ኣብ ፌስቡክ ብዝሃቦ ርእይቶ ንሞት ዝተፈረደ ውልቀሰብ - ኣበይ ኣተወ?

ምንጪ ስእሊ, Anojan Sivarasa's Facebook page
ወዲ 24 ዓመት ኣኖጃን ሲቫርሳ ካብ ኣሕዋቱ በዅሪ ኰይኑ ስድራኡን ኣሕዋቱን ንኽሕግዝ'ዩ ካብ ሲሪላንካ ናብ ስዑድያ ተሰዲዱ።
ኣብ ፌስቡክ ብዝሃቦ ርእይቶ ኣንጻር እስልምናን ነቢ መሓመድን ብምጽራፉ ከኣ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኰይኑ ስለዝረኸቦ ብማሕነቕቲ ክቕተል ፍርዲ ሂቡ።
እዚ ዝሰምዐት ወላዲቱ እናነብዐት "ነቲ ወደይ ዝሃቦ ርእይቶ ባዕለይ ይቕሬታ ይብለሉ ኣለኹ፣ በጃኹም ወደይ ምሓሩለይ፡ በጃኹም ናብ ዓዱ ምለሱለይ" ዝብል ርእይቶ ሂባ።
ፍርዲ ኣኖጃን ሲቫርሳ ምስ ተሰምዐ ኣብ መላእ ስሪላንካ'ዩ ራዕዲ ፈጢሩ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ፍርዲ ደው ክብል ጎስጓሳት ጀሚሮም።
ፍርዲ ኣኖጃን ሲቫርሳ ንኸይፍጸም ከኣ ሓያለ ፖለቲካውያን ውድባት ስሪላንካ፡ ኣካላት መንግስትን ካልኦትን ብሓባር ብምዃን ምሕረት ንኽግበረሉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።
ስድራ ኣኖጃን ሲቫርሳ ግን ካብ 28 መስከረም ጀሚሮም ድሃዩ ስለዘይሰምዑ ኣብ ሻቕሎት'ዮም ዘለዉ።
መንግስቲ ስሪላንካ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይግበር ስለዘሎ ስድራ ኣኖጃን ሲቫርሳ ዝዀነ ርእይቶታትን መግለጺታትን ካብ ምሃብ ደው ከብሉ ኣዚዝዎም ኣሎ።
መንግስቲ ስዕድያ፡ ፍርዲ ኣኖጃን መዓስ ከምዝፍጸም ናይ ግዜ መቓን ስለዘይገለጸ እቲ ፍርዲ መዓስ ከምዝፍጸም ዝተፈለጠ ነገር የለን።
መንግስቲ ስዑድያ ንሞት ዝተፈረዱ ፍርዶም ኣብ ዝፍጸመሉ መዓልቲ ንኤምባሲታት ይዅን ንስድራ ግዳያት ኣቐዲሙ ሓበሬታ ኣይህብን'ዩ፤ እቲ ፍርዲ ሞት ምስ ተፈጸመ'ዩ ንስድራ ግዳያት ሓበሬታ ዝህብ።
ኣኖጃን ሲቫርሳ ኣብ ሲሪላንካ ኣብ እዋን ንግደት ሂንዱ ዘጋጠመ ፍጻመ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ዘጋጠመ ምስሕሓብ እዩ ተኸሲሱ።
ኣብ መወዳእታ ሰነ 2026፡ ሓደ ኣስላማይ መንእሰይ ንፈለስቲ ሂንዱ ተኸቲሉ ዝኸይድ ዝነበረ ከልቢ እናቀልዖ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ሃይማኖታዊ ክትዕ ኣበጊሱ።
ኣብቲ ምልውዋጥ ዘረባ፡ ሓደ ተጠቃሚ ብዛዕባ ሓደ ኣምላኽ ሂንዱ ዘነኣእስ ቃላት ብምልጣፉ፡ ኣኖጃን ንነቢ መሓመድ ዝጸርፍ መልሲ ብቋንቋ ታሚል ክዝርግሕ ምኽንያት ኰይኑ።
ብድሕሪ'ዚ ኣኖጃን ነቲ ዝሃቦ ርእይቶ ብምድምሳስ፡ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምውጻእ ብቪድዮ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እንተዀነ ነቲ ርእይቶኡ ኣብ ሞባይሎም ስኢሎም ሒዞምዎ ዝጸንሑ ሰባት ናብቶም ኣብ ስዑድያ ዝርከቡ ኣስራሕቱ ኣብጺሖምዎ፡ በዚ ከኣ ኣብ ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ብድሕሪ እዚ ሰብ መዚ ስዑድያ ከም ሞባይል ዝኣመሰላ ውልቃዊ ኤሌትሮኒያዊ ንብረቱ ብምሕዳግ ኵሉ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕሳባቱ ዓጽየሞ።
ሓው ኣኖጃን ሃምሲዳን ሲቫራሳ ንቢቢሲ ሲንሃላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ስዑዲ ዓረባውያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ስሪላንካ ዝርከቡ ውልቀሰባት እዮም ናብቲ ሓወይ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኩባንያ ኢመይል ልኢኾም። እቶም ሰባት መን ምዃኖም'ውን ክጠቅስ ኣይደልን እየ" ኢሉ።
ንኣኖጃን ዝቘጸረ ኩባንያ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ኣኖጃን ክሲ ክምስርቱ ከም ዝሓተቱ'ውን ሃምሲዳን ሓቢሩ።
ኣኖጃን ናብ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰርን ኣብ ልዕሊኡ 3 ሚልዮን ሪያል ስዑዲ [800 ሽሕ ዶላር] ገንዘባዊ መቕጻዕትን ተበይንዎ።
እቲ ዝተበየኖ ፍርዲን ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክንከየሉ ብወኪላቱ ገይሩ'ኳ ይግባይ እንተበለ፡ ናይ ይግባይ ሕቶኡ ከምዝተነጸገ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ቪጂታ ሀረት ይሕብር።
![ፕረዚደንት ኣኑራ ኩማራ [ካብ ጸጋም ራብዓይ ዘሎ] ምስ ስድራ ኣኖጃን ብምርኻብ፡ ህይወት ኣኖጃን ንምትራፍ ኩሉ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከምዘካይፍ ቃል ኣትይሎም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/010b/live/0b52fe70-c093-11f1-bc2e-018d645d8d21.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, President's Media Division
ኣኖጃን በቲ ዝተበየኖ ፍርዲን ናይ ይግባይ ሕቶኡ ብምንጻጉን ኣብ ከቢድ ሓዘን እንከሎ ግን ኣኽበርቲ ሕጊ ስዑድያ ብ17 መስከረም ክሲ ኣኖጃን ኣብ ክንዲ ከም ሳይበራዊ ገበን ተራእዩ ብገበናዊ ቤት ፍርዲ ዝርአ ብሕጊ ሸሪዓ ክረአ ከምዘለዎ ጠሊቦም፣ ጠለቦም ስለዝተሰምዐ ከኣ ብማሕነቕቲ ክቕጻዕ ብሕጊ ሸሪዓ ተፈሪዱ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ስሪላንካ ንኣኖጃን ንምሕጋዝ ኵሉ ዓይነት ጻዕርታት ይገብሩ ከምዘለዉ'ዮም ዝሕብሩ።
ስድራ ኣኖጃን'ውን ብ 21 መስከረም ንፕረዚደንት ስሪላንካ ኣኑራ ኩማራ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምኻድ ረኸቦም ህይወት ኣኖጃን ከድሕን ተማሕጺኖምዎ።
እቲ ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ኣኖጃን ምሕረት ንኽግበረሉ ኵሉ ዓይነት ጻዕርታት ከምዝገብር ነቶም ስድራ ቃል ኣትይሎም፡ ምስ ሰብ መዚ ስዑድያ ንምዝርራብ ዲፕሎማስያዊ መስርሓት ክጅምሩ'ውን መምርሒ ሂቡ።
እቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ሓያለ ሃይማኖታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ረኺቡ ኣሎ።
ላዕለዎት መራሕቲ ቡድሃ፡ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ሂንዱ ብምዃን፡ ህጹጽ ምትእትታው መንግስቲ ዝጽውዕ መዘክር ንፕረዚደንት ኣረኪቦም።
ብተወሳኺ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቘፈ ሕጋዊ ልኡኽ ስሪላንካ ኣብዚ ሰሙን ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ጠበቓታት ኣኖጃን ይራኸብ ኣሎ።
ሓደ ካብቲ ናብ ስዑድያ ኣምሪሑ ዘተሰደደ ልኡኽ ጕጅለን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ስሪላንካን ዝዀነ ኡፑል ኩማራፐሩማ፡ ንቢቢሲ ሲንሃላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንጉዳይ ኣኖጃን ዝሓዛ ክልተ ትካላት ሕጊ ኣለዋ ናብኡ ንኸይድ ዘለና ካብዘን ክልተ ትካላት ዝመጹ ጠበቓታት ተራኺብና፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክንዛተየሉን ቀጺሉ እንታይ ክግበር ከምዝኽእል ክንውጥንን ኢና" ኢሉ።
ናብ ስሪላንካ ምስ እንምለስ ኣብ መንጎ ኣኖጃንን ስድራኡን ዝነበረ ርክብ ተሌፎን ርክብ ደው ኢሉ ኣሎ።
ሓዉ ንኣኖጃን ዝዀነ ሃምሰዲን "ሓወይ ሓያለ መዓልቲ ኣይደወለን ንኤምባሲ ሓቢርና፡ ሰበስልጣን ነቲ ጉዳይ ክርእይዎን ሓድሽ ሓበሬታ ክህቡና ሓቲትናዮም፡ ክንምርምሮ ኢና ኢሎሙና፡ ገና መልሲ ስለዘይረኸብና ክሳብ ሕጂ ንጽበ ኣለና።"
ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ሞባይላቶም ይሕደጉ'ዮም፣ ወግዓዊ ጻውዒታት ተሌፎን ድማ ብመንገዲ ሰበስልጣን እቲ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ዝካየድ።
ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ብኢንተርነት ዝውሃብ ርእይቶታት ብዝተሓሓዝ ንዝውሃብ ፍርዲ ዘለዎም ስክፍታታት ብተደጋጋሚ ክገልጹ ይስምዑ'ዮም።
ኣብ ሓምለ 2023፡ መሓመድ ኣል ጋምዲ ዝተባህለ ጥሮተኛ መምህር ቤት ትምህርቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝሃቦ ርእይቶ ንሞት ከምዝተፈርደ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ኣብቲ እዋን ዳይረክተር ምርምርን ምጕስጓስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ፊሊፕ ሉተር፡ "ኣብ ክልቲኡ ብሽሙ ዘየውጽኦ ናይ ትዊተር ሕሳባቱ ብድምር 10 ተኸታተልቲ ጥራይ ዘለዎን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶኡ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ብኻልእ ዘይክሰስን መሓመድ ቢን ናስር ኣልጋምዲ ዝተበየኖ ናይ ሞት ፍርዲ ዘገርም'ዩ" ኢሉ።
ፍርዲ መሓመድ ቢን ናስር ኣልጋምዲ እቲ መቕጻዕቲ ሞት ተመሓይሽሉ ተባሂሉ ን30 ዓመት ክእሰር ከምዝተፈረደ ኣልቀስት ዝተባህለ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝቃለስ ዘይመንግስታዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ይሕብር።
ኣብ ስዑድ ዓረብ ልዕሊ 10 ሚልዮን ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ኣይኦኤም ይሕብር።
ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ እዞም ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ስደተኛታት ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋን ግቡእ ሕጋዊ ውክልና ዘይምህላውን ኣብ ስርዓተ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ፍሉይ ተቓላዕነት ከምዘጋጥሞም የጕልሑ።
ኣብ ስዑድያ እቲ ምስ ሃይማኖታዊ ምንሻውን ምጽርራፍን ብዝተሓሓዝ ዝውሃብ ፍርድታት ምስቲ ምስ ገበናት ምስግጋር ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ ክነጻጸር እንከሎ ብተዛማዲ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
