ኣመሪካ፡ መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ዝሓየለሉ ዲፕሎማሰኛታታ ካብ ስዑድያ ክወጽኡ ኣዚዛ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሓየለሉ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገለ ዲፕሎማሰኛታቱ ምስ ስደራቤቶም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዛ።

ትማሊ ሑቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስዑድያ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕትታት ድሮን ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ሰብ መዚ ስዑድያ፡ ካብተን ብሚሳይላት ስዑድያ ዝበርዓና ድሮናት ናብ መሬት ክወድቃ እንከለዋ ክልተ ሰብ ከም ዝተቐተሉን፤ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ከተማ ደማም ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ፋሃድ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከኣ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ስዑድ ዓረብን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲን ዝካየድ ሓድሕድ ምጥቅቓዕ ኣመና እዩ ጻዕጺዑ።

ዕጡቃት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ማእከላት ጸዓትን ወተሃደራውያን መዓስከራትን ስዑድያ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕትታቶም ብምሕያል ዓቢ ዕንወት ከስዕቡ ክኢሎም'ዮም።

እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፊ ነፈርቲ ሪያድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ንግስነት ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዘጋጠማ ሞት ዘስዓበ መጥቃዕትታት እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንውሳነ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ስርሖም ህጹጽነት ዘይጠልብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካን ኣባላት ስድራቤቶምን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ትእዛዝ ኣውጺኡ'ሎ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ መዓርፎ ነፈርቲን ካልእ ወሳኒ ትሕተ ቅርጽን ስዑድ ዓረብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሞትን ከቢድ ምዝንባዕ መገሻን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ ዝፍጸም ተጻብኦታት እናወሰኸ መጺኡ'ሎ" ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል "እቲ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ክዓብን ክሰፍሕን" ተኽእሎ ከምዘለዎ'ውን ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ፋሃድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞም ሰበስልጣን ስዑድያ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝርዝራዊ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተወሃበ፡ ኣቐዲሞም ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑድያ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም።

ምኒስተር ጸዓት ስዑድያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ጥቃ ዶብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ መዐደኒ ነዳዲ ሻያባህ ዝዓለመ ክልተ ሰብ ዘቝሰለ መጥቃዕቲ ድሮን መን ከምዝፈጸሞ ኣየብረሀን።

የመን፡ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ኣብ 2014 ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ካብ ዝደፍእዎ ንደሓር'ያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ።

ኣብ 2015 ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ንመንግስቲ የመን ናብ ስልጣኑ ንምምላስ ኢዱ ምስ ሓወሰሉ ከኣ እቲ ኲናት መሊሱ ተጋዲዱ።

ኣብ መንጎ ሑቲን እቲ ልፍንታዊ ሓይልን ንኣርባዕተ ዓመት ተግባራዊ ዝዀነ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት'ኳ ተበጺሑ እንተነበረ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ስዑድያ እገዳ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ጸዓት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መዓደኒ ነዳድን ካልእን ስዑድያ ተደጋጋሚ መጥቃትታት ድሮንን ሚሳይልን ብምክያዶም እቲ ውዕል ፈሪሱ።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ስዑድያ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ዝርከቦም ንሶም ዝቈጻጸርዎ ቦታታት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብምፍጻማ ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየድዎ'ዮም ዝሕብሩ።

እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ደቡባዊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ ዝርከብ ኣገዳሲ መተሓላለፊ መራኽብ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንዳብ ብምቍጽጻር ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥር ክኢሉ ነይሩ'ዩ።

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማረን፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ስለዝዓጸወቶ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ነዳዲ ርኡይ ወሰኽ'ዩ ተራእዩ።

እታ ዝገዘፈ ክፋል ቍጠባኣ ኣብ ሰደድ ነዳዲ እትምርኰስ ስዑድያ መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ተዓጸወ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ሰደድ ትገብር ነይራ'ያ። ሕጂ ግን ዕጡቓት ሑቲ ንመጻብቦ ባብ ኣል መንደብ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣብ ልዕሊ መራኽብ፡ መዓርፎ ነፈርቲን ማእከላት መዐደኒ ነዳድን ስዑድያ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ንኽውስኽ ደሪኾም ኣለዉ።