ፍሉይ ክስተት ተፈጥሮ፡ ብብርሃናት ሰሜን ዝደመቐ ሰማያት ብሪጣንያ

ኣእዳዎም ንላዕሊ ብምግባር ብርሃናት ሰሜን ዝዕዘቡ ኣርባዕተ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ብተፈጥሮኣዊ ትእምርትን ተኣምራትን ዝድነቑ ነበርቲ ከባቢታት ሰሜናዊ-ምብራቕ ስኮትላንድ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እዚ ወቕቲ'ዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣውሮጳ ፍሉይ ምርኢት ተፈጥሮ ዝኽሰተሉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ እቶም ብዝዘቕበበ ደበናታት ዝተሸፈኑ ሰማያት ብሪጣንያ ደሚቖም ክራኣዩ ቐንዮም።

ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝወቀቡ ብርሃናት ሰሜን (ኣውሮራስ) ከም ዓመታዊ ነጋድያን ነቶም ዘቋምቱ ባህታ ፈጢሮም ኣለዉ።

እቲ ብርሃናት ኣብዚ ሰሙን'ዚ ጸሓይ ዝተፍኣቶ 'ኮሮናል ማስ ኢጀክሽን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባርዕ ሓዊ ዝፈጠሮ'ዩ። እቲ ዝገንፈለ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ሰማያት (ኣትሞስፌር) ምድሪ ብጸልማት ደሚቑ ይርአ።

ንገለ ካብቶም ብዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዓይኒ ካሜራ ዝኣተዉ ብርሃናት ጆባእ ንብለኩም፡

ዝበለጸ ዕድል ዝረኸቡ ነበርቲ ኢንበርጎርደን (ሰሜናዊ-ምብራቕ ስኮትላንድ)
መግለጺ ስእሊ, ዝበለጸ ዕድል ዝረኸቡ ነበርቲ ኢንበርጎርደን (ሰሜናዊ-ምብራቕ ስኮትላንድ)
ብርሃናት ሰሜና ካብ ቦናር ብሪጅ፡ ንበይና ኣብ ቅድሚ ኣድማስ ብርሃናት ሰሜን ዝቖመት መንበሪ ገዛ፡ ኣብ ጸጋማ ኣግራብ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ቦናር ብሪጅ (ሰሜን ስኮትላንድ) ዝተወስደ ስእሊ ብርሃናት ሰሜን
ሓደ ሰፊሕ ጨናፍር ዘለዎ እንኮ ገረብ ኣብ ቅድሚ ኣድማስ ዝተፈላለየ ብርሃናት ሰሜን ደው ኢሉ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ንተፈጥሮ ምድሪ ግርማ ዝሰለመ ብርሃናት ሰሜን ኣብ ከባቢ ሃምሼር (ዓዲ-እንግሊዝ)
ኣብ ከባቢ ዳምፍሪስን ጋሎወይን (ስኮትላንድ)
መግለጺ ስእሊ, ካብ ከባቢ ዳምፍሪስን ጋሎወይን (ስኮትላንድ) ዝተወስደ ስእሊ
ኣብ ባሕሪ ዝጸባረቕ ቀጠልያ፡ ቀይሕን ሊላን ብስሩዕ ዝርአ ብርሃናት ሰሜን
መግለጺ ስእሊ, ንገማግም ባሕሪ ሞረይ ዘገረመ መጋረጃ ብርሃናት ሰሜን
ኣብ ሃዲንግተን (ስኮትላንድ) ዝተራእየ ዓንዲ ብርሃናት ሰሜን
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ሃዲንግተን (ስኮትላንድ) እውን ተቛደስቲ ዓንዲ ብርሃናት ሰሜን ኮይኖም ነይሮም
ንሰማያት ዊራል ዝሸፈነ ድሙቕ ቀጠልያ ዝተሓወሶ ብርሃናት ሰሜን
መግለጺ ስእሊ, ንሰማያት ዊራል ዝሸፈነ ድሙቕ ብርሃናት ሰሜን
ናይጀል ፌርክላው ዝተባህለ ተልሜደን ስኣላይ ዝሰነዶ ዘገርም ትርኢት ኣብ ኣይር (ደቡባዊ-ምዕራብ ስኮትላንድ)፡ ሓባሪ ደረት ባሕሪ ኣብ ገማግም ናይቲ ባሕሪ ትርአ
መግለጺ ስእሊ, ናይጀል ፌርክላው ዝተባህለ ተልሜደን ስኣላይ ዝሰነዶ ዘገርም ትርኢት ኣብ ኣይር (ደቡባዊ-ምዕራብ ስኮትላንድ)