ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመደባት ንዩክለር ኢራን ን20 ዓመታት ደው ምባል እኹል'ዩ ኢሉ

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቻይና እናተመለሰ እንከሎ ብዛዕባ ኢራን ንዝቐረበሉ ሕቶ እናመለሰ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቻይና እናተመለሰ እንከሎ ብዛዕባ ኢራን ንዝቐረበሉ ሕቶ እናመለሰ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ን20 ዓመታት ንንኵለሳዊ መደባታ ምእጋድ ዝብል ሓሳብ ከም ዝቕበል ገሊጹ።

እዚ ዘረባ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን የብላን፣ ዘለዋ ዝማዕበለ ዩራንየም ከተረክቦ ኣለዋ ካብ ዝብል መርገጺኡ ፈጺሙ ከም ዝቐየረ ዘርኢ'ዩ።

ትራምፕ ኣትሪሩ "ናይ ብሓቂ 20 ዓመት" ግን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከስርሕ ዝኽእል ዝማዕበለ ዩራንየም ምፍራይ ንሓዋሩ ከተቋርጽን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከስርሕ ዝኽእል ዩራንየም ከተረክብን'ዩ ጸዊዑ ነይሩ።

ትራምፕ ምስ ኢራን ኣቐዲሙ ክግበር ዝጸንሐ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ ዘይከኣለ ዝርርባት ትዕግስቱ ይውድእ ምህላዉ'ውን ሓቢሩ።

ሓይልታት እስራኤልን ኣመሪካን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር ጀሚሮም።

ኢራን'ውን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣለወን ዝበለተን ሃገራትን ደብዳብ ብምክያድ ግብረ መልሲ ሂባትሉ።

ብዓቢዩ ነቲ 20 ምኢታዊት ካብ ጠለባት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ ኣገዳሲ መስመር ዝዀነ ወሽመጥ ሆርሙዝ'ውን ዓጽያቶ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ግን ዋላ'ኳ ሓሓሊፉ ተዅሲ ምልውዋጥ እንተ ሃለወ ንዘተ ንምምችቻእ ዝዓለመ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተበጺሑ'ዩ።

ፓኪስታን ከኣ ቀንዲ ኣሸማጋሊት ኰይና ዘላ ሃገር'ያ።

እንተዀነ ኵናት ደው ንምባል ክልተአን ሃገራት (ኣመሪካን ኢራንን) ሒዘነኦ ኣብ ዝመጽኣ ዘለዋ መርገጺ ንሓድሕደን ክነጻጸጋ'የን ጸኒሐን።

ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኢራን እተቐርቦ ዘላ እማም ኣብ ኵሉ ግንባራት ተኵሲ ብቕጽበት ደው ክብል ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ትገብሮ ደብዳብ ከተቋርጾን ኣመሪካ ንወደባት ኢራን ምዕጻው ደው ከተብሎን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊኣ ዝዀነ ዓይነት መጥቓዕቲ ከይትፍጽምን ዝጠልብ'ዩ ኢለን።

ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቻይና ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ደሕሪ ምርኻብ ኣብ ነፋሪት 'አየር ፎርስ 1' ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሱን ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግን ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህልዋ ከም ዘይብላን ነቲ ምኽንያት ዓለማዊ ወሰኽ ነዳዲ ኰይኑ ዘሎ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ'ውን ክትከፍቶ ከም ዘለዋ ምስምምዖም ሓቢሩ።

ሓደ ጋዜጠኛ፡ ኢራን ን20 ዓመታት ንዩክለሳዊ መደበታ ደው ምባል ጥራይ እኹል ኣይኰነን ኢሉ ርእይቶኡ ምስ ሃበ፡ ትራምፕ ተወሳኺ መብርሂ ከይሃበ "20 ዓመታት እኹል'ዩ፣ ግን እቲ ካብኦም [ካብ ኢራናውያን] ዝወሃብ ውሕስነት ናይ ብሓቂ 20 ዓመታት ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ማዕከናት ዜና ኣመረካ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣብ ኢስላማባድ ርእሰ ከተማ ፓኪስታን ኣብ ዝነበረ ዝርርብ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ነቲ ኢራን ንሓሙሽተ ዓመታት ምምዕባል ዩራንየም ደው ከተብል ዘቕረበቶ እማም ብውሕዱ 20 ዓመታት ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ነይሩ ኢለን ኣቓሊሐን ነይረን'የን።

ሕጂ ከኣ ዶናልድ ትራምፕ ነዛ 20 ዓመታት ትብል መቓን ግዜ ምድጋሙ፡ ኣመሪካ ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ትቓረብ ምህላዋ ዘርኢ'ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ካብቲ ምምሕዳር ኦባማ ኣብ ጉዳይ ንዩክለር ኣብ 2015 ምስ ኢራን በጺሕዎ ዝነበረ ስምምዕ ኣንሳሒቡ።

እቲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዘቕረቦ ከኣ ኣብቲ ስምምዕ ንኢራን ዘርብሕ ገለ ገለ ነጥብታት ምስ ንውሓት ግዜ የብቅዕ ዝብል ኣሎ ዝብል'ዩ ።

ብዛዕባ እዚ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ንዝመጽእ 20 ዓመታት ዩራንየም ናይ ምስራሕ መደባት ደው ከተብሎ ኣብ ዝብል ነጥቢ እስራኤል ግብረ መልሲ ኣይሃበትሉን ኣላ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኵናት ተወዲኡ'ዩ ተባሂሉ ክሕሰብ እንተዀይኑ፡ እቲ ኢራን ዘማዕበለቶን ተማዕብሎ ዘላን ዩራንየም 'ክውሰድ ኣለዎ' ኢሉ ነይሩ'ዩ።

ናታንያሁ ነቲ ኣብ 2015 ምምሕዳር ኦባማ ምስ ኢራን ዝበጽሖ ስምምዕ ተቓዊምዎ ነይሩ'ዩ።

እቲ ስምምዕ ንኢራን ንዩክለር ከተማዕበል ዘኽእላ ነቓዓት ነይርዎ'ዩ ብምባል እዚ ከኣ ንእስራኤል ዓቢ ስግኣት ምዃኑ'ዩ ከም ምኽንያት ኣቕሪብዎ።