ብሚሳይላት ዒላማ ዝዀና ምዕሩጋት ዓድታት - ኲናት ኢራን መጻኢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብኸመይ'ዩ ክቐርጾ?

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ንነዊሕ እዋን፡ ከም ገነት ርግኣትን ባህግን ዝረኣያ ዝነበራ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ - ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ዖማንን ባሕሬንን - ኣውፈርቲ፡ ዓበይቲ ኮርፖሬሽናትን ክኢላታት ሰራሕተኛታትን ብብዝሒ ስሒበን እየን።

ኣብዘን ሃገራት ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ናብ ዓለማዊ ማእከላት፡ ከተማታት ድማ ናብ ማእከል ፋይናንስን ቱሪዝምን ተቐይሮም።

ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ግን ነዚ ምስሊ ደዊንዎ'ሎ፤ ምኽንያቱ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ዝገበራ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ንሲቪላውን ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን እውን ሃሪመን እየን።

እዘን ሃገራት ህወይት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስ ፈቲነን፤ ንኣብነት መንግስቲ ቐጠር ዩኒቨርሲቲታት ዳግማይ ከፊቱ። ገለ ክኢላታት ግን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ስንባደ ክጻወራ ይኽእላ እየን፣ እቲ ኲናት ግን ስትራተጂያዊ ዳግመ-ምትዕርራይ ክመጽእ ከም ዘገደደ ይምጕቱ።

"ካብ ኢራን ዝመጽእ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ኣይትኽእልን፡ ምኽንያቱ እዚ ጂኦግራፊ'ዩ - ቅርበት ኣሎ፡" ይብል ክኢላ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ኣሌክስ ቫታንካ።

"እዘን ሃገራት ሕጂ ነቓዕ ኣትወዩን ኣሎ፣ ኣብ ናይ እንዳማተን ኲናት ቅድመ ግንባር ኰይነን ኣለዋ፣ ምስዚ ዅሉ ግን ኣዝዩ ከቢድ ቍጠባዊ ዋጋ ይኸፍላ ኣለዋ።"

ወሲኹ ድማ፡ "ዋላ'ውን ኵሉ ገንዘቦም ኣብ ምክልኻል እንተዘውጽእዎ፡ እቲ ዝረኣናዮ እዘን ሃገራት ንኢራን ኣዝየን ቀለልቲ ዒላማታት ምዃነን እዩ። እቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ወፍሪ እዘን ሃገራት ከኣ ግዳይ ብውሑዳት ኣሽሓት ዶላር ዝግመታ ድሮናት ኢራን ናይ ምዃን ሓደጋ ዝተቓልዐ'ዩ፡" ይብል።

እዚ ዘይምዕሩይነት፡ ዋጋታት መድሕን ክውስኽ፡ ሎጂስቲክስ ይሓላለኽን ኩባንያታት ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ተቓላዕነት ዳግማይ ክሓስባ ክገብረን ይኽእል።

ርእሰ-ምሕደራ ምዕቃብ

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝተቐርቀራሉ እዋን፡ ሓደ ቅጽበታዊ ምዕባለ ምስ ዋሽንግተን ዘለወን ምትእስሳር ድሕነት ዳግማይ ምሕዳሰን'ዩ ትብል ክኢላ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ማእከል ፖሊሲ ኢማራትስ ዶክተር ኢብቲሳም ኣልከትቢ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ "ብሰንኪ ቅልጡፍ ድሌታት ጸጥታ ናብ ኣመሪካ ተጸጊዐን - ስቕ ኢለን ድማ ብተግባር ናብ እስራኤል ይቐርባ ኣለዋ፡" ትብል።

እዚ ምትሕብባር እዚ ግን ስነ-ሓሳባዊ ዘይኰነስ ፕራግማቲክ - ኣብ ግብርን ውጽኢትን ዝተሞኰሰ - ምዃኑ ተስምረሉ።

"ናብቲ ኲናት ተጐቲተን ብዕምቈት ከይኣትዋ፡ ቀንዲ ዒላማ ከይኰናን ስትራተጂያዊ ርእሰ-ምሕደራ ከይስእናን ይሰግኣ እየን።"

ቫታንካ፡ ኣብ ዙርያ ድሕነት ዝያዳ ርክባት ምስ ገለ ገደባት ከም ዝመጽኡ የጠንቅቕ - ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ንወሽመጥ ዓረብ ክትከላኸል ዘለዋ ድልውነት።

መንግስታት ወሽመጥ ዓረብ ቅድሚ እቲ ግጭት ነዊሕ እዋን ንዋሽንግተን ብዛዕባ ሓደጋታት ምብራኽ እቲ ኲናት ኣጠንቂቘማ ከም ዝነበሩን ሓዲግ ከም ዝተረፉን ይዛረብ።

"ትራምፕ ምእንቲ ነታንያሁ እዩ ናብ ኲናት ኣትዩ፣ ንሃገራት ወሽመጥ ድማ ዕሽሽ ኢሉወን፡" ይብል።

"ከምቲ እስራኤል እትረኽቦ (ካብ ኣመሪካ) ኣተሓሕዛ ፈጺሞም ከም ዘይረኽቡ ይፈልጡ'ዮም፡" ይብል።

ንሱ፡ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኣመሪካ'ውን ዋሽንግተን ኣብ ነዊሕ እዋን ንመሓዙት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምክልኻል ክሳብ ክንደይ ከም እትኸይድ ይድርት'ዩ ይብል።

"ህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ንዘሎ ወተሃደራዊ መደበራት ብዕጽፊ ክደላደል ይደሊ ድዩ... ከመይ ጌርካ ትእምኖ? እዚ ኣንጻር እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ምትእትታዋት ንኣመሪካ ካብ ውሽጣ የጸልማ ኣሎ ዝብል ቀንዲ ስነ-ሞጎት ምንቅስቓስ ማጋ'ዩ።"

ግትኣትን ዲፕሎማስን

ኢራን ብወገና፡ ዘይንጹር መርገጺ ንምምልካት ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጸቕጢ ትገብር ኣላ ይብል ቫታንካ።

"ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ ዘይምዅናነን ይነቅፍ'ዩ ... ኢራን 'ካብዚ ውግእ ንርእስኹም ኣውጽኡ' ትብሎም ኣላ።"

መንግስታት ወሽመጥ ዓረብ "ብኢራን ተቘጢዖም'ዮም፡" ክብል እንከሎ፡ ቀንዲ ዒላማ ካብ ምዃን ክቑጠቡ ግን ይደልዩ። ስትራተጂኦም ኣብ ስርሒታት ኣመሪካ ወይ እስራኤል ርኡይ ተሳትፎ ካብ ምግባር ብምቑጣብ መከላኸሊ ምህናጽ ምዃኑ ይዛረብ።

"ኢራን ሰባት ኣብዘን ሃገራት ንኽነብሩ ኣጸጋሚ ክትገብር ትኽእል እያ። ምሉእ ህላወአን ድማ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ፡" ብምባል፡ ንሓደጋታት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምጽራይን ምህራም ብኣብነት ይጠቅስ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኩዌት ሓጋዚ ፕሮፌሰርን በዓል ስልጣን መንግስቲ ኩዌት ነበርን ዶክተር ባደር ሙሳ ኣል ሳይፍ፡ እቲ ናይ ነዊሕ ግዜ መፍትሒ ዲፕሎማሲ ምዃኑ ገሊጹ።

"ምስ ጐረባብትና ክንሰማማዕ ኣለና፣ ምስ ኢራን ብቐጥታ ክንዛረብ ኣለና፣ ነቲ ከባቢ ብኸመይ ከም እነመሓድሮ ንጹር መደብ ክንሕንጽጽ ኣለና።"

ኣብ ፈተና ዝኣተወ ተጻዋርነት ቍጠባ

ወሽመጥ ዓረብ ካብ ብነዳዲ ዝምራሕ ቍጠባ ናብ ዓለማዊ ማእከላት ኣገልግሎት ምቕያሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብቶም ኣዝዮም ዘደንቑ ቍጠባዊ ተኣምራታት ሓደ እዩ።

እቲ ኲናት ነዚ ጕዕዞ ንድሕሪት ዘይመልሶ ክኸውን ይኽእል፤ ተቓላዕነት ምህላው ግን ከም ዘቃልዐ ምዃኑ ክኢላታት የጠንቅቑ።

ኣል ከትቢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ "ዓበይቲ ማእከላት ኰይነን ክቕጽላ - ግን ከኣ ምስ ግዜ ዝውስኽ ቅድመ ኵነት፡" ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት ኣለዋ። እዚ ድማ ዝለዓለ ወጻኢታት፡ መድሕንን ኣረኣእያ ሓደጋን የጠቓልል።

እቲ ስግግር ካብ ኣብ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ንላዕሊ ኣብ መንግስታት ዝምርኰስ ከም ዝኸውንን፡ ትካላት ንግዲ ድማ ከም ካብ ብዙሓት ማእከላት ምዝዋር ዝኣመሰሉ መተካእታ ስትራተጂታት ይኽተሉ ከም ዘለዉን ትምጕት።

ምስ ግዜ፡ ኣል ከትቢ እዘን ሃገራት ምስ መን ንግዲ ከም ዝገብራ ክሓስባሉ እየን ዝብል እምነት ኣለዋ። እዚ ድማ ኣብ ኣመሪካ "ዓቐን ዝሓለፎ ጽግዕተኛነት ንኸይህልወን" ናብ ቻይናን ካልኦት ዞባዊ መሻርኽትን ክኸዳ ይኽእላ እየን ኢላ ትኣምን።

ኣል ሳይፍ፡ ፋይናንሳዊ ሓይሊ እቲ ዞባ ነቲ ጽልዋ ከጕድሎ ይኽእል'ዩ ብዝብል ይሰማማዕ።

"ብመንጽር ሃገራዊ ውጥን ስግግር ኣብ ምፍጻም ንዝገበርናዮ ምዕባለ ዝሓቶ ዋጋ ክህሉ'ዩ፡" ዝብል ኣል ሳይፍ፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ መመንጨዊ ጸዓት ራስ ላፋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዘስዓቦ ዕንወት "ዳግም ንኽህነጽ ሒደት ዓመታት" ከም ዝወስድን፡ ዝጽገነሉ እዋን ኣብ ዓመት ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ኣታዊታት ከም ዝጎድልን ይገልጽ።

"እዚ ሓደ ንእሽቶ ኣብነት'ዩ... ነዚ ዝጻወር ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዘለና ግን ይመስለኒ። ገለ ካብ ፕሮጀክትታትና ምጕዳል ከድሊ ይኽእል'ዩ... ንወፍርታትና ዳግማይ ቀዳምነት ምሃብ።"

ይዅን እምበር "ብሰንኪ ኣቀማምጣና ብመንጽር ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ፋይናንሳዊ ጽልዋን ብዝሒ ርእሰማልን፡ ውሑድ ህዝቢ፡ ትዅረት ዝገበረ ሸቶታት፡ ዕድላት ወፍሪ ይበዝሑ፡" ኢሉ ይኣምን።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት ዝነበረ ወራር ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ኩዌትን ውጽኢቱ ዝዀነ ኲናት ወሽመጥ ዓረብን ብምዝኽኻር፡ ኣብ ማእከል ተዋጋእቲ ወገናት ምቕርቃር "ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣይኰነን፡" ይብል።

"ኣብ መጀመርታ 2000'ውን ግዳያት ግብረሽበራ ኢና ነይርና... ነቲ ብድሆ'ውን ኣመሓዲርናዮ። ኣብ መጀመርታ 2010፡ 2011፡ ተቓውሞታት ዓረብ እንተዘኪርኩም፡ ኣብቲ ዞባ'ውን ኣጋጢሙ'ዩ። ነዚ'ውን ክንወጽኦ ክኢልና፡" ይብል።

ዝተዋደደ ምክልኻል

ሓደ ነባሪ ውጽኢት ናይቲ ግጭት፡ ዝያዳ ውሁድን ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለን ኣቃውማ ምክልኻል ወሽመጥ ዓረብ ክኸውን ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ኣልከትቢ፡ ኣቐዲሞም መጠንቀቕታ ዝህቡ መርበባት፡ ድሮናትን ዓቕሚ ሳይበርን ብምጥቃም ኣብ ምክልኻል መጥቃዕቲ ሚሳይል ዓቢ ወፍሪ ክገብራ እየን ትብል።

ኣል ሳይፍ፡ ውሁድ ዓቕሚ ምክልኻል ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድ ኣለዎ ይብል።

"ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ማእከላይ ስርዓተ ዕድጊ ክህልወና ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ንሕንሕ ግን ነዚ ህርፋን ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

ቫታንካ፡ "ገለ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ክንዲ ምስ ኢራን ንሓድሕደን ተቐናቐንቲ'የን፡" ብምባል እዚ ድማ ብመዳይ ፖለቲካ ውሁድ ምክልኻል ክትሃንጽ ተሃዋሲ ከም ዝገብሮ የረድእ።

መጻኢ ዕድል ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ኢራን ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ሰፊሕ ዞባዊ ዳይናሚክስ ዝምርኰስ ምዃኑ ክኢላታት ይኣምኑ - እንተላይ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝፍጠር ወጥሪ።

"ኢራን ሓንቲ ኣካል መንገዲ ዞባዊ ስርዓት እያ ኢልካ ምግማት ጌጋ'ዩ፤ እዘን ሃገራት ካብ ሓድነት ንላዕሊ ናይ ዘይምስምማዕ ታሪኽ ኣለወን፡" ክብል ቫታንካ የጠንቅቕ።

ይዅን እምበር፡ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝያዳ ወተሃደራዊን ንሓደጋታት ዝቃልዓሉን ሃዋህው ኣብ ዘለዎ ከባቢ ኰይኑ፡ ዓቢ ዓለማዊ ማእከል ኰይኑ ክቕጽል ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣገዳስነተን ኣይክጎድልን፤እንተዀነ ኲናት ኢራን ኣቃውማአን ክቕየርን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከጠናኽራን ከም ዝገብረን ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣልከትቢ፡ "ወሽመጥ ዝያዳ ተጻዋርነት ክህልዎ'ዩ - ምስ ግዜ ግን ዝያዳ ተቓላዕን ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝበዝሖን ክኸዉን'ዩ፡" ኢላ።