ጣሊባን ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን፡ ዓለም ንኣፍጋኒስታን ረሲዓታ ድያ?

ብረት ዝሓዙ ክልተ ዕጡቓት ጣሊባን
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ሓደ ጻዕዳ ሕብሪ እተለኽየ፡ ኣብ ደቡብ ካቡል ኣብ ዝርከብ ገጠር ዝርከብ ምድር-ቤት፡ ዓሰርተ ዝዀና መንእሰያት ደቀንስትዮ ኣብ ስራሕ ተጸሚደን ይርኣያ።

እዘን ደቀንስትዮ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ፍረታት ማልመለታ እናዳለዋን ኣብ ጥርሙዝ እናዓሸጋን ይውዕላ።

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣሊባን ኣብ እትርከብ ኣፍጋኒስታን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ሓደ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ ሞያን ስራሕን ክረኽባሉ ዝኽእላ ውሑዳት ዕድላት እዩ።

እዚ ትካል ናጂያ ብእተባህለት 47 ዓመት ዝዕድመኣ፡ ኣደ ትሽዓተ ቈልዑ ዝዀነት ኣፍጋናዊት እዩ ዝመሓደር። ናጂያ ገና ጓል 14 ዓመት እንከላ እያ ተመርዕያ።

ሰበስልጣን ጣሊባን ንደቀንስትዮ ካብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርትን ዩኒቨርሲታትን እንተ ዘይክልክልወን ነይሮም፡ ኣብዚ ቀጽሪ ዘለዋ ኣዋልድ፡ እንተላይ ደቃ ንናጂያ፡ ንዝሓሸ መጻኢ ምተምሃራ ነይረን።

ሕጂ ግን እዚ ንእሽቶ ዕድል'ኳ ተጸቢቡወን ይርከብ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ መምርሒ፡ ደቀንስትዮ ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ንምውሳድ ናይ ወዲ ተባዕታይ ደገፍ ክሓትታ ኣለወን፤ ዘፍረያኦ ኣብ ዝርአ ቦታ ኰይኖም ክሸጡ ዝፍቀደሎም ድማ ሰብኡት ጥራይ እዮም።

ጣሊባን ነዚ ስጕምቲ እዚ ከም ምኽንያት ዘቕርብዎ፡ ደቀንስትዮ ግቡእ ሕጃብ ወይ መሸፈኒ ርእሲ ኣይገብራን እየን ብዝብል እዩ።

"እቲ ዓለም ምስ ጣሊባን ዝገብሮ ዘተ ብዝተፈልየ መንገዲ ክኸውን ኣለዎ፤ ምኽንያት እቲ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ውጽኢት ኣየምጽአን፡" ትብል ናጂያ።

ቀጺላ ድማ፡ "ተስፋ ንቘርጽ ስለ ዘለና፡ ናብራ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ክልወጥ ኣለዎ፡" ትብል።

እቲ ጥንታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እስላማዊ ምንቅስቓስ ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሓሙሽተ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መብዛሕትኡ ህዝባዊ ቦታታት ተኣጊደን ኣለዋ፤ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድመአን ኣዋልድ ድማ ትምህርቲ ተኸልኪለን እየን።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ድማ ሓደ ተመሳሳሊ ሕቶ የልዕሉ ኣለዉ፤ ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ንምምጻእ ምስ ጣሊባን ብኸመይ ክዝተ ይከኣል?

ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ ተር ኢለን መልማላታ እናዓሸጋ
መግለጺ ስእሊ, ምስራሕ መልማላታ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሐኦ ተሪፉ ዘሎ ዓይነት ዕዮ እዩ

ምዝታይዶ ምግላል የዋጽእ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕቡራት ሃገራት፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን (22 ሚልዮን ሰባት) ንምንባር ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ከም ዝምርኰሱ የጠንቅቕ።

ስለዚ ድማ ንኣፍጋኒስታን ምሉእ ብምሉእ ንምግላል ዝጽውዑ ወገናት ውሑዳት እዮም።

እታ ሃገር ብሰንኪ ጽንኩር ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ምስ ጐረቤት ሃገር ፓኪስታን ዝተፈጥረ ግጭትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሰጐጉ ሚልዮናት ኣፍጋናውያንን ተሃስያ ትርከብ።

ይዅን'ምበር፡ ጣሊባን ነታ ሃገር ይቈጻጸርዋ ምህላዎም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

ካብቲ ጣሊባን ብ15 ነሓሰ 2021 ንካቡል ዝተቈጻጸርሉ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ብረት ዝዓጠቑ ተቓወምትን ዕጡቓት ዳዕሽን መጥቃዕትታት የካይዱ እኳ እንተለዉ፡ ንሳቶም ግን ስልጣኖም የደልድሉ ኣለዉ።

ጣሊባን ግብሪ ይእክቡ፡ ምስ ሃገራት ከም ቻይና፡ ሩስያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኡዝቤኪስታንን ድማ ኣብ ዓውድታት ዕደናን ጸዓትን ስምምዓት ይፍርሙ ኣለዉ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ ምስ ሽበራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተኣሳሲሩ ዝተነበረሎም ኣህጉራዊ ማዕቀብ ተሓኒቖም ይርከቡ። ዛጊት ሩስያ ጥራይ እያ ንመንግስቶም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂባ ዘላ።

ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ "ምዕራባውያን ኣብቲ ሕቶ ተፈላጥነት ዘለዎም ጽልዋ እናሰኣኑዎ ይኸዱ ኣለዉ።" ምኽንያቱ፡ ሓያሎ ሃገራት ምስ ጣሊባን ስምምዓት ብምፍራምን ኤምባሲታት ብምኽፋትን፡ ብተግባር ኣፍልጦ ይህባ ስለ ዘለዋ እዩ።

ኣብ ካቡል ዝርከብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጣሊባን፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝርከቡ ኤምባሲታት ሃገራት ይውስኹ ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 40 ኤምባሲታት ኣብ ትሕቲኦም ይርከቡ።

ወሃቢ-ቓል ጣሊባን ዘቢሁላህ ሙጃሂድ፡ "ኣብ መንጎና ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ካብ ርሑቕ ምዝራብ ገዲፍና ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክንቀራረብ ኣለና፡" ይብል።

ሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ይርኣያ
መግለጺ ስእሊ, ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ተነፊጉወን ኣሎ ይብሉ

መስርሕ ለውጢ?

እዚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ከም ናይ ለውጢ መስርሕ እዩ ዝርአ። ይዅን እምበር፡ ኣፍጋኒስታን ካብ ኣቓልቦ ዓለም እናወጽአት ትኸይድ ኣላ።

ኲናት ዩክረይንን ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕን ንኣቓልቦ ዓለም ስሒቦም ይርከቡ። ኤውሮጳ ድማ ቀንዲ ሻቕሎታ ብኸመይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ደው ተብል ኰይኑ ኣሎ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምዕራባዊ ዲፕሎማሰኛ፡ "ካብ 2001 ክሳብ 2021 ምዕራባውያን ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕጂ ኣፍጋኒስታን ከምዚ ኢላ ዕሽሽ ተባሂላ ምህላዋ ዘገርም እዩ፡" ይብል።

ቀጺሉ፡ እቲ ዝዓበየ ዲፕሎማስያዊ ክፍተት ኣመሪካ ምዃና ይገልጽ።

ኣብ ውሽጢ ጣሊባን እውን ከይተረፈ፡ ምስቲ ብኣሚር ሂባቱላህ ኣኹንድዛዳ ዝመሓላለፍ ጥንታዊ መምርሒታት ዘይሰማምዑ ኣካላት ኣለዉ።

"ኣካል ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ክንከውን ንደሊ ኢና፡" ይብል ሓደ ካብ መስረትቲ ጣሊባን ዝዀነ ሙላህ ዓብዱል ሳላም ዛዒፍ፣ "ጸቕጢ ምግባር ጥራይ ውጽኢት ኣየምጽእን እዩ። ንሩስያ ኰነ ኣመሪካ ኢድና ኣይሃብናን፣ ስለዚ ሕጂ ድማ ጣሊባን ኢዱ ኣይህብን እዩ፡" ይብል።

ክፉት ዘተ

ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ህላወኦም ኣብ ኣፍጋኒስታን ለውጢ የምጽእ ከም ዘሎ ይኣምኑ።

ብዛዕባ ኣተሓሕዛ እሱራት፡ ብዛዕባ እቲ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ ሕጊ ስነ-ምግባርን ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘተታት የካይዱ ኣለዉ።

"ዘተ ዝተሰናኸለሉ ኵነታት፡ ካብ ባዶ ዘተ ይሓይሽ፡" ትብል ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ካቡል ጆርጀት ጋኞን።

ሕቡራት ሃገራት፡ "ሞዛይክ" ብዝብል ስም ሓድሽ ናይ ዘተ ኣገባብ ሃኒጹ ኣሎ።

እዚ ኣገባብ'ዚ ብሓደ ወገን ሰብኣዊ መሰላት፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ጸረ-ሽብርተኝነትን ዘቐምጥ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ጠለባት ጣሊባን ዝዀኑ ምልዓል ማዕቀብ፡ ምፍታሕ ዝተዓግተ ሃብትን ዲፕሎማስያዊ ውክልናን የጠቓልል።