ካብ ስነ-ስርዓት ገዳ ኦሮሞ ክሳብ ፌስቲቫል ሂንዱ፡ ብሉጻት ኣሳእል ኣፍሪቃ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተረኣዩ ብሉጻት ኣሳእል ነዞም ዝስዕቡ መሪጽናልኩም።

ብሰንበት ኣብ ጥቓ ከተማ ኣረሮ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሰሙን ዝጸንሐ ወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ስነ-ስርዓት ገዳ
መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት ኣብ ጥቓ ከተማ ኣረሮ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሰሙን ዝጸንሐ ወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ስነ-ስርዓት ገዳ
ብሰንበት፡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዓመታዊ ዙር ብሽክለታ ኬፕታውን ይሳተፉ
መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት፡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዓመታዊ ዙር ብሽክለታ ኬፕታውን ይሳተፉ
ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ኣቡጃ ካብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ብሉጻት ተወዳደርቲ ቅልስ ኢኮዋስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ውድድር ቅልስ ኣፍሪቃ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ኣቡጃ ካብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ብሉጻት ተወዳደርቲ ቅልስ ኢኮዋስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ውድድር ቅልስ ኣፍሪቃ
ደቂ ተባዕትዮ ሱዳናውያን ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ቅዱስ ጾም ኣስላም ብዓርቢ ንኢፍጣር ይዳለዉ
መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ ሱዳናውያን ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ቅዱስ ጾም ኣስላም ብዓርቢ ንኢፍጣር ይዳለዉ
ኣብ ቅድስቲ ከተማ ቱባ ሰኔጋል ካብ ጨንፈር ሕውነት ኣስላም ሞሪድ ዝኾነ ጉጅለ ባየ ፎል ዝመጹ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሮሞዳን ሃይማኖታዊ ጭርሖታት የቕርቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቅድስቲ ከተማ ቱባ ሰኔጋል ካብ ጨንፈር ሕውነት ኣስላም ሞሪድ ዝኾነ ጉጅለ ባየ ፎል ዝመጹ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሮሞዳን ሃይማኖታዊ ጭርሖታት የቕርቡ
ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ሓደ ጸጉሪ ቀምቃማይ፡ ንፍሉጥ ስእላዊ ስነ-ጥበባዊ ኮስተር ኦጅዋንግ እናቀምቀመ እንከሎ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ሓደ ጸጉሪ ቀምቃማይ፡ ንፍሉጥ ስእላዊ ስነ-ጥበባዊ ኮስተር ኦጅዋንግ እናቀምቀመ እንከሎ
ብሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ሂንዱ ሆሊ ...
መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ሂንዱ ሆሊ ...
እቲ ጽምብል ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብታ ካብ ህንዲ ወጻኢ ንባዕላ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎም ህዝቢ ዝርከባላ ደርባን ይቕጽል
መግለጺ ስእሊ, እቲ ጽምብል ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብታ ካብ ህንዲ ወጻኢ ንባዕላ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎም ህዝቢ ዝርከባላ ደርባን ይቕጽል
ሰኔጋላውያን ኮሜድያናት ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካር ብዛዕባ ሓደ ምስ ዓሌቱ ርክብ ዝጠፍኦ መንእሰይ ወዲ ዝምልከት ምርኢት የቕርቡ
መግለጺ ስእሊ, ሰኔጋላውያን ኮሜድያናት ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካር ብዛዕባ ሓደ ምስ ዓሌቱ ርክብ ዝጠፍኦ መንእሰይ ወዲ ዝምልከት ምርኢት የቕርቡ
ኣባላት ኔቶስ ደ ባንዲም ዝተባህለ ኣብ ጊኒ-ቢሳው ዝርከብ ባህላዊ ጉጅለ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ናይ ጎደና ካርኒቫል ብምስታፍ፡ ቅርስታተን የርእያ
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ኔቶስ ደ ባንዲም ዝተባህለ ኣብ ጊኒ-ቢሳው ዝርከብ ባህላዊ ጉጅለ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ናይ ጎደና ካርኒቫል ብምስታፍ፡ ቅርስታተን የርእያ