ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

ኣብ ኣጋጣሚ ግብዣ ምሳሕ በዓል ፋሲካ - ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ተራ ጀይዲ ቫንስ ኣብ ምውሓስ ኲናት ኢራን ንምቁራጽ ዝነበሮ ግምታት ንምምላስ ዘረባ ጀሚሩ።
እቲ ዕማም "እንተዘይተፈጺሙ ንጀይዲ ቫንስ እየ ዝወቅስ" ክብል ድማ ብዋዛ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣስሒቑ። "እንተተፈጺሙ ምሉእ ክብሪ እየ ዝወስድ ዘለኹ።"
እዚ ዘረባ፡ ቫንስ ነቲ ኣብ ፓኪስታን ምስ ኢራን ዝርርብ ዘካይድ ዘሎ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ እዋን ዝመጸ እዩ። እዚ ሓላፍነት፡ ኣብ ምክትል ፕረዚደንትነት ቫንስ ዝተዋህበ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ በዳሂ ተልእኾ'ዩ።
እቲ ዘተ እንተተዓዊቱ፡ ገለ ነገር ንላዕሊ ኣይስእንን ይኸውን እዩ፣ እንተዘይተዓዊቱ ግን ብዙሕ ዝኸስሮ ክኸውን ከምዝኽ፤እል እዩ ዝግመት።
ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።
ኵሎም መሻርኽቲ ኣመሪካ ብቐረባ ይከታተሉ ኣለዉ፤ ቫንስ "ኣብቲ መኣዲ ዘተ ገለ ነገር ከመዝግብ ኣለዎ" ይብል ሓደ ኤውሮጳዊ በዓል ስልጣን። "እንተዘይኮይኑ ክደቅቕ እዩ።"
ዝዀነ ይዅን ስምምዕ መጀመርያ ደገፍ ናይቲ ኣብ መንጎ ሰላምን ምሉእ ስልጣነ ኢራን ከጥፍእ ምፍርራሕን ንየው ነጀው ክብል ዝሰንበተ ትራምፕ ክረክብ ኣለዎ።
ኣብ ርእሲኡ ደገፍ ናይታ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ቍጽጽራ ኣጽኒዓ ዘላ ኢራንን፣ ናይታ ኣብ መላእ ዞባ ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ዝብል እማመ ኣጨኒቕዋ ዘሎ እስራኤል ደገፍ ክረክብ ከድሊ እዩ።
ብዙሓት ካብኣቶም ንናይ ወጻኢ ምትእትታው ዝቃወሙ መሰረታት ማጋ ትራምፕ ድማ፡ ቫንስ ኣብ 2028 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እንተዀይኑ ንፖሊሲ ወጻኢ ብኸመይ ክሕዞ ከምዝኽእል ኣመት ክረኽቡ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለዉ።
ሓደ ኣብ ዒራቕ ዘገልገለ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነበር፡ ቫንስ ንናይ ወጻኢ ምትእትታው ኣመሪካ ብቅሉዕ ዝቃወም ኮይኑ፡ ምስ ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ብሕታዊ ኣኼባታት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ምፍናው ኣብ ዝብል ዓሚቝ ጥርጣረ ከምዘለዎ፣ ኣድላዪ ከምዘይኰነን ከም ዝተዛረቦ እዩ ዝገልጽ።
"ቫንስ ነቲ ምግታእ ዝብል ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ደገፍ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ'ዩ። እዚ ግን ምስቲ ኣመሪካ ኣንጻር ኢራን ዘካየደቶ ኲናት ንምትእስሳር ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ይብል ጀፍ ራትከ ካብ ኢንስቲትዩት ኣመሪካ-ጀርመን።
'ጠለባቱ ንዘይውዳእ ሓላፊ' ምዕጋብ
ሓደ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ትራምፕ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን ብምትሕብባር ነቲ ዘተ ክመርሕ ምሉእ ሓላፍነት ንቫንስ ከም ዝሃቦ ኣረጋጊጹ።
ቫንስ ቅድሚ ካብ ዋሽንግተን ምውጽኡ ግን ትጽቢቱ ትሑት ምዃኑ ኣሚቱ እዩ። ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢራናውያን ብጽቡቕ ድሌት ክዛተዩ ፍቓደኛታት እንተዀይኖም፡ ብርግጽ ኢድና ክንዝርግሕ ፍቓደኛታት ኢና" ክብል ብምግላጽ፡ ኢራናውያ ግን "ክጻወቱልና ከይሓስቡ" ኢሉ ኣጠንቂቑ።
ዋላ ንጹር መስመር ሸቶታት እንተሃለወ'ውን፡ እቲ ብድሆ ምስቲ ጠለባቱ ዘይውዳእ ዓይነት ሰብ ተባሂሉ ዝግለጽ መራሒ ግን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

ትራምፕ ዝነበሮ ዘይርጉእ ኣቀራርባ፡ ኣብቲ ቅድሚ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ዝነበረ ናይ 36 ሰዓታት ምሉእ ብምሉእ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ግዜ፡ ትራምፕ ንኢራን ስምምዕ ክትገብር ሓደ መዓልቲ ሂብዋ፣ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ቀሪቡ ድማ "ምሉእ ስልጣነ ክመውት'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ፣ ጸኒሑ መጺኡ ድማ - ክልተ ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ - ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጁ።
ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤውሮጳ፡ እናሻዕ ሓድሽ ነገር ይመጽ ነይሩ ኢሉ ንምእማት፡ "ገዛይ ከይደ፡ ዜና ከፊተ፡ ንትሩት ሶሻል ሪፍረሽ ከገብሮ ጀሚረ" ይብል።
ቫንስ፡ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ውግኣትን ዝግበር ምትእትታዋትን ዘለዎ ስግኣትን ዕቃበታትን ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ ምክትል ፕረዚደንት ትራምፕ ኮይኑ ምግልጋል ኣዝዩ ከቢድ ክዀኖ ከም ዝኽእል ይግምት። "ቫንስ፡ ኣመሪካ ካብ ኲናት ኢራን ክትርሕቕ ፈቲኑ'ዩ" ይብል እቲ ምንጪ።
"እዚ ኲናት ፍጹም ኣብ መጽሓፉ የለን።"
ኣምባሳደር 'ኣመሪካ ንቕድሚት!'
ንትራምፕ ኣብ ልዑል ብድሆታት ዘለዎ ዘተ ምውካል ብድሆ ክዀኖ ይኽእል'ዩ፤ ቫንስ ግን ነዛ ህሞት'ዚ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ።
እምነት ትራምፕ ብምርካብ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኤስያን ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ላዕለዎት ኣኼባታት ክሳተፍ መንበር ተዋሂብዎ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ቫንስ ነቲ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ንምግታእ ኲናት ከምዘድሊ ዝገልጽ ስነ-ሞጎት ትራምፕ ብግልጺ ከቃልሕ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ግን ከም ካልኦት ሰበስልጣን ብፍላይ ድማ ከምቲ ጸሓፊ ምክልኻል ሄግሰት ክገብሮ ዝጸንሐ ዓይነት ኣይኰነን።
ዘረባኡ'ውን ሓሓሊፉ ካብ ናይ ትራምፕ ተፈልዩ'ዩ፤ ነቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ተሃዋሲ ዕርቂ ክብል እዩ ገሊጽዎ።
እዚ እናተፈልጠ ግን ትራምፕ ንቫንስ ነቲ ልኡኽ ክመርሖ ከቢድ ሓለፍነት ኣሰኪምዎ። ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተገብረ ምርጫ ንቫንስ፡ ንኢራናውያን ምትእምማን ንምፍጣርን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዕቱብነት ከምዘለዎን ንምርኣይ ዝተሰደደ ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ይገልጽ።
ቀሊል ዕማም ኣይኰነን

መሻርኽቲ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነባሪ ሰላም ክህሉ ከም ዝደሊ ዘርኢ ምልክት - ቫንስ ኣብ ተዛታዪ ጕጅለ ምሕዋሱ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ።
"ኣሜሪካ ብዕቱብ ናብ መኣዲ ዘተ ትመጽእ ከምዘላ ዘርኢ'ዩ" ይብል ጥሮተኛ እስራኤላዊ ጀነራል ኣሳፍ ኦርዮን።
ኣብ ፓኪስታን፡ ቫንስ ካብቲ ዝያዳ ተዋጋኢ ዝኾነ ሕሉፍ ኣቀራርባታት ዝተፈልየ ዲፕሎማስያዊ ተራ ክጻወት ክግደድ እዩ።
ኣብ ዘይርጉእ ዞባ፡ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ዝህሉ ወጥሪ ዝመልኦ ዝምድናታት ምምራሕ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ከም ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን፣ ምውዳእ መደብ ኒዩክለር ኢራንን ዝኣመሰሉ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ክምክት ትጽቢት ይግበረሉ።
ቫንስ ወዲ 41 ዓመት ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ብተዛማዲ ገና ሓድሽ ምጻእ ኮይኑ፣ ምስ መራሕቲ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዘለዎ ዓሚቕ ውልቃዊ ዝምድናታት ክምርኮስ ኣይክእልን እዩ።
"እቲ ፕረዚደንት ክሰማማዓሉ ዝኽእል ዝበለጸ ውዕል ንምርካብ እዩ ኣብኡ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ሓደጋታት ኣለዎ - ትራምፕ ድሒሩ ብዛዕባኡ ዘለዎ ተምሳጥ ኣጥፊኡ፣ ተሰልቢጡ ነቲ ተዛታዪ ክወቅስ ክፍትን ይኽእል'ዩ።"









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


