እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም 2026 ክትርእዩ ትደልዩ ዶ? በሉ 11 ሽሕ ዶላር ቀርቡ
ትኬታት ዋንጫ ዓለም 2026 ብረቡዕ ንመሸጣ ኣብ ዝተዳለወሉ፡ ፊፋ ንመዛዘሚ ጸወታ ንምዕዛብ ዘኽእል ትኬት ክሳብ 10 ሽሕን 990 ዶላር ይሸጦ ከምዘሎ ተረጋጊጹ።
እዚ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ኵዕሶ እግሪ እቲ ዝኸበረ ትኬት ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ። ነቲ ትኬት ገዚኦም ዳግማይ ዝሸጡ ሰባት ከኣ ልዕሊኡ ክሸጥዎ ከምዝኽእሉ ክግመት ይክኣል።
ኣብቲ ካናዳ፡ ሜክሲኮን ኣመሪካን ብሓባር ዘአንግድኦ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ንናይ መዛዘሚ ጸወታ ንምዕዛብ ዘኽእል ትኬት ብ1550 ዶላር ክሽየጥ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ታሕሳስ ንወግዓውያን ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ትኬት ክሽየጥ ምስ ጀመረ እቲ ዋጋ ናብ 8 ሽሕን 680 ዶላር በጺሑ። ብረቡዕ ዳግማይ መሸጣ ትኬት ኣብ ዝተጀመረሉ ከኣ እቲ ትኬት ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ተራእዩ ናብ ዘይፈለጥ ዋጋ ዓሪጉ።
ኣብ 2022 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ንመዛዘሚ ጸወታ ክትዕዘብ ዘኽእል ትኬት እቲ ዝኸበረ ብ1604 ዶላር'ዩ ተሸይጡ ነይሩ።
ፊፋ ዋጋ ትኬት ዝትምነሉ መስርሕ ብወግዒ ስለዘይሕብር፡ እቲ ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ብሓባር ዘአንግደኦ ዋንጫ ዓለም ንምንታይ'ዩ ዋጋ ትኬት ክሳብ ክንድዚ ከቢሩ ምግማት ኣይክኣልን'ዩ።
ሓደ ርጉጽ ኰይንና እንዛረበሉ ነገር፡ ጠለብ ኣብ ዝበዝሓሉ ዋጋ ክውስኽ ከምዝኽእል'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፊፋ ሓርፋፍ ዋጋ ትኬት ኣብ ዝዘርግሓሉ፡ እቲ ዝሓሰረ ትኬት ክሳብ ክሳብ 60 ዶላር ክሽየጥ ከምዝኽእል'ዩ ገሊጹ ነይሩ።
ብረቡዕ ትኬታት ብክፉት ንመሸጣ ምስ ተዳለወ ግን ኣዳለውቲ እዚ ውድድር ንትኬት ዝሸጥሉ ዘለዉ ዋጋ ካልእ ኰይኑ ጸኒሑ። እዚ ምስ ዝሓለፈ መዛዘሚ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ከቢሩ ከምዘሎ'ዩ ዘርእየና።
ንኣብነት ኣብ 2022 ቀጠር ኣብ ዘአንደደቶ ዋንጫ ዓለም ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ትኬት ካታጎሪ ሓደ ብ1604 ዶላር፡ ትኬት ካታጎሪ ከልተ ለብ1001 ዶላር፡ ትኬት ካታጎሪ ሰለስተ ከኣ ብ603 ዶላር'ዩ ተሸይጡ ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት'ውን ፊፋ ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ቕደመ ዋጋ ንትኬት ካታጎሪ ሓደ፡ ብ1550 ዶላር ከምዝሸጦ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2026 ንተመሳሳሊ ትኬት ሃንደበት 6730 ኣብጺሕዎ፤ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ክፉት መሸጣ ከኣ 8680 ዶላር በጺሑ። ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኸፈተ መሸጣ ከኣ ዋጋ ትኬት ካታጎሪ ሓደ፡ ብ10990 ዶላር ንመሸጣ ቀሪቡ።
ካልእ ከ ክንደይ ይሽየጥ ኣሎ?
ኣብ ሓደ ስታድዮም ዘሎ ኮፍ መበሊ ከከም ንምርኣይ ዘለዎ ምችኡነትን ንሜዳ ዘለዎ ቅርበትን ዋጋኡ ይፈላለ'ዩ።
እቲ መርበብ መሸጣ ትኬት ፊፋ እቲ ዋጋ ናይቲ ዘይተሸጠ ሰድያታት ጥራይ ስለዘርኢ፡ እቲ ካልእ ሰድያታት ብኽንደይ ተሸይጡ ክፍለጥ ስለዘይክኣል ብዛዕባ ዋጋታት ትኬት ምሉእ ስእሊ ክህልወካ ኣይክእልን'ዩ።
እንተዀነ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ትኬታት ብምርኣይ ግን ዘሎ ዋጋታት ንምርዳእ ኣየጸገምን'ዩ።
ብሓፈሻ ምስቲ ኣብ ታሕሳስ ዝነበረ ዋጋ ትኬታት ብምንጽጻር እዚ ሕጂ ዝሽየጥ ዘሎ ትኬታት ዋጋኡ ብ38 ምኢታዊት'ዩ ወሲኹ ዘሎ።
ኣብ ናይ ታሕሳስ እቲ ሕጂ 10 ሽሕን 990 ዶላር ዝሽየጥ ዘሎ ትኬት ናይ መዛዘሚ ጸወታ ንመሸጣ ቀሪቡ ስለዘይነበረ ግን ዋጋኡ ወሲኹን ጎዲሉን ክንብል ኣይንኽእል ኢና።
ኣብቲ ታሕሳስ ንመሸጣ ተዳልዩ ዝነበረ ትኬት፡ ፊፋ ካታጎሪ ክልተ ኢሉ ዝሰመዮም ሰድያታት ዋጋ ትኬት 5575 ዶላር ዝነበረ ሕጂ ብ32.7 ምኢታዊት ወሲኹ 7380 ዶላር ይሽየጥ ኣሎ።
ኣብ ካታጎሪ ሰለስተ ሰድያታት ከኣ ዋጋ ትኬት 4185 ዶላር ዝነበረ ሕጂ ብ38.23 ሚእታዊት ወሲኹ ብ5785 ዶላር'ዩ ዝሽየጥ ዘሎ።
ፊፋ ዝገዛእካዮ ትኬት ዳግማይ ባዕልኻ ዋጋ ሰሊዕካ ትሸጠሉ መርበብ ሓበሬታ'ውን ኣለዎ። ድሮ'ውን ሓደ ብ10 ሽሕን 990 ዶላር ንዝገዝኦ ትኬት፡ ብ82 ሽሕን 780 ዶላር ንክሸጦ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዓዳጊ የናዲ ኣሎ።
ፊፋ ዳግማይ ኣብ ዝሽየጥ ትኬት ካብ ዓዳጋይን ሸያጣይን 15 ምኢታዊት ናይቲ ዋጋ ይወስድ'ዩ።
ቢቢሲ ትኬት ንምግዛእ ኣብ ዝፈተነሉ. . . .
ቢቢሲ ስፖርት ብረቡዕ ኣብቲ ንደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ዝተዳለወ ትኬት ንምግዛእ ሰዓት 15፡20 ነቲ መርበብ ሓበሬታ መሸጣ ትኬት ከፊትዎ።
ሓንሳብ ክንጽበ ተሓቢሩና፡ ድሕሪ ናይ 40 ደቂቕ ትጽቢት ' Almost there…' [ቀሪብኩም ኢኹም] ዝብል ቀይሕ ጽሑፍ መጺኡና።
ሰዓት 17፡00 [ድሕሪ ሰዓትን 40 ደቂቕን] ክልተ ደቂቕ ከምዝተረፈና ተሓቢርና፡ ሰዓት'ውን ካብ ክልተ ደቂቕ ንድሕሪት ክትቆጽር ጀሚራ፡ ሃንደበት ግን 15 ደቂቕ ከምዝተረፈና'ውን ተነጊሩና።
እዚ ክኣ ኣዝዩ ብዙሕ ሻብ ተደጋጊሙ።
ብዙሓት ደገፍቲ'ውን ትኬት ክገዝኡ ኣብ ዝፈተንሉ ተመሳሳሊ ጸገማት ከምዘጋጠሞም ክንርዳእ ክኢልና።
ብሓፈሻ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰዓታትን 14 ደቂቕን ትጽቢት ናብቲ ጸወታን ሰድያን እንመርጸሉ ናይ መወዳእታ መርበብ ሓበሬታ በጺሕና።
ካብቲ 75 ጸወታታት ናይ 35 ጸወታታት ትኬት ጥራይ'ዩ ግን ንመሸጣ ድሉው ኰይኑ ጸኒሑና። ንኣብነት ጸወታታት ዓዲ እንግሊዝ ወይ ስኮትላንድ ንምዕዛብ ኣብ ዝሓተትናሉ እቲ ኣስማተን ኣብቲ ዝርዝር ኣይጽንሓናን።
ናይቲ 35 ጸወታታት ከኣ ዋጋኡ እቲ ዝሓሰረ 140 ዶላር እቲ ዝኸበረ ከኣ 2985 ዶላር'ዩ ነይሩ።
ካብቲ ተዘርጊሑ ዝነበረ ናይ ምድብ ጸወታታት እቲ ዝኸበረ ትኬት እቲ ኣብ ሞንጎ ሜክሲኮን ደቡብ ኣፍሪቃን ተሰሪዑ ዘሎ ጸወታ'ዩ።
ንሓደ ትኬት 2985 ዶላር ንመሸጣ ተዳልዩ ኣሎ፤ ካብቲ 87 ሽሕ ሰድያታት ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ሰድያታት'ዩ ንመሸጣ ተኸፊቱ ጸኒሑና ።
እቲ ካልእ ንመሸታ ተዳልዩ ዘሎ ብጥርኑፍ ትኬትን ሆቴላታን ብሓባር ትሕዘሉ'ዩ።
ንኣብነት ዓዲ እንግሊዝ ኣንጻር ፓናማ ዝገብረኦ ጸወታ ዝርከቦ 24 ጸወታታት እናተዓዘብካ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ሆቴል እናደቀስካን እናተመገብካን ንምቕናይ ንሓደ ሰብ ንሓደ መዓልትን ጸወታን ብሕሳብ 5200 ዶላር ብድምር ንኹሉ 24 ጸወታታት ንምዕዛብ ከኣ 124 ሽሕን 800 ዶላር ተሰሊዕሉ ኣሎ።