ኢትዮጵያ፡ ገያሾ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት - መንግስቲኸ እንታይ ስጕምቲታት ይወስድ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Transport and Logistics
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት ናፍታ ናብ ርሑቕ ከባቢታት እታ ሃገር ክግበሩ ዝጸንሑ ጕዕዞታት ይስረዙ ምህላዎም ማሕበራት መጓዕዝያን ተጠቀምትን ገሊጾም።
ፈደረሽን ኣስራሕቲ ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፡ ነዋሕቲ ጕዕዞታት ተሽከርከርቲ "ካብ 35 ክሳብ 40 ሚእታዊት" ከም ዝነከየ ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝነበሮ 180,000 ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ብምኽንያት ናይቲ ንመበል 39 መዓልቱ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኢራን ስለ ዝተዓናቐፈ፡ ወሰኽ ወጋታት ከም ዘስዓበ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ጸብጻብ ምኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ከም ዘመልክቱዎ፡ ኢትዮጵያ ካብ እተእትዎ 60 ሚእታዊት ጻዕዳ ናፍታ ብመንገዲ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፍ እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ቀረብ ጻዕዳ ናፍታ ንመዓልቲ "ብማእከላይ ገምጋም 9.1 ሚልዮን ሊትሮ" ዝነበረ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ናብ "4.5 ሚልዮን ሊትሮ" ከም ዝወረደ ምኒስተር ካሳሁን ጎፈ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ።
ቤትጽሕፈት ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጽኦ መረዳእታ መዓልታዊ ምክፍፋል ነዳዲ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዘለዋ 120 መዐደሊ ነዳዲ ነቝጣታት፡ ክሳዕ ሰኑይ 28 መጋቢት 2018 ግእዝ (6 መጋቢት) ናፍታ ዝጸንሐን እተን 26 ጥራሕ እየን። ብኣንጻሩ 65 መዐደሊ ነዳዲ ኣዲስ ኣበባ በንዚን ኣለወን።
እዚ ኵነታት፡ ጻዕዳ ናፍታ ንዝጥቀሙ ናይ ነዊሕ ጕዕዞ ወሃብቲ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ጸቕጢ ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣስራሕቲ መጓዓዝያ ብርሃነ ዘርኡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብዓንተቦኡ፡ ቅድሚ ኲናት ኢራን ቀረብ ነዳዲ "ቍሩብ ትሑት" ምንባሩ ዝገለጸ ኣቶ ብርሃነ፡ "ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ እናበኣሰ ከም ዝቐጸለ፡" ገሊጹ። ተሽከርከርቲ ነዳዲ ንምርካብ "ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት" ይጽበያ ከም ዘለዋ'ውን ኣመልኪቱ።
ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየዱ ነዋሕቲ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ "ካብ 35 ክሳብ 40 ሚእታዊት ከም ዝነከየ፡" ገሊጹ።
"እተን ተሽከርከርቲ ዋላ'ውን ካብዚ [ኣዲስ ኣበባ] ነዳዲ እንተ ረኸባ፡ ዘምልሰን ስለ ዝስእና ዘይምኻድ ይመርጻ፡" ኢሉ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን ማሕበር ተሽከርከርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ነዚ ሓሳብ'ዚ እዩ ዘራጕድ፣ "ነታ መኪና ክትምለስ ዘኽእላ ነዳዲ እንተ ዘይሃልዩ ኣብኡ ክትተርፍ እያ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነት፡ ብዘየድሊ ተወሳኺ ወጻኢታት ብኮንትሮባንድ ጥዑይ ዘይኰነ ነዳዲ ክዕድጉ ይኽእሉ እዮም።"
ብመሰረት እቲ ብዓል ስልጣን፡ ተሽከርከርቲ ናብ መበገሲአን ንምምላስ ዘኽእለን ነዳዲ ክረኽባ ስለ ዘይክእላ፡ ኣብጺሑ ክመልሰን ናብ ዘኽእለን ርሕቀት ጥራሕ እየን ዝጓዓዛ። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ "ዘይክየዱ መስመራት" ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ተሽከርከርቲ ኣብ ጽርግያ ነዳዲ ክመልኣ እንተ ክኢለን እውን ሪጋአን ክሳዕ ዝበጽሐን መዓልታት ከም ዝጽበያ ገሊጹ፣ "እዚ ድማ ሰባት ጽዒንካ ክኸውን ኣይክእልን፡" ኢሉ።
"ንኣብነት፡ ናብ ሃዋሳ ኣብ ዝግበር ጕዕዞ ጸገም የሎን። ሳልቫትዮ ናይታ መኪና [ነዳዲ ዝሕዝ ገንኢ] ኣብጺሑ ክመልሰን ዘኽእል ክሕዝ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ናብ ጅማ በጽሐን ክመጽኣ የኽእለን እዩ።"
"ንኣብነት ኣብ ከም ብዓል ሞያለ፡ ሚዛን፡ ጋምቤላ ዝኣመሰሉ ርሑቕ ከባቢታት፡ ኣብ ጽርግያ ነዳዲ ምምላእ የድሊ። ናብዞም ከባቢታት ድማ ነዳዲ ብግቡእ ኣይበጽሕን። እንተ ዝህሉ'ውን ዋና ከተማታት ስለ ዝዀና ሪጋ ይበዝሕ [...] እተን መካይን ኣብ ጸገም ክኣትዋ እየን፡" ይብል።
እንተዀነ፡ እቲ ብዓል ስልጣን ከም ኣብነት ዝጠቐሶ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሞያለ ዝግበር ጕዕዞ ከይተረፈ ይተዓናቐፍ ከም ዘሎ ገያሾ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ገያሻይ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሞያለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዘይምንባሩ ብሰለስተ መካይን ቈራሪጹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሕ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።
እቶም ተሳፈርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትኸይድ ኣውቶቡስ ምስ ተሰቐሉ ኣብ ሻሸሜነ ክወርዱ ተገዲዶም። እቲ መራሒ መኪና ድማ፡ "ዋላ ክኸይድ እንተ ደለኹ ናፍታ የብለይን፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክወስደኩም ኣይክእልን እየ፡" ኢሉ ናብ ከተማ ክኸዱ ነጊሩዎም።
"እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ እንኸይድ ድሕሪ ዓሰርተ ሰዓትን ፈረቓን ናብ ሻሸሜነ ኢና ኣቲና፤ ኣብኡ እውን ተመሳሳሊ ጸገም [ነዳዲ] ኣሎ። ንእንፈልጦ ሰብ ደዊልና ሃይሩፍ ተኻሪና ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተ በጺሕና፡" ክብል ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ዝጓዓዛ ተሽከርከርቲ ከም ዝነከያ፣ ዋጋ ትኬት ድማ ካብቲ ንቡር ኣሰራርሓ ወጻኢ ብዝለዓለ ዋጋ ይሽየጥ ከም ዘሎ መስኪሩ።
መንግስቲ ፈደራል ዓለማዊ ቅልውላው ቀረብ ነዳዲ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ጸገም፡ ነቲ ዝርካቡ ቀረብ ንምምሕዳር ብቐዳምነት ነዳዲ ናይ ዝወሃቡ ኣካላት ዝርዝር ኣውጺኡ።
"ህዝባዊ ኣገልግሎት ውሽጢ ከተማን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲን፡" ዝህባ መካይን ኣብቲ ዝርዝር ተኻቲተን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ "ብናፍታ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብቐዳምነት ነዳዲ ከም ዝረኽባ ዘረጋግጽ" ስርዓት ከም ዝትግበር ተገሊጹ።
ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማን ካብ ዓዲ ናብ ዓድን ኣብዚ ዝርዝር እኳ እንተ ኣተዋ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ግን ዕንቅፋታት የጋጥመን ከም ዘሎ ክልተ ማሕበራት መጓዓዝያ ሓቢረን።
መንግስቲ ብሰንኪ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ዘይተረኽበ ቀረብ ነዳዲ ንምኽሓስ፡ ካብቲ "ድጎማ ዝግበረሉ ዕዳጋ" ብዝለዓለ ዋጋ ነዳዲ ይዕድግ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


