ግን እዚ ኣሃዝ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ይዛረብ።
ሓሰን እውን ካብቶም ውሑዳት ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝኽኣሉ ዕድለኛታት ባሕረኛታት እዩ። ናብ ኢራን ምስ ተመልሱ፡ እቲ ዋና መርከብ ንሓሰንን ፓኪስታናዊ መሳርሕቱን ፓስፖርቶም ምስ ንእሽቶ ንመገሻ ዝዀኖም ገንዘብ ገይሩ መለሰሎም።
እንተዀነ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ደሞዝ ኣይተኸፍሉን፤ እዚ ድማ 250,000 ሩፒ ፓኪስታን ወይ 895 ዶላር ይበጽሕ።
ካብ ኢራን በረራ ስለ ዘየለ፡ ሓሰን ካብቲ ልሙድ ግዜ ዕጽፊ ዝወሰደ ጕዕዞ 24 ሰዓታት፡ ናብ ዶብ ፓኪስታን በጺሑ፤ እዚ "ሓደገኛ" ክብል ዝገልጾ ጕዕዞ፡ ሰባት ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ይወጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ጽዑቕ ትራፊክ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰብ ድማ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ምንባሩ እዩ።
"እቲ መራሒ ታክሲ ከይተረፈ ኣዝዩ ፈሪሑ ነይሩ። ንሱ'ውን ህይወቱ ክመርሕ ስለ ዘለዎ እምበር ካብ ገዛኡ ኣይምወጽአን ነይሩ፡" ይብል ሓሰን።
ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ፖሊስ መፈተሺ ነቝጣታት ተዳልዮም ከም ዝነበሩን፡ ፖሊስ ድማ ተጓዓዝቲ ድሕሪ ምፍታሽ ጥራይ ክሓልፉ ከም ዝፈቕዱን ይዛረብ። ኣብ መንገዲ መግብን መስተን ኣዝዩ ውሑድ እዩ ነይሩ፣ ክልቲኦም ድማ ኣብ ምሉእ እቲ ጕዕዞ ሰለስተ ፓኬት ክሪስፕስን ክልተ ጥርሙዝ ማይን ጥራይ እዮም ነይርዎም።
ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ስድራ
ኵሉ ሰብ ብህይወት ካብ ኢራን ኣይወጽአን - ካልእ ፓኪስታናዊ ባሕረኛ ያሲር ካን ብ24 መጋቢት ኣብ ተመሳሳሊ ወደብ ብሚሳይል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ሞይቱ።
ብመሰረት ቾውድሁሪ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 12 ባሕረኛታት ተቐቲሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ፓኪስታን ሕዙናት ስድራቤታት ከም ባህሊ መግቢ ስለ ዘይሰርሑ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ደሴት ማኖራ ካራቺ ናብ ዝርከብ ገዛ ያሲር ብምኻድ መግቢ የምጽኡሎምን የጸናንዑዎምን ኣለው።
ያሲር ስድራቤቱን ፈተውቱን ሕጉስን ሕያዋይን ነይሩ ብምባል ይዝክሩዎ።
"ኣቦይ ትዕግስትን ትብዓትን የርኢ ኣሎ፡ ኣደይን ንዕልተይን ግን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣለዋ፡" ይብል ሓው ያሲር ዋጂድ።
"ሬሳ ያሲር መዓስ እዩ ክመጽእ? ስለ ምንታይ ነዊሕ መዓልታት ወሲዱ?' እዮም ዝብሉ። ኣደይ ከም ገለ ኢላ ቁሩብ ክትበልዕ ከገድዳ ይኽእል እየ፡ በዓልቲ ቤት ያሲር ግን ዋላ ሓንቲ ኣይትለክፍን ዘላ፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ፓኪስታን ሓዘንተኛታት ስድራቤታት ብባህሊ ምግቢ ስለዘይሰርሑ፡ ኣማኢት ሰባት ናብ ገዛ ያሲር ኣብ ደሴት ማኖራ ካራቺ ብምኻድ ጽንዓት ይሃብኩምን መግቢ ሒዞምን ይርከቡ።
እዚ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ከም ሓድሽ ባሕረኛ መጠን፡ ኣብ ስሓቢት ጃልባ ስራሕ ረኺቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ጥራይ እዩ ንፈለማ እዋን ናብ ኢራን ተጓዒዙ። "ዓብዪ ሕልሚ ነይርዎ፤ ክዕወት፡ ንበዓልቲ ቤቱን ውላዱን ክድግፍ፡ ዝሓሸ ህይወት ክህቦም እዩ ዝደሊ ነይሩ። ስለዚ'ዩ ድማ ከይዱ።"
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዒድ 21 መጋቢት፡ ያሲር ከም ኣመሉ ናብ ስድራቤቱ ደዊሉ፤ ብዛዕባ እቲ ኲናት ግን ኣይተዛረበን። ድሕሪኡ ግን፡ ንዋጂድ ብብሕቲ ክዛረቦ ሓተተ። "ካብኡ ንከወጽእ ዝሕግዘሉ መገዲ ክደሊ ሓቲቱኒ።"
ኣብተን ዝቐጸላ መዓልታት ዋጂድ ካብ ያሲር ፈጺሙ ስለ ዘይሰምዐ ገለ ነገር ከም ዝተፈጥረ ተገንዚቡ።
"ካብ ኩሉ ቦታ ሓበሬታ ንምርካብ ንጽዕርና ነይርና። ኣብ መጀመርታ፡ ብህይወት ክተርፍ ተስፋ ገይረ ነይረ - ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ወይ ካልእ መርከብ በጺሑ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ተጎዲኡ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
ኣብ መወዳእታ ድማ ያሲር ጽቡቕ ድቃስ ኣብ ዝደቀሰሉ እዋን ሚሳይል ንመርከብ ድሕሪ ምውቃዑ ከም ዝተቐትለ ፈሊጡ። ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እታ መርከብ ምሉእ ብምሉእ ጠሓለት እሞ ኩሎም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ናብ ባሕሪ ጥሒሎም። ሓደ ባሕረኛ ጥራይ እዩ ድሒኑ፣ ንሱ እውን ካብ ፓኪስታን እዩ።
ህይወትን ሞትን
ንሓሰን፡ ምጥሓል እታ መርከብ ኣብ ሕማቕ ክስተት ጽቡቕ ነገር ሒዙለይ መጺኡ'ዩ ኢሉ ይሓስብ፤ እዚ ድማ ካብ ኢራን ክወጽኣሉ ዝኽእል ዕድል ክረክብ ከም ዝገበሮ እዩ።
ዶብ ሰጊሩ ናብ ገዝኡ ክበጽሕ ተወሳኺ ሓሙሽተ መዓልታት ወሲዱሉ - ኣዲኡ፡ ኣሓቱን ኣኮኡን ድማ ናይ ሓጎስ ንብዓት እናነብዑ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኰይኖም ይጽበዩዎ ነይሮም።
"ንኣደይ ንክንደይ ሰዓታት ከም ዝሓቖፍኩዋ ኣይፈልጥን። ካብዚ ንላዕሊ ክጎድኣኒ ዝኽእል ነገር ከም ዘየለ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።"
ድሕሪኡ፡ ኣብ ዱባይ ዝሰርሕ ኣቡኡ ቴሌፎን ደዊሉ።
"ብተሌፎን'ውን ይበኪ ነይሩ። ኣጸናንዑኒ'ዩ፡ ብዛዕባኡ ከይጭነቕ፡ ድሓን'የ ኢሉኒ። ናብ ፓኪስታን ተመለስ ኢለዮ፡" ይብል ሓሰን።
"እንተ ተመሊሱ ግን ናብ ዱባይ ክምለስ ኣይኽእልን፤ እዚ ድማ ዓቢ ፋይናንሳዊ ክሳራ ከም ዘስዕብ ነጊሩኒ።"
ሓሰን ባሕረኛ ብምዃኑ ኣይጠዓሰን፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ኢራን ከም ዘይሰርሕ ግን ይዛረብ።
ስድራ ዋጂድ ንሬሳ ያሲር ቀቢሮምዎ ኣለዉ፡ እንተዀነ ሞቱ ንክቕበሉ ነዊሕ ግዜ ክወስደሎም እዩ።
ወዲ ያሲር ቈልዓ ሰለስተ ዓመት'ዩ።
"ወትሩ ንወዲ ሓወይ ይጥምቶ፤ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እኳ ኣይርድኦን፡" ይብል ዋጂድ።