መቓብር ግብጺ፡ ኣብ ሳቓራ ፍሉይ መቓብር ረኺባ

Published

ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ፡ ኣብ ግብጺ ዝረኸቡዎ 4,400 ዓመት ዝገበረ ዘይተተንከፈ መቓብር፡ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ቦታ ሓደ ሊቀ ካህን ከም ዝነበረ ይንገር።

ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ካውንስል ሓለዋ ሓድጊ ግብጺ፡ ሙስጦፋ ዋዚሪ "ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝተረኸቡ ዝተፈለየ" ክብል ገሊጹዎ።

ጋዜጠኛታት ናብዚ ሓድሽ ዝተረኸበ መቃብር ክኣትው ዝተፈቐደሎም እንትኾን፤ ሰብ ሞኣ "ብፍሉይ ዝተዓቀበ" ቦታ ክብሉ ገሊጸሞ

እቲ መቓብር፡ ኣብ ጥቓ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዝተሓላለኸ ፒራሚድ ሳቓራ ዝተረኸበ እንትኾን፡ ብዝተፈላለዩ ሕብርታትን ቂርጺ ፈርዖናትን ዝተመልአ'ዩ።

እቶም ስእልታት ንበዓል ዋንኦም ናይ ዝኾነ ዋህቲዬ ናይ ዝተብሃለ ንጉሳዊ ካህን፣ ኣዲኡ፣ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ኣዝማዱን'ውን ዘርእዩ'ዮም።

ገለ ካብቶም ዝተረኸቡ ቕርጽታት ........

ብዝተፈላለዩ ሕብርታትን ቕርጺ ፈርዖናትን ዝተመልአ መቓብር
መግለጺ ስእሊ, እዚ ናይ ብሕቲ መቓብር፡ ሓደ ካብቶም ሰፋሕቲ ጥንታውያን ፒራሚድ ዝርከብሉ ሳቓራ ዝተረኸበ ጥንታዊ ቦታ'ዩ።
እዚ ስእላዊ መግለጺታት ዝሓዘ መቓብር፡ ነዓይ ሰባት፣ ኣዕዋፍ፣ ሚዛንን መግቢ ኮእኑ ዝቐርብ ዝነበረ ነገርን ዘንጸባርቕ'ዩ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ናይ መንደቕ መቓብር ጥንታዊ ጽሑፍ ግብጺ'ውን ዝሓዘ'ዩ
ኣብ መንደቕ መቓብር ዝተቐረፈ ምስሊ ኣርባዕተ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ኣብ መንደቕ መቓብርን ቤተ መቕደስን ቕርፋ ቕርጺ ምስኣል ለሚዶም'ዮም
ኣብ ውሽጢ ጥንታዊ ማሕበረሰብ ግብጺ ኣቅሽቲ ዓብዪ ቦታ ነይሩዎም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ውሽጢ ጥንታዊ ማሕበረሰብ ግብጺ ኣቅሽቲ ዓብዪ ቦታ ነይሩዎም
በዓል ቤት እቲ መቓብርን ስድርኡን ዘርኢ ሕብራዊ መርኣዪ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ሕብራዊ መንደቕ፡ በዓል ዋንኡ ዝኾነ ሊቀ ካህንን ስድርኡን የርኢ

ኩሎም ስእልታት ወናኒ መሰል ቅዳሕ አለዎም