ኣምሓራ፡ ኣብ ደቡብ ጎንደር ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዝርከብዎም ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Nefas Mewcha City Communication Affairs
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሳሊ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቤተክርስትያን ጉድኣት ከምዝበጽሐን ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ብዓርቢ 9 ሚያዝያ 2018 (ግእዝ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ: ክልተ ዲያቆናት ቤተ ክርስቲያን፡ ሓደ መሪጌታ፡ ሓኪም እንስሳታትን ሰለስተ ሓረስቶትን እዮም።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን፡ ቅዳሴ ፈፂሞም ክወጽኡ እንከለዉ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ'ታ ቤተክርስትያን ከምዝተቐተሉ የመልክት።
እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም እቲ ሓደ ሰብ ድማ ኣብ ጽርግያ ተቐቲሎም።
ቢቢሲ፡ ኣመሓደርቲ ወረዳ ላይ ጋይንትን ዞባ ደቡብ ጎንደርን ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ'ኳ እንተነበረ እቶም ሓለፍቲ ክዛረቡ ፈቓደኛታት ኣይኰኑን።
እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ከተማ ሳሊ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ዝዀነት 'ንፋስ መውጫ' 25 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ትርከብ ኰይና፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ፋኖ ከምዘላ ነበርቲ ይገልጹ።
ሓደ ነባሪ እታ ከተማ፡ ነቲ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ግጭት ክገልጽ ከሎ፡ "ዓርቢ ንመረፃ ዝምልከት ኣኼባ ክገብሩ መጺኦም። ዕጡቓት ፋኖ 'ናይ ምንታይ መረፃ'ዩ?' እዩ ኢሎም ክንቀሳቐሱ ተተኲስዎም። ካብኡ ምሉእ መዓልቲ ተኹሲ ውዒሉ" ኢሉ።
ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን 'ደብረ ብርሃን ሳሊ በዓለ እግዚኣብሄር' ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ ግጭት ድሕሪ ቅዳሴ፡ ንክርስትና ዝተዳለወ ፀበል እናተላኸፉ እንከለዉ ከምዝተላዕለ ሓቢሮም።
ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት መንግስቲ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኣተዉ እውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
እቶም ወተሃደራት ንክልተ ሓለውቲ ቤተክርስትያን ወቒዖም ብድሕሪኡ ናብቲ ቀጽሪ ከምዝኣተዉ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣገልገልቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ወሲኾም ቅድሚ ካብ ቤተ ክርስቲያን ክወጹ ምግዳዶም መጀመርያ ብጠመንጃ ከምዝሃረምዎም ገሊጾም።
ሸውዓተ ዝዀኑ ኣገልገልቲ ብከብዶም ኣብ መሬት ክድቅሱን ክንብርከኹን ምስ ተገበሩ፡ ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ይዛረቡ።
"ምስ ወቕዕዎም ቀዲምና ወዲቕና" ብምባል ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዝደሓኑ ክገልጹ እንከለዉ ሓደ ድማ "ሓይሊ ታቦት" ከም ዘድሓኖም ገሊጹ።
ወዲ 21 ዓመት ዲያቆን ወዶም ዝተቐትሎም ኣቦ " 'ወድኻ ወዲቑ'ሎ ኣርክብ' ተባሂለ፤ ብጉያ መጺአ" ክብል ብዛዕባ ሞት ወዱ ዝፈለጠሉ ህሞት ገሊጹ።
ሬሳ ወዱን ካልኦት ኣገልገልትን ምስ ረኣዩ "ምፍጣርካ ዘጽልእ" ኢሎም።
እቶም ሰለስተ ኣብ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ዝተዋፈሩ መራሕቲ ስድራ ከምዝነበሩ መሰኻኽር ይገልጹ።
ካብቲ መጥቃዕቲ ዘምለጡ ክልቲኦም መሰኻኽር፡ እቲ ቅትለት ብወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ይዛረቡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስቲኦም ምንጭታት እቲ ቅትለት ንምንታይ ከምዝተፈጸመን ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን እንታይ ይደልዩ ከምዝነበሩ ከምዘይፈልጡን እዮም ዝገልጹ።
ቀብሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ብሰንኪ እቲ መጉዳእትን ፍርሒ እቲ መጥቃዕትን ብለይትን ኣብ ክልተ መቓብር ብጃምላን ከምዝተፈጸመ'ውን ሓቢሮም።
ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ብርቱዕ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


