እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዘ ፖሊጋሚስት'፡ ተፈላጥነት ረኺባ ዘላ ፊልም 'ህይወት ደቀንስትዮ ተንጸባርቕ' - ብኸመይ?
ሱ ንያሲ ነታ 'ዘ ፖሊጋሚስት' (The Polygamist) ዘርእስታ ፈላመይቲ ልብ-ወለድ መጽሓፋ ናብ ኣሕተምቲ ምስ ሰደደታ፡ ብዛዕባ ሓደ ዝተመርዓወ ዚምባብወኣዊ ሰብኣይን ንሱ ብፍቕሪ ዝስሕበን ደቀንስትዮን እተዘንቱ መጽሓፍ "ዕዳጋ የብላን ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም" ትብል።
በዚ ምኽንያት እዛ ዚምባብወኣዊት ደራሲት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ኤዲተር፡ ኣወሃሃዲት ጽሑፍን ስእልን ብምድላይ፡ ኣብ 2012 ብውልቃ 500 ቅዳሓት ጥራይ ኣሕቲማ። እዚ መስርሕ ድማ ንግምት ናይቶም ኣሕተምቲ ብምፍራስ ኣዝዩ ዓቢይ ተፈላጥነት ክረክብ ክኢሉ እዩ።
ሕጂ ድማ ኣብ ነትፍሊክስ ከም ተኸታታሊት ፊልም ኰይና ቀሪባ፣ ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ኣብ ውሽጢ እተን 10 ብብዝሒ ዝረኣያ ተኸታተልቲ ፊልምታት ክትኣቱ ክኢላ ኣላ።
ኣብ ኣመሪካ እውን ክሳብ ካልኣይ ደረጃ በጺሓ ኣላ። ተዋሳኢት ሆሊዉድ ታራጂ ፒ ሀንሰን፡ እዛ ተኸታታሊት ፊልም ኣዝያ ከም ዝማረኸታ ብምግላጽ፡ ንዅለን 22 ክፋላት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተኸታቲላ ከም ዝወድኣተን መስኪራ።
ንያሲ፡ እዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ድርብ-መርዓ (polygamy) እትገልጽ ቀጥታዊት ዛንታ ጥራይ ኣይኰነትን። ብመሰረቱ እውን እቲ ባህላዊ ልምዲ ናይ ድርብ-መርዓ ንዓኣ ጓና ከም ዘይኰነ እያ ትገልጽ።
ብወገን ኣደኣ ዘለዉ ስድራቤታ ንሓያሎ ወለዶታት ስርዓተ ድርብ-መርዓ ዝኽተሉ እዮም ነይሮም። ኣብ 1979 ዝዓረፈ ኣቦሓጐኣ፡ ሓሙሽተ ኣንስቲ ነይረንኦ፤ ኣቦ-ኣቦሓጐኣ ድማ 11 ኣንስቲ ነይረንኦ።
እታ ኣቦሓጐኣ መጀመርታ ዝተመርዓዋ እኖሓጐኣ ድማ፡ ነቲ እተን ኣንስቲ ብሓባር ዝነብራሉ ዝነበራ ሕርሻ ከም ዋና (matriarch) ኰይና ተመሓድር ነይራ።
መብዛሕትኡ ግዜ እውን ነተን ሓደስቲ ዝኣትዋ ኣንስቲ ባዕላ ኣብ ምምራጽ ትሕግዝ ነይራ እያ።
"ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ቦታኣ ስለእትፈልጥ፡ ውሽጣዊ ባእሲ ኣይነበረን" ትብል ንያሲ።
ንእኖሓጐኣ ነዚ ጕዳይ እዚ ከመይ ገይራ ከም እትርድኦ ምስ ሓተተታ፡ እቲ ዝሃበታ መልሲ ግብራዊ እዩ ነይሩ፤ ማለት ኣካላዊ ይዅን ስምዒታዊ ጻዕሪ ብማዕረ ንምክፋል ዝያዳ ሓገዝ ንምርካብ ዝብል እዩ።
እቲ ኵነታት እውን ንዅሉ ግልጺ እዩ ነይሩ።
ንያሲ ነዚ ከተብርህ እንከላ፡ "ኵሉ ሰብ መን መን ምዃኑ ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጥ ነይሩ" ትብል።
ኣብ ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ድርብ-መርዓ (ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው) ብመሰረት ዝተወሰኑ ባህላዊ ልምድታት ዝተፈጸመ ክሳብ ዝዀነ ብሕጊ ተቐባልነት ኣለዎ።
ይዅን እምበር፡ ንያሲ ኣብ 2001 ኣብ ሃራረ (ርእሰ-ከተማ ዚምባብወ) ከም ሓንቲ ንእሽቶ ሰራሕተኛ ብምንባራ ከተስተብህለሉ ዝጀመረት ጕዳይ ፈጺሙ ካልእ እዩ ነይሩ።
ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ዘላቶም ዝመስሉ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ብተግባር ግና ምስ ካልኦት ኣንስቲ (ብውሽምነት) ብሕቡእ ስድራቤት ብምምስራት ናይ ድርብ-መርዓ ህይወት ይመርሑ ከም ዝነበሩ እያ ተዓዚባ።
እዚ ድማ እዩ እቲ ኣብ ልብ-ወለድ መጽሓፋ ተላዒሉ ዘሎ ጕዳይ ድርብ-መርዓ፤ ንሳ "ዘመናዊ ወይ ዝተበላሸወ መልክዕ" ናይቲ ልምዲ ብምባል እትጽውዖ ኰይኑ፡ ኣብ ክንዲ ብስምምዕ ኣብ ምትላል ዝተሞርኰሰ እዩ።
ንያሲ፡ "ኣነ ኣንጻር ስርዓት ድርብ-መርዓ ኣይኰንኩን" ትብል።
"እቲ ኣነ ዝቃወሞ ግና፡ እቲ ናይ ምውሳን መሰል ዘይምህላዉ እዩ። ሓንሳብ ናብ ውሽጢ [መርዓ] ምስ ኣተኻ፡ እቲ ቅድመ-ኵነት ክቕየር ጌጋ እዩ።"
ኣብታ ልብ-ወለድ፡ እታ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ዝዀነት ጆይስ፡ ምስ ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ዘለዎ ሓዳር ከም ዝመስረተት እያ ትኣምን።
ይዅን እምበር፡ ሰብኣያ ጆናሲ ብድሕሪኣ ምስ ሰለስተ ኻልኦት ኣንስቲ ተመርዕዩ ካልእ ሓዳር ይኸፍት።
በቲ ሰብኣይ ዝዀነ ዓይነት ምእማን ወይ ኣፍልጦ ኣይወሃብን እዩ።
ጆይስ ግና እቶም ምስጢራት እናተደራረቡ ምስ ከዱን ናይተን ኣንስቲ ህይወት እናተኣሳሰረ ምስ መጸን፡ እቲ ብዛዕባ ሓዳራ ዝነበራ 'ናይ ሓንቲ ሰበይቲ' እምነት ካብ መጀመርታኡ ናይ ሓሶት ምትላል ከም ዝነበረ እያ ትግንዘብ።
እቲ መን ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለዎ መንከ የብሉን ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ምሉእ ዛንታ ናይታ መጽሓፍ ጐሊሑ ዝረአ እዩ።
ጆናሲ ብገዛእ ጻዕሩ ዝሃብተመ ነጋዳይ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ተባዕታይ ዝዕብልሎ (patriarchal) ሕብረተሰብ ድማ ብዛዕባ ኵሉ ነገር ውሳነ ዝህብ ንሱ እዩ።
ጆይስ ነቲ ሃብቱ ክሃንጽ እኳ እንተ ደገፈቶ፡ ቍጠባዊ ኵነታታ ግና ኣብኡ ዝተሞርኰሰ እዩ ነይሩ።
እዚ ኵነታት ነታ ድሒራ ዝኣተወት ሰበይቱ ማቲፓ እውን ዝምልከት እዩ፤ ንሳ እውን ንጆናሲ እያ ትሰርሓሉ።
ብሰንኪ እዚ፡ እተን ደቀንስትዮ ውሑድ ናይ ገዛእ-ርእሰን ናጽነት ስለ ዝህልወን ንሓደጋ ዝተቓልዓ ይዀና።
ንያሲ ከም እተብርሆ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ዕድመ እውን፡ ክሳብ እቲ ኣዝዩ ውልቃዊ ዝዀነ ናይ ምዝርራብን ምውሳንን ጕዳያት ነቲ ዘይምዕሩይነት ዝያዳ የጋድዶ እዩ።
ጕዳይ ኤችኣይቪ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ዛንታ ተላዒሉ ኣሎ።
"ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክትደራደር ከለኻ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ዝዕብልሎ ርክብ ናይ ምውሳን መሰል የብልካን፡" ትብል እታ ደራሲት።
ኣብ መንጎ እታ መጽሓፍን ነቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝቐረበ ተኸታታሊ ፊልምን ገለ ፍልልያት ኣሎ - ኣብቲ ፊልም፡ እቲ ዛንታ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተቐየረ ኰይኑ፡ ብቋንቋ ዙሉ ምስ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም (subtitles) ዝተሰርሐ እዩ፤ ጆናሲ ድማ ዝወሓዳ ኣንስቲ ኣለዋኦ።
ካብቲ ናይ ተለቪዥን ፊልም ብዝተፈልየ ግና፡ እታ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ምሉእ ብምሉእ ብኣንስቲ ጆናሲ እያ ትዝንቶ።
"ድምጺ ደቀንስትዮ ከጕልሕ እየ ደልየ" ትብል ንያሲ፤ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ስለምንታይ ምስ ሓደ እሙን ዘይኰነላ ሰብኣይ ኣብ ርክብ ከም ዝኣተወት ከተብርህ ዕድል ንምሃብ እዩ። እዚ ዛዕባታት ንብዙሓት ኣንበብቲ ስምዒት ዝትንክፍ ምዃኑ ወሲኻ ትገልጽ።
ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ንገዛእ ርእሰን ኣብ ጆይስን ኣብተን ካልኦት ኣንስቲ ጆናሲን ከም ዝርእያኣ ብምግላጽ ይጽሕፋላ እየን።
ገሊአን ድማ ምስ ከም ጆናሲ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ሓዳር ከም ዘለወንን ካብቲ ርክብ ክወጻ (ክፍትሓ) ከም ዝደልያን ይዛረባ።
እታ ተኸታታሊት ፊልም ድሕሪ ምፍናዋ፡ ኣምነስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ 'ናርሲሲስታዊ ዓመጽ' (narcissistic abuse - ብኣነነት ዝግበር ዓመጽ) ከምኡ'ውን ሓንቲ ሰበይቲ ክትወስዶ ብዛዕባ እትኽእል ስጕምትታት መምርሒ ዘርጊሑ ነይሩ።
"ንገሊኦም ሰባት፡ እዚ ተኸታታሊ ፊልም ጥራይ ኣይኰነን" ትብል ንያሲ። "እዚ እቲ ዝነብሩዎ ዘለዉ ጭቡጥ ክውንነት እዩ። ንሕብረተሰብ ድማ መስትያት ኰይኑ የርእዮ ኣሎ።"
ይዅን እምበር፡ ኵሉ ሰብ ነዚ ነጸብራቕ እዚ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን።
ኬንያዊ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝዀነ ጀፍሪ ሞሲርያ፡ እታ ተኸታታሊት ፊልም ንስርዓተ ድርብ-መርዓ ምስ ጥልመት፡ ምትላልን ዓመጽን ሓዋዊሳቶ ኣላ ብምባል፡ ኣብ ኬንያ ክትእገድ ጸዊዑ ኣሎ።
ንያሲ ግና ነዚ ዕሽሽ እያ እትብሎ።
ባህሊ እናማዕበለን እናተቐየረን እዩ ዝኸይድ ትብል፤ ልምድታት እውን ክዳኸም ወይ ክበላሾ ይኽእል እዩ፤ ንሳ ድማ ነዚ ጽኑሕ ልምዲ እዚ ሕጂ እንታይ ኣጋጢሙዎ ከም ዘሎ እያ ተርኢ ዘላ።
ሃብታማት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ፊልም ከም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ብምግባራ ጥራይ፡ ኣዒንቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝኸፈተት ትዛረብ።
ሃብታማት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዘለዉ ፈጺሙ ይፈልጥ ከም ዘይነበረ ዝነገራ ሓደ ኣውሮጳዊ ኣንባቢ እውን ትዝክር።
"ኣፍሪቃዊ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ወትሩ ዝተለምደ ጽሉው ኣረኣእያ እዩ ዘለና፤ እዚ ድማ ወትሩ ምስ ድኽነት እዩ ዝተኣሳሰር" ትብል እታ ደራሲት።
እዛ ተኸታታሊት ፊልም ነዚ ዝጻረር ኵነታት እያ ተርኢ።
ብቋንቋ ዙሉ ምስራሓ ድማ ዝያዳ ሃብታም ከም ዝገበራ ብምምጓት፡ "እንግሊዝኛ ልክዕ ከምቲ ናይ ቋንቋታትና ዓይነት ባህላዊ ሃብቲ ወይ ዕምቈት ክስከም ኣይክእልን እዩ" ትብል።
ገለ ናይ ቅሬታ ስምዒት እንተልዩ፡ ብዛዕባ እቲ 'መን እዩ ክጽሕፍ ዕድል ዝረክብ?' ዝብል ሕቶ ክለዓል ከሎ እዩ ዝንጸባረቕ።
ንያሲ ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ደራሲት ክትከውን እኳ እንተ ደለየት፡ ወለዳ ግና ናብቲ ዝተለምደ ሞያታት ንኽትኣቱ እዮም ደሪኾምዋ።
ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተ-ዓመታት ሰሪሓ እያ፤ ከም ተንታኒት ወፍሪ ኰይና ዝሰርሓትሉ እዋን ድማ፡ ንጽሕፈት ከም ሞያን ከም ዋኒንን ጌራ ክትርእዮ ከም ዝመሃራ ትገልጽ።
እቲ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዝነበራ ስራሕ ንመነባብሮኣ ዝሽፍን እኳ እንተነበረ፡ ጽሕፈት ግና ፍቕራ ኰይኑ ብምቕጻሉ፡ ነታ 'ዘ ፖሊጋሚስት' ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ድሕሪ ስራሕ ምሸት-ምሸት እያ ጽሒፋታ።
ነታ ልብ-ወለድ ድሕሪ ምሕታማ ሒደት ዓመታት ጸኒሓ፡ ኣብ 40 ዓመት ዕድመኣ ንጽሕፈት ምሉእ ግዚኣ ንምሃብ ካብ ናይ ትካላት ስራሕ ተሰናቢታ፤ ሕጂ ጓል 48 ዓመት እያ።
"ሰባት፡ 'ኦ! ናይ ሓንቲ ለይቲ ዓወት ኢኺ ተጓናጺፍኪ' ይብሉኒ እዮም። ፈጺሙ ግን ከምኡ ኣይኰነን" ትብል። "እቲ ኣፍልጦ ናይ ሓንቲ ለይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እቲ ስራሕ ግን ንሓያሎ ዓመታት ዝተኻየደ እዩ፡ ብዙሕ መስዋእቲ እውን ከፊለ እየ።"
መብዛሕትኦም ደረስቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብመጻሕፍቶም ጥራይ መነባብሮ ክመርሑ ከም ዘይክእሉ ትውስኽ።
መብዛሕትኡ ግዜ ዕዉታት ደረስቲ ብሃብታማት ሰብኡቶም፡ ብናይ ገንዘብ ሓገዛት (grants)፡ ወይ ፕሮግራም ጻንሒት ደረስቲ (residencies) ከም ዝድገፉ ትገልጽ።
ንዓኣ ግን እዞም ኣማራጺታት እዚኣቶም ኣይነበሩዋን፤ ወዳ ንምምሃር ባዕላ ክትጽዕር ዝነበራ በይና ዝዀነት ኣደ ብምዃና፡ ጽሕፈታ ንምቕጻል ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ክትዋፈር እያ ጸኒሓ።
"ሓንቲ መጽሓፍ ካብ እትጅምራ ክሳብ እትውድኣ ነዊሕ ግዜ እዩ ዘሎ። ክልተ ዓመት ክኸውን ይኽእል፣ ወይ እውን ሸሞንተ ዓመት። ኣብዚ ግዜ እዚ ከመይ ጌርካ ትነብር? ወጻኢታት መነባብሮ ክኽፈል ኣለዎ" ትብል። "ኣነ ነዚ ጕዕዞ እዚ ተጓዒዘዮ እየ፡ ኣዝዩ ዘይርጉእ እዩ... ብርግጽ ኣብቲ ስሩዕ ስራሕካ ክትቅጽል ኣለካ።"
"ጽሕፈት መብዛሕትኦም ሰባት ክበጽሑዎ ዘይክእሉ ናይ ምቾት እዩ" ብምባል፡ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ድማ በቶም ዳርጋ ዘይስምዑ ድምጺታት ከም ዝልካዕ ትውስኽ።
ኣፍሪቃዊ ጽሑፋት ኣብ ዓለም ብዝዝርግሓሉ መገዲ ዘይምዕሩይነት ከም ዘሎ እውን ይስምዓ እዩ። "ኣብ ወጻኢ ንዘሕተመ ኣፍሪቃዊ ደራሲ፡ ተፈላጥነት ንምርካብ ቀሊል እዩ። ብልምዲ መጻሕፍቲ ናባና እዮም ዝሽየጡ፤ ናትና ስራሕ ግና ናብኦም ክሽየጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።"
እቲ "ጽልዋ ነትፍሊክስ" ንዓኣ ዝሃባ ነገር እንተልዩ፡ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኣብ ዘልዓላ ኣርባዕተ ልብ-ወለዳት መጻሕፍታን ካብ ዓሰርተ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ዝወሰደ ናይ ጽሕፈት ጕዕዞኣን ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ዝለዓለ ተፈላጥነት እዩ።
ንያሲ ሕጂ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክትሰርሓላ ዝጸንሐት ታሪኻዊት ልብ-ወለድ ቀዳማይ ንድፊ ትዛዝም ኣላ፤ ዛዕባታት ናይታ መጽሓፍ ድማ ንብዙሓት ሰባት ስምዒቶም ዝትንክፍ ክኸውን እዩ ትብል።
ብዛዕባ ክእለት ጽሕፈት ከተልዕል ከላ፡ "ኵሉ ነገር ብዛንታ እዩ ዝጅምር" ብምባል፡ መጽሓፍ ናይ ምጽሓፍ ድሌት ሃልይዋ እንተዀነ ገንዘብ ንዘይብላ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ብቢሮን ወረቐትን ክትጅምርን ምእንቲ ፍቕሪ ጽሕፈት ክህልዋን ትመክር።
"ገንዘብ ፈጺሙ መበገሲ ክኸውን የብሉን። ኵነታት ምስ ዘጸግም፡ ነዳዲ ኰይኑ ዘንቀሳቕሰኪ እቲ ፍቕሪ እዩ።"