እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 400 ኣኽላባት ብኣሰቃቒ መገዲ ዝተቐተልሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሆሳእና ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብውሕዱ 400 ኣኽላባት ብዘሕዝን መንገዲ ተቐቲሎም።
ወነንቲ እቶም እንስሳ ዘቤት "ብገመድ ሓኒቘም ክቐትሉዎም፡" ከም ዝተገደዱ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳእና፡ ብድሕሪ ተኸታታሊ ሞት ዘስዓበ ናይ ኣኽላባት ምንካስ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣኽላባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ሰበስልጣንን፡ እቲ ቅትለት ምስ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብዝተኣሳሰሩ ጸገማት ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት ሰለስተ ህጻናት ከም ዝጀመረ ገሊጾም።
ብመሰረት ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ወከልቲ እቲ ከባቢ ነበርቲ ኵነታት ክታበቶም ብዘየገድስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣኽላባት ክቐትሉ መምርሒ ተዋሂቡዎም።
ወነንቲ እዞም እንስሳ ዘቤት ድማ፡ ብገመድ ክሓንቁዎም ወይ ድማ ክሃርምዎም ከም ዝተገደዱ ይግለጽ።
እቶም ዝኣበዩ ድማ ክሳብ 50 ሽሕ ብር (300 ዶላር) መቕጻዕቲ ወይ ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮም ተነጊርዎም።
ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቅትለት ክልተ ብኸልቢ ዝተነኽሱ ኣሕዋት ድሕሪ ምማቶም ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።
"ዋላ እኳ ክታበት ተኻይዱ እንተነበረ፡ ወከልቲ ከባቢታት ኵሎም ኣኽላባት ኵነታቶም ጥዕናኦም ብዘየገድስ፡ ተኸቲቦም ድዮም ኣይተኸትቡን ብዘየገድስ ናይ ምቕታል ወፍሪ ጀሚሮም። ወነንቲ ኣኽላባት ናይ ገዛእ ርእሶም እንስሳታት ክቐትሉ ተገዲዶም። ነዚ ዘይተቐበሉ ብገንዘብ ወይ ማእሰርቲ ክቕጽዑን ከም ዘጋጥሞም ተነጊርዎም። እዚ ንመዓልታት ከተግብርዎ ጀሚሮም፡ እንተዀነ ምምሕዳር ከተማ ድሒሩ ንኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ደብዳበ ብምጽሓፍ ደው ኣቢልዎ፡" ይብል።
ሓኪም እንስሳ ዝዀነ ኣልኣዛር ከበደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዋላ'ኳ ክታበት ተኻይዱ እንተነበረ፡ ወከልቲ እቲ ከባቢ ግን ኵሎም ኣኽላባት ንምቕታል ወፍሪ ጀሚሮም፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ወነንቲ ናይ ገዛእ ርእሶም እንስሳታት ክቐትሉ ተኣዚዞም፡ እቶም ዝኣበዩ ድማ ተኣሲሮም። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ጥራይ ካብ 400 ክሳብ 450 ኣኽላባት ከም ዝተቐትሉ ንግምት፡" ኢሉ።
ኣልኣዛር ወሲኹ፡ "ሰባት ኣኽላባት ጎቲቶም ኣውጺኦም ብዘሰንብድ መንገዲ ቀቲሎምዎም፡" እዩ ዝብል።
እዚ "ብሃይማኖት ባህልን ሕግን ዘይስነምግባራዊን ዘይቅቡልን'ዩ፡" ብምባል ነቒፉ።
እቲ ሓኪም እንስሳ፡ "ብቪድዮታት ወነንቲ ኣኽላባቶም ክቕተሉ ከለዉ ክበኽዩ የርእዩ። ከም ሓኪም እንስሳታት መጠን ኣዝየ ሓዚነ፡" ክብል እውን ተዛሪቡ።
እቲ ቅትለት ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ንመዓልታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ደው ከም ዘይበለ ዝገልጹ ሓበሬታት ኣለው።
ከንቲባ ከተማ ሆሳእና ሳሙኤል ሽጉጤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ህጻናት ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ከም ዝሞቱን ኣስታት 80 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይረኽቡ ከም ዘለዉን ኣረጋጊጹ።
ምምሕዳር እታ ከተማ ነቲ ቅትለት ከም ዘይኣዘዘን ኣብ ውሽጢ ፍርቂ መዓልቲ ነቲ ወፍሪ ደው ከም ዘበሎ ኣስሚሩሉ።
"ካብ ሓደ ገዛ ክልተ ኣብ 6ይን 8ይን ክፍሊ ዝነበሩ ኣሕዋት ሞይቶም፣ ድሒሩ ድማ ካልእ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ናብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ሞይቱ። ድሕሪኡ እቲ ሕብረተሰብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣኽላባት ክቐትል ጀሚሩ፡" ኢሉ።
ኣብ ሆሳእና ኣስታት 10 ሽሕ ኣኽላባት ከም ዘለው ሓበሬታ ምምሕዳር እታ ከተማ የመልክት።
ካብዚኦም እቶም 7 ሽሕ ዝተኸትቡ'ዮም። ኣብዚ እዋን ድማ፡ ኣብ ዝዀነ ክፋል እታ ከተማ ዝፍጸም ቅትለት ኣኽላባት ከም ዘየለ ተዛሪቡ።