እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ተኣዚዞም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
"እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ 'ፐርሶና ናን ግራታ' [ኣፍልጦን ሓለዋን ዝተነፍጐም ውልቀሰባት] ምዃኖም" ኣዊጁ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቶም ብስም ዘይተጠቕሱ ዲፕሎማሰኛታት "ውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቬና ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ኣብ ዘስዕብ ንጥፈታት ብምስታፎም" ክወጹ ከምዝተወሰነ'ዩ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
"እዞም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ" ድማ ይብል።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብኣቶ ቢንያም በርሀ ዝምርሑ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ወከልቲ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ምዃኖም ይፍለጥ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ኣመልኪቱ ብረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ብወገን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክቐርብ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ክስታት ነጺግዎ ነይሩ።
እቲ ኣብ 2018 ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ዝነበረ ዝምድናታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ቀልጢፉ እናሓርፈፈ ምምጽኡ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራሞም ኣብ ርእሰከተማታቶም ኤምባሲታት ብምኽፋት ዝምድናታቶም ናብ ደረጃ ኣምባሳደራት ክብ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ኲናት ክልተ ዓመት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ደው ምስ በለ፡ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ከንቆልቊልን ውክልናታቶም ናብ ደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት (ቻርጅ ዲ ኣፌርስን) ክወርድ ግዜ ኣይወሰደሉን።
እቲ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝነበረ ኵነተ-ኲናት ንዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ብ16 ሓምለ 2018 እዩ መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራ ነቶም ኣንጻራ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓውምቲ ትድግፍ ኣላ ብምባል ክትከስስ እንከላ፡ ኣስመራ ብወገና፡ ነቲ ክስታት ብምንጻግ ኢትዮጵያን ብስም 'ኣፍደገ ባሕሪ' ንልኡላውነታ ትዳፈር ከምዘላ ትወቅስ።
እዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ነቲ ዶባዊ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 1998 ዝተወለዓሉ እዋን ዘዘኻኽር'ዩ። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቶም ኣብታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ከይተረፈ ኣሰናቢታቶም ምንባራ ይዝከር።
ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ዝጸንሐ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኣምባሳደር ኤርትራ ግርማ ኣስመሮም ብ10 ለካቲት 1999 ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክወጽእ ተኣዚዙ።
ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ 2002 ብይን ምስ ሃበሉ ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምተዓዛቢ ውዕል ኣልጀርስ ኢትዮጵያ ክቅበሎ ተበግሶ ብዘይምውሳዱ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ኤርትራ ኣብ ሕዳር 2003 ነቲ ኣብቲ ሕብረት ዝነበረ ወኪላ ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ናብ ኣስመራ ስሒባቶ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ስርዓት ብልጽግና ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋቱ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ዝፈጥሮ ልሙድ ምስምስ እዩ ክብል ነጺግዎ።
ምክትል ኣዛዚ እቲ 'ሓራ መሬት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝቃለሱ ዕጡቓት ኰሎኔል በርሀ ባራኺ (ወዲ ራያ) ካብ "ኣብ ዓውደ-ውግእ" ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ግጭት ካብ ተራ ጐንጺ ሓሊፉ ናብ ምሉእ ኲናት ከም ዝተሰጋገረ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ዝርከበሉ ግምባር ዓፋር፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኢረብትን በረኻታት ኣብዓላን፡ ኣርሚ 50ን 92ን ናይ ሓይልታት ትግራይ፡ ዕጡቓት ኡጉጉሞን ሰራዊት ኤርትራን ብሓባር ተሰሊፎም ይዋግእዎም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ይዅን እምበር፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ባዕሉ ካብ ዝፈጥሮም ዘሎ ብዙሓት ውሽጣዊ ግጭታት ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ፡ ንጐረባብቱ ምኽሳስ ልምዲ ገይርዎ እዩ" ክብል ነጺግዎ ኣሎ።